ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 36:1-22

ትሕዝቶ

  • ሰናክሪብ ንይሁዳ ወረራ (1-3)

  • እቲ ራብሳቀ ንየሆዋ ኣባጨወሉ (4-22)

36  ኣብ መበል 14 ዓመት ንጉስ ህዝቅያስ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር+ ኣንጻር ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ደዪቡ ሓዘን።+  ሽዑ፡ ንጉስ ኣሶር ንራብሳቀ*+ ምስ ብዙሕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሽ+ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ንጉስ ህዝቅያስ ሰደዶ። ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ጐደና ግራት ሓጻባይ+ ዘሎ መትረብ ላዕለዋይ ሓጽቢ+ ድማ ቈሙ።  ሽዑ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ* ሓላፍነት እተዋህቦ ኤልያቂም+ ወዲ ሒልቅያን ሸብና+ እቲ ጸሓፍን ዮኣሕ ወዲ ኣሳፍ እቲ መዝጋብን ናብኡ ወጹ።  እቲ ራብሳቀ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “በጃኹም፡ ንህዝቅያስ ከምዚ በልዎ፦ ‘እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦ “እንታይ መሰረት ስለ ዘሎካ ኢኻ ተኣሚንካ ዘለኻ፧+  ‘ንውግእ ስልትን ሓይልን ኣሎኒ’ ትብል ኣለኻ፣ እዚ ግና ባዶ ቓላት እዩ። ብመን ተኣሚንካ ኢኻ ኻባይ ክትዓሉ ዝደፈርካ፧+  እንሆ፡ ብደገፍ እዚ ንዚምርኰሶ ሰብ ናብ ኢዱ ኣንኲሉ ዚኣቱ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ዝዀነ ግብጺ ተኣሚንካ ኣለኻ። ፈርኦን ንጉስ ግብጽስ ንዅሎም እቶም ዚእመንዎ ኸምኡ እዩ።+  ‘ብየሆዋ ኣምላኽና ተኣሚንና ኣለና’ እንተ ኢልካኒ ድማ፡ እቲ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን፡ ‘ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ስገዱ’+ ኢሉ በረኽቱን መሰውኢታቱን ህዝቅያስ ዘወገደሉስ+ ንሱ ደይኰነን፧”’  ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ ግዳ ምስ ጐይታይ ንጉስ ኣሶር ተወራረድ፦+ ንስኻ ዚውጥሕዎም ክትረክብ እንተ ኽኢልካስ፡ 2,000 ፈረስ ክህበካ እየ።  ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ንምርካብ ኣብ ግብጺ ተኣሚንካ ኸለኻ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኻብቶም ንኣሽቱ ገላዉ ጐይታይ ንሓደ ሹም እኳ ኽትመልስ እትኽእል፧ 10  ሕጅስ ብዘይ ፍቓድ የሆዋዶ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኸጥፍኣ ኢለ ደዪበ እየ፧ የሆዋ ደኣ እዩ፡ ‘ኣንጻር እዛ ምድሪ እዚኣ ደዪብካ፡ ኣጥፍኣያ’ ኢሉ ልኢኹኒ።” 11  ሽዑ፡ ኤልያቂምን ሸብናን+ ዮኣሕን ነቲ ራብሳቀ፡+ “ክንሰምዖ ንኽእል ኢና እሞ፡ በጃኻ፡ ንገላዉኻ ብኣራማይስጢ*+ ተዛረበና፣ እዚ ኣብ መካበብያ ዘሎ ህዝቢ እናሰምዐ ብቛንቋ ኣይሁድ ኣይትዛረበና” በልዎ።+ 12  እቲ ራብሳቀ ግና፡ “ጐይታይሲ እዚ ቓላት እዚ ንጐይታኻን ንዓኻን ጥራይ ክዛረብ ድዩ ልኢኹኒ፧ ነቶም ኣብ መካበብያ ተቐሚጦም ዘለዉ እሞ፡ ምሳኻትኩም ሓርኦም ኪበልዑን ሽንቶም ኪሰትዩን ዘለዎም ሰባት እውን ደይኰነን፧” በለ። 13  ሽዑ፡ እቲ ራብሳቀ ደው ኢሉ ብቛንቋ ኣይሁድ+ ከምዚ ኢሉ ዓው ኢሉ ጨደረ፦ “ቃል እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ስምዑ።+ 14  ንጉስ ከምዚ ይብል፦ ‘ህዝቅያስ ኬናግፈኩም ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ኣየታልልኩም።+ 15  ህዝቅያስ ድማ፡ “የሆዋ ብርግጽ ኬናግፈና እዩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትውሃብን እያ” ኢሉ ብየሆዋ ኣየአምንኩም።+ 16  ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ፣ ከመይሲ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦ “ምሳይ ሰላም ግበሩ፡ ኢድኩም ድማ ሃቡ፣* ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ካብ ተኽሊ ወይኑን ካብ ኦም በለሱን ይብላዕ፡ ካብ መዕቘር ማዩ እውን ይስተ፣ 17  መጺአ ነዛ ምድርኹም ናብ እትመስል ምድሪ፡+ ናብ ምድሪ እኽልን ጕዕሽ ወይንን፡ ናብ ምድሪ እንጌራን ኣታኽልቲ ወይንን ክሳዕ ዝወስደኩም፡ ከምኡ ግበሩ። 18  ህዝቅያስ፡ ‘የሆዋ ኼናግፈና እዩ’ ኢሉ ኣየስሕትኩም። ካብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብከ ንምድሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘናገፈዶ ኣሎ፧+ 19  ኣማልኽቲ ሓማትን ኣርጳድን ኣበይ ኣለዉ፧+ ኣማልኽቲ ሰፋርዋዪምከ ኣበይ ኣለዉ፧+ ንሰማርያዶ ኻብ ኢደይ ኣናጊፎምዋ እዮም፧+ 20  የሆዋ ንየሩሳሌም ካብ ኢደይ ዜናግፋስ፡ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ እዘን ሃገራት እዚአን ንምድሩ ኻብ ኢደይ ዘናገፈ መን ኣሎ፧”’”+ 21  ንጉስ፡ “ኣይትመልሱሉ” ኢሉ ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ ንሳቶም ስቕ በሉ፡ ሓንቲ ቓል እውን ኣይመለሱሉን።+ 22  እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ* ሓላፍነት እተዋህቦ ኤልያቂም ወዲ ሒልቅያን ሸብና+ እቲ ጸሓፍን ዮኣሕ ወዲ ኣሳፍ እቲ መዝጋብን ከኣ፡ ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ መጹ እሞ ዘረባ እቲ ራብሳቀ ነገርዎ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ብቛንቋ ሶርያ።”
ቃ.ቃ.፡ “ምሳይ በረኸት ግበሩ፡ ናባይ ድማ ውጹ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”