ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 32:1-20

ትሕዝቶ

  • ንጉስን መሳፍንቱን ምእንቲ ናይ ሓቂ ፍትሒ ኺገዝኡ እዮም (1-8)

  •  ንሸለልተኛታት ኣንስቲ እተዋህበ መጠንቀቕታ (9-14)

  • መንፈስ ምስ ፈሰሰ ዚርከብ በረኸት (15-20)

32  እንሆ፡ ንጉስ+ ምእንቲ ጽድቂ ኺነግስ እዩ፣+ መሳፍንቲ እውን ምእንቲ ፍትሒ ኺገዝኡ እዮም።   ነፍሲ ወከፍ ድማ ካብ ንፋስ ከም መሕብኢ፡* ካብ ሃጽፊ ኸም መኸወሊ፡* ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓይዝ ማይ፡+ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላሎት ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ።   ሽዑ፡ ኣዒንቲ እቶም ዚርእዩ፡ ደጊም ኣይኪዕመታን፡ ኣእዛን እቶም ዚሰምዑ ኸኣ፡ ኬቕልባ እየን።   ልቢ እቶም ርቡጻት ብዛዕባ ፍልጠት ኣጸቢቑ ኺሓስብ፡ ወታእ ልሳን ድማ ብምልከትን ብንጹርን ኪዛረብ እዩ።+   ዓሻስ ደጊም ለጋስ ተባሂሉ ኣይኪጽዋዕን፡ ስዲ ኸኣ ልዑል ኣይኪብሃልን እዩ፣   ዓሻስ ዕሽነት ኪዛረብ እዩ፣ ክሕደት ኬስፋሕፍሕ፡* ኣንጻር የሆዋ ፋሉል ዘረባ ኺዛረብ፡ ንጥሙይ ከየብልዕ፡* ንጽሙእ ድማ መስተ ኪኸልእ ኢሉ፡ ልቡ ጕድኣት ኪምህዝ እዩ።+   ሜላታት ስዲ፡ ክፉእ እዩ፣+ ንውጹዕ ብሓሶት ኬጥፍኦስ፡+ ዋላ እኳ ድኻ ቕኑዕ ምስ ተዛረበ፡ ንሱ ዜሕፍር ተግባር የስፋሕፍሕ።   ለጋስ* ግና ብዛዕባ ልግሲ ይሕልን፣ ብልግሲ ኸኣ ኪጸንዕ ይጽዕር።   “ኣትን ሸለልተኛታት፡ ተንስኣ እሞ ድምጸይ ስምዓ! ኣትን ቅሱናት ኣዋልድ፡+ ናብቲ ዝብለክን ኣድህባ! 10  ወይኒ ዚእረየሉ ግዜ ኣብ ዚውድኣሉ እዋን፡ ዋላ ሓንቲ ፍረ ኣይኪእከብን እዩ እሞ፡+ ኣትን ቅሱናት፡ ድሕሪ ዓመትን ቍሩብ መዓልትታትን ከተንፈጥፍጣ ኢኽን። 11  ኣትን ሸለልተኛታት፡ ራዕራዕ በላ! ኣትን ቅሱናት፡ ኣንፈጥፍጣ! ተቐንጠጣ እሞ ጥራይክን ኩና፣ ኣብ ሓቛቝኽን ድማ ማቕ ተዓጠቓ።+ 12  ብዛዕባ እቲ ተባሃጊ ግራውትን ፍርያም ኣትክልቲ ወይንን ደረትክን እናወቓዕክን ኣልቅሳ። 13  ምድሪ ህዝበይሲ፡ ብእሾዅን ብዳንዴርን ክትክደን እያ፣ ንዅሉ ኣባይቲ ሓጐስ ኪኸድኖ፡ እወ፡ ንኸተማ ፍስሃ ኪኸድና እዩ።+ 14  እቲ እተዓርደ ግምብስ ተጠንጢኑ እዩ፣ እታ ጫውጫው እትብል ከተማ ተሓዲጋ እያ።+ ዖፌልን+ ግምቢ ዘብዐኛን ንሓዋሩ ዝባደመ ዀይኑ፡ መደሰቲ ኣድጊ በረኻን መጓሰዪ መጓሰን ኰይኑ፡+ 15  ካብ ላዕሊ መንፈስ ክሳዕ ዚፈስሰና፡+ እቲ በረኻ ድማ ግራት ፍረታት ክሳዕ ዚኸውን፡ እቲ ግራት ፍረታት ከኣ ከም ዱር ጌርካ ኽሳዕ ዚቝጸር፡ ከምኡ ዀይኑ ኣሎ።+ 16  ሽዑ፡ ፍትሒ ኣብ በረኻ ኺነብር፡ ጽድቂ እውን ኣብ ግራት ፍረታት ኪቕመጥ እዩ።+ 17  ውጽኢት ናይ ሓቂ ጽድቅስ ሰላም፡+ ፍረ ናይ ሓቂ ጽድቂ ድማ ነባሪ ህድኣትን ደሓንን ኪኸውን እዩ።+ 18  ህዝበይ ኣብ ሰላማዊ መንበሪ፡ ደሓን ኣብ ዘለዎ መንበርን ህድኣት ኣብ ዘለዎ መዕረፍን ኪቕመጥ እዩ።+ 19  ግናኸ፡ ዱር ብበረድ ለጥ ኪብል፡ እታ ኸተማ ኸኣ ፈጺማ ሰጣሕ ክትከውን እያ። 20  ኣቱም ኣብ ጥቓ ዅሉ ማያት እትዘርኡ፡ ንብዕራይን ንኣድግን እውን እትፍንዉ፡ ሕጉሳት ኢኹም።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መጽለሊ።”
ወይ፡ “መዕቈቢ።”
ወይ፡ “ብዘይ ኣኽብሮት።”
ወይ፡ “ንነፍሲ ጥሙይ ጥራያ ኺሓድጋ።”
ወይ፡ “ልዑል።”