ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 40:1-31

ትሕዝቶ

  • ንህዝቢ ኣምላኽ ኣጸናንዕዎ (1-11)

    • ድምጺ ኣብ በረኻ (3-5)

  • ዕቤት ኣምላኽ (12-31)

    • ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኻብ መገለል (15)

    • ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ “ኸባብ ምድሪ” ይቕመጥ (22)

    • ንኸዋኽብቲ ብስሞም ይጽውዖም (26)

    • ኣምላኽ ከቶ ዘይደክም እዩ (28)

    • ብየሆዋ ተስፋ ምግባር ሓድሽ ብርታዐ ይህብ (29-31)

40  “ኣጸናንዑ፡ ንህዝበይ ኣጸናንዕዎ” ይብል ኣምላኽኩም።+   “ንልቢ የሩሳሌም ተዛረቡ፣*ግዴታዊ ኣገልግሎታ ኸም እተፈጸመ፡በደላ ኸም እተኸፍለ ኣውጁላ።+ ካብ ኢድ የሆዋ ንዅሉ ሓጢኣታ ምሉእ* ተቐቢላ እያ።”+   ድምጺ ሓደ ኣብ በረኻ ዚጭድር፡ ከምዚ ይብል፦ “መገዲ የሆዋ ጽረጉ!*+ ኣብ ምድረ በዳ ንኣምላኽና ጐደና+ ኣቕንዑ።+   ስንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፣ከረንን ኵርባን ዘበለ ድማ ትሕት ይበል። ሓባጥ ጐባጥ ምድርስ ጐልጐል፡ድንጉር ከኣ ጐልጐል ስንጭሮ ይኹን።+   ኣፍ የሆዋ ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡ክብሪ የሆዋ ኺግለጽ፡+ኵሉ ስጋ* ድማ ብሓባር ኪርእዮ እዩ።”+   ስማዕ! ሓደ፡ “ጨድር!” ይብል ኣሎ፣ካልእ ድማ፡ “እንታይ ኢለ ኽጭድር፧” ኢሉ ይሓትት ኣሎ። “ኵሉ ስጋ፡* ሳዕሪ እዩ። ኵሉ እቲ ብተኣማንነት ዜርእይዎ ፍቕሪ ኸም ዕምባባ መሮር እዩ።+   ትንፋስ* የሆዋ ነፊስዎ እዩ እሞ፡ሳዕሪ ይነቅጽ፡ዕምባባ ይጽምሉ።+ ብርግጽ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ ጥራይ እዩ።+   ሳዕሪ ይነቅጽ፡ዕምባባ ይጽምሉ፣ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።”+   ኣቲ ንጽዮን እተበስሪ፡ናብ ነዊሕ ከረን ደይቢ።+ ኣቲ ንየሩሳሌም እተበስሪ፡ድምጽኺ ብሓይሊ ዓው ኣብሊ። ዓው በሊ፡ ኣይትፍርሂ። ንኸተማታት ይሁዳ፡ “እንሆ ኣምላኽኩም” ኢልኪ ኣውጂ።+ 10  እንሆ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ብሓይሊ ኺመጽእ፡ቅልጽሙ ድማ ምእንታኡ ኺገዝእ እዩ።+ እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ ኣሎ፣እቲ ዚኸፍሎ ጻማ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እዩ።+ 11  ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ ኺከናኸነን* እዩ።+ ንዕያውቲ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክበን፡ኣብ ሕቝፉ ድማ ኪስከመን እዩ። ነተን ዜጥብዋ ብህድኣት ኪመርሐን እዩ።+ 12  ማያት ብኢዱ ዓሚኹ ዝሰፈረ፡+ሰማያት ከኣ ብስድሪ ኢዱ* ዝለክዐ መን እዩ፧ ሓመድ ምድሪ ዝሰፈረ፡+ኣኽራን ብመምዘኒ፡ኵርባታት እውን ብሚዛን ዝመዘነ መን እዩ፧ 13  መንፈስ የሆዋ ዝዓቀነ፡*ኣማኻሪኡ ዀይኑ ድማ ዚምህሮ መን እዩ፧+ 14  ኪርዳእሲ ምስ መን ተማኺሩ፧ መገዲ ፍትሒ ዝመሃሮ፡ፍልጠት ዝመሃሮ፡ጐደና ናይ ሓቂ ኣእምሮ እውን ዘፍለጦ መን እዩ፧+ 15  እንሆ፡ ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኻብ መገለል፡ከም ደሮና ኣብ ሚዛን እዮም ዚቝጸሩ።