ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 31:1-9

ትሕዝቶ

  • ናይ ሓቂ ረድኤት ካብ የሆዋ እምበር፡ ካብ ሰባት ኣይርከብን (1-9)

    • ኣፍራስ ግብጺ ስጋ እዮም (3)

31  እቶም ረድኤት ደልዮም ናብ ግብጺ ዚወርዱ፡+ ኣብ ኣፍራስ ዚውከሉ፡+ ብዙሓት ብምዃነን ኣብ ሰረገላታት፡ ሓያላት ብምዃኖም ከኣ ኣብ ኣፍራስ ውግእ* ዚእመኑ፡ ወይለኦም። ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ግና ኣይጥምቱን፡ ንየሆዋ ድማ ኣይደልይዎን።   ግናኸ፡ ንሱ እውን ጥበበኛ እዩ፡ መዓት ድማ ኬምጽእ እዩ፣ ንቓሉ ኸኣ ኣይመልሶን እዩ። ኣንጻር ቤት ገበርቲ እከይ፡ ኣንጻር እቶም ንገበርቲ ኽፉእ ዚረድኡ ኺትንስእ እዩ።+   ግብጻውያን ግና ሰብ ጥራይ እዮም እምበር፡ ኣምላኽ ኣይኰኑን፣ ኣፍራሶም ስጋ እዮም እምበር፡ መንፈስ ኣይኰኑን።+ የሆዋ ኢዱ ምስ ዘርግሐ፡ ዚረድእ ዘበለ ኺዕንቀፍ፡ ዚርዳእ ዘበለ ኺወድቕ እዩ፣ ኵላቶም ብሓንሳእ ኪጠፍኡ እዮም።   የሆዋስ ከምዚ ኢሉኒ እዩ፦ “ከምቲ ኣንበሳ፡ ሽደን ኣንበሳ፡ ግዳዩ ሒዙ ኸሎ፡ ብምሉኦም ጓሶት ተጸዋዊዖም ምስ መጽዎ ሕኒን ዚብል፡ ብድምጾም ከኣ ዘይሽበር፡ ብጫውጫውታኦም ድማ ድምብርጽ ዘይብሎ፡ ከምኡ እውን የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ምእንቲ ኺዋጋእ፡ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ ኵርባኣን ኪወርድ እዩ።   ከምተን ዚንቈታ ኣዕዋፍ ዚገብራኦ፡ ከምኡ ኸኣ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ንየሩሳሌም ኪከላኸለላ እዩ።+ ኪከላኸለላን ኬድሕናን እዩ። ኬዕቍባን ኬናግፋን እዩ።”  “ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ናብቲ ኻብኡ ኣዚኹም ዝዓሎኹም፡ ተመለሱ።+  በታ መዓልቲ እቲኣስ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣእዳውኩም ብሓጢኣት ዝገበርዎም ካብ ብሩር እተገብሩ ኸንቱ ኣማልኽቱን ነቶም ካብ ወርቂ እተገብሩ ዘይረብሑ ኣማልኽቱን ኪድርቢ እዩ።   ኣሶር ድማ ብሰይፊ ኺወድቕ እዩ እምበር፡ ብሰብ ኣይኰነን፣ ናይ ሰብ ዘይኰነ ሰይፊ ኸኣ ኪውሕጦ እዩ።+ ካብ ቅድሚ ሰይፊ ኺሃድም እዩ፣ ኣጕባዙ እውን ብግዲ ኺሽቅሉ እዮም።   ካብ ብዝሒ ፍርሂ እተላዕለ፡ ከውሑ ኺሓልፍ እዩ፣ መሳፍንቱ እውን ብሰንደቕ ዕላማ ኺሽበሩ እዮም” ይብል እቲ ብርሃኑ* ኣብ ጽዮን፡ እቶኑ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ የሆዋ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣብ ፈረሰኛታት።”
ወይ፡ “ሓዉ።”