ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 39:1-8

ትሕዝቶ

  • ካብ ባቢሎን ልኡኻት መጹ (1-8)

39  በታ ግዜ እቲኣ፡ መሮዳክ-ባላዳን ወዲ ባላዳን ንጉስ ባቢሎን፡ ህዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝሓወየ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡+ ንህዝቅያስ ደብዳበታትን ህያብን ሰደደሉ።+  ህዝቅያስ ከኣ ተሓጒሱ ተቐበሎም* እሞ፡ ቤት መዝገቡ፡+—ብሩርን ወርቅን ዘይቲ በለሳንን ካልእ ኽቡር ዘይትን ብዘሎ ቤት ኣጽዋሩን ኵሉ እቲ ኣብ መዛግብቱ እተረኽበን፡—ኣርኣዮም። ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቤቱን* ኣብ ኵሉ ግዝኣቱን ዘየርኣዮም ነገር ኣይነበረን።  ድሕርዚ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ መጺኡ፡ “እዞም ሰባት እዚኦም እንታይ ኢሎምኻ፧ ካበይከ መጺኦምኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ህዝቅያስ ድማ፡ “ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ባቢሎን እዮም መጺኦም” በሎ።+  ንሱ ኸኣ፡ “ኣብ ቤትካኸ* እንታይ ርእዮም፧” ኢሉ ሓተቶ። ህዝቅያስ ድማ፡ “ኣብ ቤተይ* ዘሎ ዅሉ ርእዮም እዮም። ኣብ መዛግብተይ ዘየርኣኽዎም ነገር የልቦን” ኢሉ መለሰ።  ኢሳይያስ ከኣ ንህዝቅያስ ከምዚ በሎ፦ “ቃል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ስማዕ፦  ‘እንሆ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ቤትካ* ዘሎን ኵሉ እቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝደለብዎን ናብ ባቢሎን ዚውሰደለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ። ገለ እኳ ኣይኪተርፍን እዩ’+ ይብል የሆዋ።+  ‘ገለ ኻብቶም እትወልዶም ደቅኻ እውን ኪውሰዱን ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ባቢሎን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ኪዀኑን እዮም።’”+  ሽዑ፡ ህዝቅያስ ንኢሳይያስ፡ “እቲ እተዛረብካዮ ቓል የሆዋ ጽቡቕ እዩ” በሎ። ወሲኹ ድማ፡ “ብዘመነይሲ* ሰላምን ርግኣትን* ኪኸውን እዩ” በለ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ብኣታቶም ተሓጐሰ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቱን።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስትኻኸ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስተይ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስትኻ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብመዓልትታተይሲ።”
ወይ፡ “ሓቅን።”