+ እንሆ፡ ንደሴታት ከም ደሮና የልዕለን። 16  ሊባኖስ እኳ ንምንዳድ ኣይኣክልን፣*እንስሳ ዘገዳሙ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ኣይኣክልን። 17  ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዘየልቦ ነገር እዮም፣+ከም ባዶ፡ ከም ከንቱ ገይሩ እዩ ዚቘጽሮም።+ 18  ንኣምላኽሲ ምስ መን ከተመሳስልዎ ኢኹም፧+ ምስ ኣየናይ ምስሊኸ ኸተመዓራርይዎ ኢኹም፧+ 19  ኢደ ጥበበኛ ብፍሲ ጣኦት* ይገብር፣ኣንጠረኛ ድማ ብወርቂ ይልብጦ፣+ሰንሰለት ወርቂ ኸኣ ይሰርሕ። 20  ንመባኡ ኦም፡+ዘይቍንቍን ኦም ይሓሪ። ዘይክምበል ጽሩብ ምስሊ ኺሰርሓሉ፡ክኢላ ኢደ ጥበበኛ ይደሊ።+ 21  ኣይትፈልጡን ዲኹም፧ ኣይሰማዕኩምን ዲኹም፧ ካብ መጀመርታዶ ኣይተነግረኩምን፧ ካብ መሰረታት ምድሪዶኸ ኣይተረድኣኩምን፧+ 22  ኣብ ልዕሊ ኸባብ* ምድሪ ዚቕመጥ ኣሎ፣+ነበርታ ድማ ከም ጐደበ እዮም። ንሱ ንሰማያት ከም ሻሽ ይዝርግሖ ኣሎ፣ከም መንበሪ ዚኸውን ድንኳን ከኣ ይግትሮ።+ 23  ንሰበ ስልጣን ባዶ ይገብሮም፣ንፈራዶ* ድማ ከንቱ ይገብሮም። 24  ገና ኸይተተኽሉ፡ገና ኸይተዘርኡ፡ገና ጕንዶም ሱር ከይሰደደ፡ኡፍ ይብሃሉ እሞ ይነቕጹ፡ንፋስ ከኣ ከም ሓሰር ይወስዶም።+ 25  “ማዕሪኡ ንምግባርሲ፡ ምስ መን ከተማሳስሉኒ ኢኹም፧” ይብል እቲ ቕዱስ። 26  “ኣዒንትኹም ናብ ሰማይ ኣልዒልኩም ርኣዩ። ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧+ እቲ ንሰራዊቶም ብቝጽሪ ዜውጽኦም እዩ፣ብስሞም ይጽውዖም።+ ካብ ዕቤት ብርታዐኡን ካብቲ ዜፍርህ ሓይሉን እተላዕለ፡+ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተርፍን። 27  ኣታ ያእቆብ፡ ስለምንታይ ከምዚ ትብል፡ ኣታ እስራኤልከ፡ ስለምንታይ ከምዚ ትዛረብ፧ ‘መገደይ ካብ የሆዋ ሕብእቲ እያ፣ካብ ኣምላኽ ድማ ፍትሒ ኣይረክብን እየ’ ትብል ኣለኻ።+ 28  ኣይትፈልጥን ዲኻ፧ ኣይሰማዕካን ዲኻ፧ የሆዋ፡ እቲ ፈጣሪ ወሰናት ምድሪ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽ እዩ።+ ከቶ ዘይደክምን ዘይሕለልን እዩ።+ ኣእምሮኡ ዘይምርመር* እዩ።+ 29  ንድኹም ሓይሊ፡ጕልበት* ንዘይብሉ ኸኣ ምሉእ ብርታዐ ይህብ።+ 30  መንእሰያት ይደኽሙን ይሕለሉን፣ኣጕባዝ ድማ ይዕንቀፉን ይወድቁን፣ 31  እቶም ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ ብኣኽናፍ ይድይቡ።+ ይጐይዩ እሞ ኣይሕለሉን፣ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንየሩሳሌም ኣደዓዕስዋ።”
ወይ፡ “ዕጽፊ።”
ወይ፡ “ኣዳልዉ።”
ወይ፡ “ኵሉ ሰብ።”
ወይ፡ “ኵሉ ሰብ።”
ወይ፡ “መንፈስ።”
ወይ፡ “ኺጓስየን።”
ኢድ ምስ ተዘርግሐ፡ ኣብ መንጎ ጫፍ ዓባይቶን ሕንጥሊቶን ዘሎ ርሕቐት። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “እተረድኦ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንሓዊ ዚኸውን እኹል ዕንጨይቲ ኺህብ ኣይክእልን።”
ወይ፡ “ፍሱስ ምስሊ።”
ወይ፡ “ድምብልብሎ።”
ወይ፡ “ንገዛእቲ።”
ወይ፡ “ክትግንዘቦ ዘይከኣል።”
ወይ፡ “ብርታዐ።”