ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 27:1-13

ትሕዝቶ

  • የሆዋ ንሌዋታን ኪቐትሎ እዩ (1)

  • ብዛዕባ እስራኤል እታ ኣታኽልቲ ወይኒ እተዘመረ መዝሙር (2-13)

27  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ብተሪርን ዓብይን ብርቱዕን ሰይፉ ኣቢሉ+ ቈላሕታኡ ናብ ሌዋታን* እቲ ሰተተት ዚብል ተመን፡ ናብ ሌዋታን እቲ ዚለዋወ ተመን ኪገብር እዩ፣ ነቲ ዓብዪ እንስሳ ባሕሪ ኸኣ ኪቐትሎ እዩ።   በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ከምዚ ኢልኩም ዘምሩላ፦* “ኣታኽልቲ ወይኒ እቲ ዚዓፍር ወይኒ!+   ኣነ የሆዋ እሕልዋ ኣለኹ።+ ኵሉ ግዜ ማይ አስትያ እየ።+ ሓደ እኳ ኸይጐድኣስ፡+ ለይትን መዓልትን እሕልዋ እየ።   ቍጥዓ የብለይን።+ ብኣሻዅ ቈጥቋጥን ብጻህያይን ኣብ ውግእ ዚገጥመኒ መን እዩ፧ ክረግጾን ንዅሉ ብሓባር ብሓዊ ኸንድዶን እየ።   እንተ ዘይኰነስ፡ ዕርደይ ይሓዝ። ምሳይ ሰላም ይግበር፣ ሰላም ምሳይ ይግበር።”   በተን ዚመጻ መዓልትታት፡ ያእቆብ ሱር ኪሰድድ፡ እስራኤል ድማ ኪዕምብብን ኪጥጥዕን እዩ፣+ ነታ ምድሪ ኸኣ ብፍርያት ኪመልእዋ እዮም።+   ብመውቃዕቲ እቲ ዚወቕዖዶ ይወቓዕ፧ ብመቕተልቲ እቶም ቅቱላቱዶኸ ይቀተል፧   ክትሰድዳ ኸለኻ፡ ብዜሰምብድ ጭድርታ ኽትብኣሳ ኢኻ። ብመዓልቲ ንፋስ ምብራቕ፡ ብብርቱዕ ሃፈጽታ ኼውጽኣ እዩ።+   ስለዚ፡ ስሕተት ያእቆብ በዚ ኸምዚ ብዕርቂ ኪኽደን፡+ ሓጢኣቱ ምስ ኣልገሰ፡ እዚ ምሉእ ፍሪኡ ኪኸውን እዩ፦ ንዅሉ ኣእማን መሰውኢ ከም ዝደቐቐ እምኒ ኖራ ኺገብሮ፡ ዓንዲ ኣምልኾ* ወይ መሰውኢ ዕጣን ድማ ኣይኪተርፍን እዩ።+ 10  ከመይሲ፡ እታ እተዓርደት ከተማ ክትጥንጠን እያ፣ እቲ መጓሰዪታት ከኣ ከም በረኻ ኪሕደግን ኪግደፍን እዩ።+ ኣብኣ ምራኽ ኪጓሰን በጥ ኪብልን ጨናፍራ ኺበልዕን እዩ።+ 11  ውልዶታታ ምስ ነቐጸ፡ ኣንስቲ መጺአን ኪሰብራኦን ሓዊ ኺኣጕዳሉን እየን። እዚ ህዝቢ እዝስ ኣእምሮ የብሉን።+ ስለዚ እዩ ገባሪኡ ዘይምሕሮ፡ ደኳኒኡ እውን ሞገስ ዘየርእዮ።+ 12  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኻብቲ ዚውሕዝ ፈለግ* ኽሳብ ርባ* ግብጺ+ ኺወቅዕ እዩ፣ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል ድማ፡ በብሓደ ኽትእከቡ ኢኹም።+ 13  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ዓብዪ መለኸት ኪንፋሕ፡+ እቶም ኣብ ምድሪ ኣሶር+ ዚጠፍኡ ዘለዉን ኣብ ምድሪ ግብጺ+ ተበቲኖም ዘለዉን ኪመጹ፡ ንየሆዋ ኸኣ ኣብቲ ቕዱስ ከረን፡ ኣብ የሩሳሌም ኪሰግዱሉ እዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ንእስራኤል ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ፣ ኣብዚ ኸም ሰበይቲ ጌርካ ተዛሪቡላ፡ ምስ ተኽሊ ወይኒ እውን ተመሳሲላ ኣላ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ማለት፡ ኤፍራጥስ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።