ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 29:1-24

ትሕዝቶ

  • ኣቲ ኣርኤል፡ ወይለኺ! (1-16)

    • ብኸናፍር ጥራይ ዚቐርብ ኣገልግሎት ተዀነነ (13)

  • ጸማማት ኪሰምዑ፡ ዕዉራት ኪርእዩ እዮም (17-24)

29  “ኣቲ ኣርኤል፡* ኣቲ ዳዊት ዝሰፈረኪ+ ኸተማ ኣርኤል፡ ወይለኺ! ዓመት ዓመት ቀጽሉ፣ እቲ ዑደት በዓላት+ ይቐጽል።   ንኣርኤል ግና ጭንቂ ኸምጽኣላ እየ፣+ ሓዘንን ልቕሶን ከኣ ኪኸውን እዩ፣+ ንሳ ድማ ከም እቶን መሰውኢ ኣምላኽ ክትኰነኒ እያ።+   ብዅሉ ሸነኻ ኽሰፍር፡ ብሓጹር ከኣ ክኸብባ፡ መኽበቢ እውን ከተንስኣላ እየ።+   ክትዋረዲ ኢኺ፣ ካብ ምድሪ ኽትዛረቢ፡ እቲ እትብልዮ ድማ ብሓመድ ኪዕበስ እዩ። ድምጽኺ ኸም ድምጺ ጠያቒ መናፍስቲ ዀይኑ፡ ካብ ምድሪ ኺመጽእ፡+ ቃልኪ እውን ካብ ሓመድ ጭቝጭቝ ኪብል እዩ።   ጭፍራ ጸላእትኺ* ኸም ድኹም ተጐጓ፡+ ጭፍራ እቶም ጨቈንቲ ድማ ከም ዚውሰድ ብቝቡቝ ኪኸውን እዩ።+ ብቕጽበትን ብሃንደበትን እውን ኪኸውን እዩ።+   የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ብነጕድን ብምንቅጥቃጥ ምድርን ብብርቱዕ ደሃይን፡ ብብርቱዕ ንፋስን ብህቦብላን ብሃልሃልታ ዚባላዕ ሓውን ቈላሕታኡ ኺገብረልኪ እዩ።”+   ሽዑ፡ ጭፍራ እቶም ምስ ኣርኤል ዚዋግኡ ዅሎም ኣህዛብ፡+ —ኵሎም እቶም ምስኣ ዚዋግኡን እቲ ኣንጻራ እተገብረ ዕርዲ ኸበባን እቶም ዜጨንቕዋን፡— ከም ሕልሚ፡ ከም ራእይ ለይቲ ኪዀኑ እዮም።   እወ፡ ከምቲ ጥሙይ ብሕልሙ ዚበልዕ፡ ግናኸ፡ ብጥሙዩ ዚነቅሕ፡* ከምቲ ጽሙእ ድማ ብሕልሙ ዚሰቲ፡ ግናኸ፡ ብድኹሙን ብጽሙኡን ዚነቅሕ ኪኸውን እዩ።* እቶም ምስ ከረን ጽዮን ዚዋግኡ+ ጭፍራ ዅሎም ኣህዛብ እውን ከምኡ ኪዀኑ እዮም።   ተዓነዱን ተገረሙን፣+ ዑሩን ዕዉራት ኩኑን።+ ንሳቶምሲ ሰኺሮም እዮም፡ ግናኸ ብወይኒ ኣይኰኑን፣ ሰንከልከል ይብሉ ኣለዉ፡ ግናኸ ብኣልኮላዊ መስተ ኣይኰኑን። 10  የሆዋስ መንፈስ ከቢድ ድቃስ ኣፍሲሱሎም ኣሎ፣+ ንኣዒንትኹም፡ ነቶም ነብያት ደፊንዎም፡+ ንኣራእስኩም፡ ነቶም ሰብ ራእይ እውን ኣጐልቢብዎም ኣሎ።+ 11  ኵሉ ራእይ ከም ቃላት ሕቱም መጽሓፍ ኰይኑኩም ኣሎ።+ “በጃኻ ነዚ ዓው ኢልካ ኣንብቦ” ኢሎም ኬንብብ ንዚኽእል ምስ ዚህብዎ፡ “ሕቱም እዩ እሞ፡ ኣይክእልን እየ” ኺብል እዩ። 12  “በጃኻ ነዚ ኣንብቦ” ኢሎም ኬንብብ ንዘይክእል ምስ ዚህብዎ ድማ፡ “ንባብ ከቶ ኣይክእልን እየ” ኺብል እዩ። 13  የሆዋ ኸኣ ከምዚ ይብል፦ “እዚ ህዝቢ እዚ ብኣፉ ይቐርበኒ፡ ብኸናፍሩ እውን የኽብረኒ፣+ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ፣ ንዓይ ዘለዎም ፍርሃት ድማ ኣብቲ እተማህርዎ ትእዛዛት ሰብ እተመስረተ እዩ።