ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 30:1-33

ትሕዝቶ

  • ረድኤት ግብጺ ኸቶ ዘይጠቅም (1-7)

  • ሰባት ነቲ ትንቢታዊ መልእኽቲ ይነጽግዎ (8-14)

  • ብርታዐ ኣብ ምውካል ኪኸውን እዩ (15-17)

  • የሆዋ ንህዝቡ ሞገስ ኬርእዮ እዩ (18-26)

    • የሆዋ፡ እቲ ዓብዪ መምህር (20)

    • “እታ መገዲ እዚኣ እያ” (21)

  • የሆዋ ኣብ ኣሶር ፍርዱ ኺፍጽም እዩ (27-33)

30  “እቶም ነቓጻት ደቂ፡ ወይለኦም”+ ይብል የሆዋ፣ “ንሳቶም ዘይናተይ ውጥናት ይፍጽሙ፣+ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ኪውስኹ ድማ፡ ብመንፈሰይ ዘይኰነ ኺዳን ይተኣታተዉ።*   ኣብ ትሕቲ ዕቝባ* ፈርኦን ኬጽልሉ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ግብጺ ድማ ኪጽግዑ ኢሎም፡ ከየማኸሩኒ*+ ናብ ግብጺ ይወርዱ!+   ዕቝባ ፈርኦን ግና መሕፈሪኹም፡ ጸግዒ ጽላል ግብጺ ኸኣ መዋረዲኹም ኪኸውን እዩ።+   መሳፍንቱስ ኣብ ጾዓን+ ኣለዉ፣ ልኡኻቱ እውን ናብ ሓኔስ በጺሖም ኣለዉ።   በቲ ሕፍረትን ውርደትን እምበር፡+ ረድኤትን ጥቕምን ዘይህብ ገለ እኳ ዘይጠቕሞም ህዝቢ፡ ኵላቶም ኪሓፍሩ እዮም።”   ኣንጻር እንስሳታት ደቡብ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦ በታ ምድሪ ጭንቅን ሽግርን፡ በታ ምድሪ ኣንበሳን ዚጓዝም ኣንበሳን፡ በታ ምድሪ ኣፍዑትን በራሪ ዜንድድ ተመንን* ኣቢሎም፡ ሃብቶም ኣብ ዝባን ኣእዱግ፡ ዕቋሮም ከኣ ኣብ መንጕዳ ኣግማል ጽዒኖም ይኸዱ። እዚ ግና ነቲ ህዝቢ ኣይጠቕሞን እዩ።   ረድኤት ግብጽስ ከቶ ዘይጠቅም እዩ።+ ስለዚ፡ ነዚኣ፡ “ስቕ ኢላ እትቕመጥ ረሃብ”+ ኢለ ጸዊዐያ ኣለኹ።   “ሕጂ ኺድ እሞ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣብ ሰሌዳ ጽሓፎ፣ ንዚመጽእ መዓልቲ ነባሪ ምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡+ ኣብ መጽሓፍ ወርቆ።+   ንሳቶምሲ ዓለውቲ ህዝቢ፡+ መታለልቲ ደቂ፡+ ሕጊ* የሆዋ ምስማዕ ዚኣብዩ ደቂ እዮም።+ 10  ንረኣይቲ፡ ‘ኣይትርኣዩ’ ይብሉ፣ ንሰብ ራእይ ድማ፡ ‘ናይ ሓቂ ራእያት ኣይትንገሩና።+ ዚሽሕጥ* ነገር ንገሩና፣ መታለሊ ነገር ርኣዩልና።+ 11  ካብታ ጐደና ኣልግሱ፣ ካብታ መገዲ ተኣለዩ። ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ቅድሜና ኣይትግበሩልና’ ይብሉ።”+ 12  ስለዚ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ነዚ ቓል እዚ ስለ ዝነዓቕኩምዎ፡+ ብዓመጻን ብምትላልን ስለ እተኣመንኩም፡ ኣብኡ እውን ስለ እተጸጋዕኩም፡+ 13  ስለዚ፡ እዚ ስሕተት እዚ ኸም ዝነቕዐ መንደቕ፡ ከምቲ ኺወድቕ ዝቐረበ ዝዘጠጠ ነዊሕ መንደቕ ኪኸውን እዩ። ብሃንደበትን ብቕጽበትን ኪፈርስ እዩ። 