ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 34:1-17

ትሕዝቶ

  • የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ዚፈድዮ ሕነ (1-8)

  • ኤዶም ክትባድም እያ (9-17)

34  ኣቱም ኣህዛብ፡ ቅረቡ፣ ኣቱም ህዝብታት፡ ኣቕልቡ። ምድርን ንዓኣ መሊእዋ ዘሎን፡ ዓለምን ኵሉ ፍርያታን ይስማዕ።   ቍጥዓ የሆዋስ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ እዩ፡+ ነድሩ ድማ ኣብ ኵሎም ሰራዊቶም እዩ።+ ኬጥፍኦም እዩ፣ ንማሕረዲ ኸኣ ኪህቦም እዩ።+   ቅቱላቶም ኪድርበዩ፡ ጨና ሬሳታቶም ድማ ኪዓርግ እዩ፣+ ኣኽራን ብደሞም ኪመክኩ* እዮም።+   ኵሎም ሰራዊት ሰማያት ኪምህምኑ፡ ሰማያት ከኣ ከም ዚጥቕለል መጽሓፍ ኪጥቕለሉ እዮም። ከምቲ ዝጸምለወ ቘጽሊ ኻብ ተኽሊ ወይኒ፡ ዝቐምሰለ በለስ ድማ ካብ ኦም በለስ ዚረግፍ፡ ኵሎም ሰራዊቶም ኪጽምልዉ እዮም።   “ሰይፈይሲ ኣብ ሰማያት ክትጥልቂ እያ።+ ኣብ ልዕሊ ኤዶም፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንጥፍኣት ዝመጦኽዎ ህዝቢ ኸኣ ንፍርዲ ኽትወርድ እያ።+   የሆዋስ ሰይፊ ኣላቶ፣ ብደም ክትዕለስ እያ። ብስብሒ ኽትሽፈን፡+ ብደም ገንሸላትን* ድቤላታትን ብስብሒ ዀላሊት ደዓውልን ክትሽፈን እያ። የሆዋስ ኣብ ቦጽራ መስዋእቲ፡ ኣብ ምድሪ ኤዶም እውን ዓብዪ ማሕረዲ ኣለዎ።+   ጐባያት ምሳታቶም፡ ዝራብዓት ምስቶም ሓያላት ኪወርዱ እዮም። ምድሮም ብደም ክትጥልቂ እያ፣ ሓመዶም ከኣ ብስብሒ ኺትርክስ እዩ።”   የሆዋስ መዓልቲ ሕነ፡+ ንጕዳይ ጽዮን ዓመት ፍዳ ኣላቶ።+   ወሓይዛ* ናብ ዝፍቲ፡ ሓመዳ ድማ ናብ ዲን ኪልወጥ፡ ምድራ ኸኣ ከም ዚነድድ ዝፍቲ ኪኸውን እዩ። 10  ለይቲ ዀነ መዓልቲ ኣይኪጠፍእን እዩ፣ ትካ ድማ ንዘለኣለም ኪዓርግ እዩ። ንውሉድ ወለዶ ኽትባድም እያ፣ ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ሓደ እኳ ብእኣ ኣይኪሓልፍን እዩ።+ 11  ሓሓትን ቅንፍዝን ኪርስተይዋ፡ ነዊሕ ዝእዝኖም ጕንጓታትን ኳዃትን ኪነብርዋ እዮም። ኣብ ልዕሊኣ ገመድ መለክዒ ባዶነትን መለክዒ መንደቕ* ምብዳምን ኪዝርግሕ እዩ። 12  ካብቶም ልዑላታ ሓደ እኳ ንንግስና ኣይኪጽዋዕን እዩ፣ ኵሎም መሳፍንታ ድማ ከንቱ ኪዀኑ እዮም። 13  ኣብ እተዓርደ ግምብታታ እሾዅ፡ ኣብ ዕርድታታ ኸኣ ኣምዐን ኣሻዅ ተኽልን ኪበቍል እዩ። ሰፈር ወኻሩን*+ ደምበ ሰገናትን ክትከውን እያ። 14  ኣራዊት ምድረ በዳ ምስ ዚንቅዉ እንስሳታት ኪራኸቡ እዮም፣ ጤል በረኻ* ኸኣ ንብጸይታ ኽትጽውዕ እያ። እወ፡ ኣብኣ ጭሩ ለይቲ ኽትሰፍርን መዕረፊ ኽትረክብን እያ። 15  ኣብኣ ተመን ፍላጻ ሰፈራ ኽትገብር፡ እንቋቝሖኣ ድማ ከተውድቕ እያ፣ ከተንቍሖምን ኣብ ጽላላ ኽትእክቦምን እያ። እወ፡ ኣብኣ ሽላታት መምስ መዋስብተን ኪእከባ እየን። 16  ኣብ መጽሓፍ የሆዋ ድለዩን ዓው ኢልኩም ኣንብቡን፦ ኣፍ የሆዋ እዩ ኣዚዙ፡ መንፈሱ ኸኣ እዩ ኣኪብዎም እሞ፡ ካብዚኣቶም ሓደ እኳ ኣይኪጐድልን፡ ዋላ ሓዲኦም እውን መዋስብቲ ኣይኪስእንን እዩ። 17  ዕጫ ዘውደቐሎም* ንሱ እዩ፣ ኢዱ ድማ ነታ እተመደበትሎም ቦታ ለኪዓታ እያ። ንሓዋሩ ኺርስተይዋ፡ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ኣብኣ ኺነብሩ እዮም።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኪውሕዝ።”
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ብዛዕባ ቦጽራ፡ ርእሰ ኸተማ ኤዶም ዜመልክት ዘሎ ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ኣድማስ፣ ቢምቦ።” ቃ.ቃ.፡ “ኣእማን።”
ወይ፡ “ጋውሕታታትን።”
ወይ፡ “ድቤላ ዚመስል ጋኔን ከኣ ንብጻዩ ኺጽውዕ እዩ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ብገመድ መለክዒ ዝመቐሎም።”