ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 35:1-10

ትሕዝቶ

  • ገነት ክትምለስ እያ (1-7)

    • ዕዉራት ኪርእዩ፡ ጸማማት ኪሰምዑ እዮም (5)

  • ብጁዋት ብመገዲ ቕድስና ኺመላለሱ እዮም (8-10)

35  በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪፍሳህ፡+ ጐልጐል ምድረ በዳ ኺሕጐስ፡ ከም ሳፍሮን ድማ ኪዕምብብ እዩ።+   ብርግጽ ኪዕምብብ እዩ፣+ ኪሕጐስን እልል ኪብልን እዩ። ክብሪ ሊባኖስ፡+ ግርማ ቀርሜሎስን+ ሳሮንን+ ኪውሃቦ እዩ። ክብሪ የሆዋ፡ ግርማ ኣምላኽና፡ ኪርእዩ እዮም።   ንዝደኸማ ኣእዳው ኣበርትዑ፣ ወለል ንዝበላ ኣብራኽ ድማ ኣደልድሉ።+   ነቶም ጭኑቕ ዝልቦም፡ “በርትዑ። ኣይትፍርሁ። እንሆ፡ ኣምላኽኩም ምስ ሕነ ኺመጽእ፡ ምስ ፍዳ እውን ኪመጽእ እዩ።+ ኪመጽእን ኬድሕነኩምን እዩ”+ በልዎም።   ሽዑ፡ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ፡+ ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን።+   ሽዑ፡ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰራሰር፡+ ልሳን ዓባስ ድማ እልል ኪብል እዩ።+ ከመይሲ፡ ማያት ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ እውን ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ።   ምድሪ ረመጽሲ ሻምብቆ ዝመልኦ ራህያ፡ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ዓይኒ ማያት ኪኸውን እዩ።+ ኣብ ሰፈር ወኻሩ፡*+ ሳዕርን ሻምብቆን ጳጲሮስን ኪኸውን እዩ።   ጐደና ድማ ኣብኣ ኽትከውን፡+ እወ፡ መገዲ ቕድስና እትብሃል መገዲ ኽትህሉ እያ። ርኹስ ብእኣ ኣይኪጕዓዝን እዩ።+ ነቶም በታ መገዲ ዚመላለሱ እተሓዝአት እያ፣ ዓሻ ኸኣ ስሒቱ ናብኣ ኣይኬብልን እዩ።   ኣንበሳ ኣብኣ ኣይኪህሉን፡ ሕሱም ኣራዊት ድማ ኣይኪድይባን እዩ። ኣብኣ እውን ኣይኪርከብን እዩ፣+ ብጁዋት ጥራይ ደኣ ኣብኣ ኺመላለሱ እዮም።+ 10  እቶም የሆዋ እተበጀዎም ከኣ ኪምለሱን+ ብእልልታ ናብ ጽዮን ኪመጹን እዮም።+ ዘይውዳእ ሓጐስ ድማ ኣብ ርእሶም ከም ዘውዲ ኪኸውን እዩ።+ ፍስሃን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም፣ ጓህን እህህታን ከኣ ኪሃድም እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ጋውሕታታት።”