14  ከም ገንኢ ሰራሕ ካይላ ኺስበር እዩ፣ ሓዊ ኻብ መጋርያ ንምጽሓር፡ ወይ ማይ ካብ ዕቋር* ንምቕዳሕ ዚኸውን፡ ካብ ገልዑ ሓደ እኳ ኽሳዕ ዘይተርፍ ጠሪሱ ኺሕምሸሽ እዩ።” 15  እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስሲ፡ ከምዚ ይብል፦ “ናባይ ብምምላስኩምን ብምዕራፍኩምን፡ ክትድሕኑ ኢኹም፣ ብርታዐኹም ኣብ ምህዳእኩምን ኣብ ምውካልኩምን ኪኸውን እዩ።”+ ግናኸ፡ ንስኻትኩም ኣቢኹም።+ 16  ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኣይፋልናን፡ ብኣፍራስ ክንሃድም ኢና!” ኢልኩም። ስለዚ፡ ክትሃድሙ ኢኹም። “ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ክንውጣሕ ኢና!”+ ስለዚ፡ እቶም ዚሰጕጉኹም ፈጣናት ኪዀኑ እዮም።+ 17  ብምፍርራህ ሓደስ ሽሕ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም፣+ እቲ ኻባኻትኩም ዝተረፈ ኸም ደቐል ኣብ ርእሲ ኸረን፡ ከም ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ኵርባ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ፡+ ብምፍርራህ ሓሙሽተ ኽትሃድሙ ኢኹም። 18  የሆዋ ግና ሞገስ ኬርእየኩም ብትዕግስቲ ይጽበ ኣሎ፣+ ኪምሕረኩም ድማ ኪትንስእ እዩ።+ የሆዋስ ኣምላኽ ፍትሒ እዩ።+ ኵሎም እቶም ዚጽበይዎ* ሕጉሳት እዮም።+ 19  እቲ ህዝቢ ኣብ ጽዮን፡ ኣብ የሩሳሌም፡+ ምስ ተቐመጠ፡ ከቶ ኣይክትበክን ኢኻ።+ እንተ ኣእዊኻ፡ ብርግጽ ሞገስ ኬርእየካ እዩ፣ ስምዕ ምስ ኣበለ፡ ኪምልሰልካ እዩ።+ 20  የሆዋ፡ ጭንቂ ኸም እንጌራ፡ ጭቈና እውን ከም ማይ እኳ እንተ ሃበኩም፡+ እቲ ዓብዪ መምህርካ ኣይኪሕባእን እዩ፣ ኣዒንትኻ ድማ ነቲ ዓብዪ መምህርካ+ ኺርእያኦ እየን። 21  ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም እንተ ኣቢልኩም ከኣ፡+ ኣእዛንካ ብድሕሬኻ፡ “እታ መገዲ እዚኣ እያ።+ ብእኣ ተመላለሱ” ዚብል ቃል ኪሰምዓ እየን። 22  ነቲ ብብሩር እተለበጠ ቕሩጽ ምስልታትን ብወርቂ እተለኽየ ፍሱስ ምስልታትን ከተርክስዎ ኢኹም።+ ከም ክዳን ጻግነ ኽትድርብይዎ፡ “ወጊድ!”* ድማ ክትብልዎ ኢኹም።+ 23  ንሱ ኸኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ዝናም ኪህቦ፡+ እቲ ኻብታ ምድሪ ዚርከብ እንጌራ ድማ ኣኺሉ ዚተርፍን መዓዛታት ዘለዎን* ኪኸውን እዩ።+ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ማልካ ኣብ ሰፊሕ መጓሰዪታት ኪበልዓ እየን።+ 24  እቶም ንምድሪ ዚሓርሱ ኸብትን ኣእዱግን ከኣ ብመዝረውን ብመስአን እተዘርወ ምስ ጥዑም ምግቢ* እተሓወሰ ድርቋ ኺበልዑ እዮም። 