ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 33:1-24

ትሕዝቶ

  • ንጻድቕ ዚፍረደሉ ፍርድን ዚረኽቦ ተስፋን (1-24)

    • የሆዋ ፈራድን ሓጋግ ሕግን ንጉስን እዩ (22)

    • ሓደ እኳ፡ “ሓሚመ” ኣይኪብልን እዩ (24)

33  ኣታ ዘይጠፋእካ መጥፍኢ፡+ኣታ ዘይተጠለምካ ጠላሚ፡ ወይለኻ! ኣጥፊእካ ምስ ወዳእካስ፡ ክትጠፍእ ኢኻ።+ ጠሊምካ ምስ ወዳእካስ፡ ክትጥለም ኢኻ።   ኦ የሆዋ፡ ሞገስ ኣርእየና።+ ተስፋና ብኣኻ እዩ። ንግሆ ንግሆ፡ ቅልጽምና*+ ኹን፣እወ፡ ብግዜ ጭንቂ፡ ድሕነትና ኹን።+   ብደሃይ ህውከት፡ ህዝብታት ይሃድሙ። ምስ ተንሳእካ፡ ኣህዛብ ፋሕ ይብሉ።+   በላዒ ኣንበጣ ኸም ዚእከብ፡ ምርኮኹም ኪእከብ እዩ፣ከም ዕስለ ኣንበጣ ኸኣ፡ ሰባት ጐይዮም ኪዓስልዎ እዮም።   የሆዋ ኣብ ላዕሊ እዩ ዚነብር እሞ፡ልዕል ኪብል እዩ። ንጽዮን ብፍትሕን ብጽድቅን ኪመልኣ እዩ።   ንሱ ርግኣት ግዜያትካ እዩ፣ብዝሒ ድሕነትን+ ጥበብን ፍልጠትን ፍርሃት የሆዋን፡+—እዚ መዝገቡ እዩ።   እንሆ፡ ጀጋኑኦም ኣብ ጐደና የእውዩ፡ልኡኻት ሰላም ከኣ ኣምሪሮም ይበኽዩ ኣለዉ።   ጐደናታት ተሓዲጉ፣ብመገድታት ዚጕዓዝ ሓደ እኳ የልቦን። ንሱ* ኺዳን ኣፍሪሱ፣ንኸተማታት ንዒቑ፣ንመዋቲ ሰብ ግዲ የብሉን።+   እታ ምድሪ ትሓዝንን* ትጽምሉን ኣላ። ሊባኖስ ሓፊራ፡+ በዅቢዃ። ሳሮን ከም ምድረ በዳ ዀይና፣ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ኣቝጽልተን ረጊፉ።+ 10  “ሕጂ ኽትንስእ እየ” ይብል የሆዋ፡“ሕጂ ገዛእ ርእሰይ ልዕል ከብል እየ፣+ሕጂ ርእሰይ ከዕቢ እየ። 11  ንቑጽ ሳዕሪ ትጠንሱ፡ ሓሰር ድማ ትወልዱ። መንፈስኩም ከም ሓዊ ኺበልዓኩም እዩ።+ 12  ህዝብታት ከም ንዳድ ኖራ ኪዀኑ እዮም። ከም እተቘርጸ እሾዅ፡ ብሓዊ ኺባርዑ እዮም።+ 13  ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም፡ እቲ ዝገብሮ ስምዑ! ኣቱም ኣብ ቀረባ ዘለኹም፡ ሓይለይ ፍለጡ! 14  ኣብ ጽዮን ዘለዉ ሓጥኣን ይርዕዱ ኣለዉ፣+ንኸሓድቲ ራዕራዕታ ሒዝዎም ኣሎ፦ ‘ዚባላዕ ሓዊ ኣብ ዘለዎስ፡ መን ካባና ኺነብር ይኽእል፧+ ምስ ዘይጸግብ ሃልሃልታስ፡ መን ካባና ኺነብር ይኽእል፧’ 15  እቲ ብጽድቂ ዚመላለስ፡+ብቕንዕና ዚዛረብ፡+ረብሓ ሸፈጥን ዓመጻን ዚንዕቕ፡ኣእዳዉ ጉቦ ኣብ ክንዲ ዚሕዛስ ዝኣብያ፡+ንዘረባ ምፍሳስ ደም እዝኑ ዚደፍን፡ክፉእ ከይርኢ እውን ኣዒንቱ ዚዕምት፡ 16  ንሱ ኣብ በረኽቲ ኺነብር፡ዕርድታት ኣኻውሕ ከኣ እምባኡ* ኪኸውን፡እንጌራኡ ድማ ኪውሃቦ፡ማዩ እውን ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ።”+ 17  ኣዒንትኻ ንንጉስ ብግርማኡ ኺርእያኦ፡ርሕቕቲ ምድሪ ኺርእያ እየን። 18  ኣብ ልብኻ፡ ሽበራ ኽትዝክር* ኢኻ፦ “ጸሓፊ ኣበይ ኣሎ፧ እቲ ግብሪ ዝመዘነ ኣበይ ኣሎ፧+ እቲ ግምብታት ዝቘጸረ ኣበይ ኣሎ፧” 19  ነቲ ኸተስተውዕሎ ዜሸግር* ዝቛንቋኡንክትርድኦ ዘይከኣል ወታእ ዝልሳኑንደረቐኛ ህዝቢ ደጊም ኣይክትርእዮን ኢኻ።+ 20  ንጽዮን፡ ነታ ኸተማ በዓላትና፡ ተመልከታ!+ ኣዒንትኻ ንየሩሳሌም፡ ህድእቲ መንበሪት፡ዘይትግዕዝ ድንኳን ኰይና ኺርእያኣ እየን።+ ሽኻላታ ኣይኪምንቈስን፡ኣግማዳ ኸኣ ኣይኪብተኽን እዩ። 21  ኣብኣ ግና እቲ ግርማዊ የሆዋ፡ዞባ ኣፍላግን ሰፊሕ መትረባትን ኪዀነልና እዩ፣ብመቕዘፍ ዚምራሓ መራኽብ ከኣ ናብኡ ኣይኪኣትዋን፡ዓበይቲ መራኽብ እውን ብእኡ ኣይኪሓልፋን እየን። 22  ከመይሲ፡ የሆዋ ፈራዲና፡+የሆዋ ሓጋግ ሕግና፡+የሆዋ ንጉስና እዩ፣+እቲ ዜድሕነና፡ ንሱ እዩ።+ 23  ኣግማድካ ዘሊቑ ጠልጠል ኪብል እዩ፣ነቲ ደቐል ኣጽኒዑ ደው ኣይኬብሎን፡ ነቲ ጋንጽላ እውን ኣይኪግትሮን እዩ። ሽዑ፡ ብዙሕ ምርኮ ኺምቀል እዩ፣ሓንካሳት እኳ ብዙሕ ዘመተ ኺወስዱ እዮም።+ 24  ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ “ሓሚመ” ኣይኪብልን እዩ።+ እቲ ኣብታ ምድሪ ዚቕመጥ ህዝብስ፡ ስሕተቱ ኺሕደገሉ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብርታዐና።”
ንጸላኢ የመልክት።
ወይ፡ “ትደርቕን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ውሑስ መዕቈቢኡ።”
ወይ፡ “ንሽበራ ኸተስተንትነሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንምስማዑ ኣመና ዓሚቝ።”