+ 14  ስለዚ፡ እቲ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ድንቂ ኣብ ልዕሊ ድንቂ ብምግባር፡ ከም ብሓድሽ ዜደንቕ ነገራት ዚገብር፡ ኣነ እየ፣+ ጥበብ እቶም ጥበበኛታቶም ኪጠፍእ፡ ኣእምሮ እቶም ኣስተውዓልቶም እውን ኪሕባእ እዩ።”+ 15  እቶም ውጥናቶም* ካብ የሆዋ ኺሓብኡ ብዙሕ ዚጽዕሩ ወይለኦም!+ “መን ይርእየና፧ መንከ ብዛዕባና ይፈልጥ” እናበሉ+ ተግባሮም ኣብ ጸልማት ይገብሩ። 16  ክንደይ ኰን ኢኹም ነገራት እተቕንኑ!* ሰራሕ ካይላዶ ኸም ካይላ ጌርካ ኺርአ ይግባእ እዩ፧+ እተገብረዶ ንገባሪኡ፡ “ኣይገበረንን” ኪብሎ ይግባእ እዩ፧+ እተደኰነዶኸ ብዛዕባ ደኳኒኡ፡ “ኣይርድኦን እዩ” ኺብል ይግባእ እዩ፧+ 17  ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ሊባኖስ ናብ ግራት ፍረታት ኪልወጥ፡+ እቲ ግራት ፍረታት ድማ ከም ዱር ጌርካ ኺርአ እዩ።+ 18  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ጸማማት ንቓላት እቲ መጽሓፍ ኪሰምዕዎ እዮም፣ ኣዒንቲ ዕዉራት ድማ ካብ ድነን ጸልማትን ወጺአን ኪርእያ* እየን።+ 19  ዓቃላት* ብየሆዋ ብዙሕ ባህ ኪብሎም እዩ፣ ኣብ መንጎ ሰባት ዘለዉ ድኻታት ከኣ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኪሕጐሱ እዮም።+ 20  ከመይሲ፡ ጨቋኒ ኣይኪህሉን፡ ምኩሕ ድማ ኪውዳእ እዩ፣ ኵሎም እቶም ኪጐድኡ ዜተኵሩ እውን ኪጠፍኡ እዮም።+ 21  እቶም ብቓል ሓሶት ንኻልኦት በደልቲ ዚገብሩ፡ ንተማጓቲ* ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ መጻወድያታት ዚገብሩሉ፡+ ብባዶ መጐተታት እውን ንጻድቕ ፍትሒ ዚኸልእዎ፡ ኪጠፍኡ እዮም።+ 22  ስለዚ፡ እቲ ንኣብርሃም+ እተበጀዎ የሆዋ ንቤት ያእቆብ ከምዚ ይብላ ኣሎ፦ “ያእቆብሲ ደጊም ኣይኪሓፍርን፡ ገጹ እውን ኣይኪጽምሉን* እዩ።+ 23  ንደቁ፡ ነቶም ግብሪ ኣእዳወይ፡ ኣብ ማእከሉ ምስ ረኣዮምሲ፡+ ንሳቶም ንስመይ ኪቕድሱ እዮም፣ እወ፡ ነቲ ናይ ያእቆብ ቅዱስ ኪቕድስዎ፡ ንኣምላኽ እስራኤል እውን ኪፈርህዎ እዮም።+ 24  እቶም ብመንፈስ ፋሉላት ዝዀኑ፡ ኣእምሮ ኼጥርዩ፡ እቶም ዜማርሩ ኸኣ ትምህርቲ ኪቕበሉ እዮም።”

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “እቶን መሰውኢ ኣምላኽ” ኪኸውን ይኽእል፣ ንየሩሳሌም ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ቃ.ቃ.፡ “ባዕዲ።”
ወይ፡ “ምስ ነቕሐ፡ ነፍሱ ጥራያ እያ።”
ወይ፡ “ምስ ነቕሐ፡ ድኹም እዩ፡ ነፍሱ እውን ጽምእቲ እያ።”
ወይ፡ “ምኽሮም።”
ወይ፡ “ከመይ ዝበልኩም ቄናናት ኰን ኢኹም!”
ወይ፡ “ካብ ድነን ጸልማትን ኪርእያ።”
ወይ፡ “ትሑታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ንገናሒ።”
ማለት፡ ብሕፍረት።