25  በታ ግምብታት ዚወድቀላ መዓልቲ ዓብዪ ቕትለት ድማ፡ ኣብ ኵሉ ነዊሕ ከረንን ኣብ ኵሉ ነዊሕ ኵርባን፡ ወሓይዝን መገድታት ማይን ኪኸውን እዩ።+ 26  ብርሃን ምልእቲ ወርሒ ኸኣ ከም ብርሃን ጸሓይ ኪኸውን እዩ፣ በታ የሆዋ ንመስበርቲ ህዝቡ ዚዝንነላን+ ንቝስሊ መውቃዕቱ ዜሕውየላን+ መዓልቲ ድማ፡ ብርሃን ጸሓይ፡ ከም ብርሃን ሸውዓተ መዓልቲ፡ ሸውዓተ ዕጽፊ ኪኸውን እዩ።+ 27  እንሆ፡ ስም የሆዋ ብዚነድድ ኵራኡን ብኸቢድ ደበናታትን ካብ ርሑቕ ይመጽእ ኣሎ። ከናፍሩ ቝጥዓ መሊኡ ኣሎ፣ ልሳኑ እውን ከም እትባላዕ ሓዊ እያ።+ 28  ንኣህዛብ ብምሔ ጥፍኣት* ኪሓሕዮምሲ፡ መንፈሱ* ኽሳብ ክሳድ ዚበጽሕ ዜዕለቕልቕ ውሒዝ እዩ፣ ህዝብታት ከኣ ዜስሕት ልጓም ኣብ ምንጋጋኦም ኪህልዎም እዩ።+ 29  መዝሙርኩም ግና ከምታ ንበዓል ክትዳለዉ* ኸለኹም፡+ ለይቲ እትዝምርዋ መዝሙር ክትከውን እያ፣ ሓጐስ ልብኹም ድማ፡ ከም ሓጐስ እቲ ሻምብቆ ሒዙ* ናብ ከረን የሆዋ፡ ናብ ከውሒ እስራኤል ዚኸይድ ኪኸውን እዩ።+ 30  የሆዋ ኸኣ ነቲ ግርማዊ ድምጹ+ ኼስምዕ እዩ፣ ቅልጽሙ+ ብረስኒ ቝጥዓ፡+ ብሃልሃልታ ዚባላዕ ሓውን+ ብብርቱዕ ዝናምን+ ብሃጽፍን ብበረድን ኣውሪዱ ኼርኢ እዩ።+ 31  ብድምጺ የሆዋስ ኣሶር ብሽበራ ኺውቃዕ እዩ፣+ ብበትሪ ኺወቕዖ እዩ።+ 32  ኣብ ውግእ ቅልጽሙ ኼልዕለሎም ከሎ፡+ ኵሉ መዝበጥቲ እቲ የሆዋ ኣብ ኣሶር ዜውርዶ በትሪ መቕጻዕቲ፡ ብኸበሮን ብመሰንቆን* ኪስነ እዩ።+ 33  ቶፌቱስ*+ ድሮ ተዳልዩ ኣሎ፣ ንንጉስ እውን ተዳልዩ ኣሎ።+ ነቲ እተጸፍጸፈ ዕንጨይቲ ዓሚቝን ሰፊሕን ገይርዎ ኣሎ፣ ኣብኡ እውን ብዙሕ ሓውን ዕንጨይትን ኣሎ። ትንፋስ የሆዋ፡ ከም ውሒዝ ዲን ኰይኑ፡ ንዕኡ ኼባርዖ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “መስዋእቲ መስተ ይኽዕዉ፡” እዚ ንምግባር ውዕል ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ቃ.ቃ.፡ “ዕርዲ።”
ወይ፡ “ኣፈይ ከይሓተቱ።”
ወይ፡ “ተወርዋሪ መርዛም ተመንን።”
ወይ፡ “ትምህርቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ልሙጽ።”
ወይ፡ “መዕቘር ማይ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ብሃንቀውታ ዚጽበይዎ።”
ወይ፡ “ጽያፍ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ስቡሕን ብዘይቲ ዝረስረሰን።”
ወይ፡ “ሳውሮ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብምሔ ኸንቱነት።”
ወይ፡ “ትንፋሱ።”
ወይ፡ “ክትቅደሱ።”
ወይ፡ “ናብ ደሃይ ሻምብቆ።”
ወይ፡ “ብኽራርን።”
ኣብዚ “ቶፌት” ከም ምሳልያዊ ቦታ ምንዳድ ጌርካ እዩ ተዓይዩሉ ዘሎ፣ ንጥፍኣት ድማ የመልክት።