ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 26:1-21

ትሕዝቶ

  • ብዛዕባ እምንቶን ድሕነትን እተዘመረ መዝሙር (1-21)

    • ያህ የሆዋ፡ ናይ ዘለኣለም ከውሒ (4)(4)

    • ነበርቲ ምድሪ ጽድቂ ይምሃሩ (9)

    • “ምዉታትካ ብህይወት ኪነብሩ እዮም” (19)

    • ናብ ውሽጣዊ ኽፍልታትኩም እተዉ፡ ተሓብኡ (20)

26  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እዚ መዝሙር እዚ ኣብ ምድሪ ይሁዳ+ ኺዝመር እዩ፦+ “ጽንዕቲ ኸተማ ኣላትና።+ ንመካበብያኣን ንዕርዳን፡ ድሕነት ገይርዎ እዩ።+   ጻድቕ ህዝቢ፡ ብተኣማንነት ዚመላለስ ህዝቢ ኺኣቱስ፡ ኣፍ ደገታት ክፈቱ።+   ነቶም ምሉእ ብምሉእ ኣባኻ ዚጽግዑ፡* ክትሕልዎም ኢኻ፣ ብኣኻ ስለ እተኣመኑ፡*+ ቀጻሊ ሰላም ክትህቦም ኢኻ።+   ያህ* የሆዋ ናይ ዘለኣለም ከውሒ እዩ እሞ፡+ ንዘለኣለም ብየሆዋ ተኣመኑ።*+   ነቶም ኣብ በሪኽ፡ ኣብታ ልዕልቲ ኸተማ ዚነብሩስ ኣውሪድዎም። ንዓኣ ኸኣ ኣውሪድዋ፡ ናብ ምድሪ ኣውሪድዋ፣ ናብ ሓመድ ደርብይዋ።   እግሪ ኺረግጻ፡ እግሪ ውጹዓትን ስጕምቲ ትሑታትን ኪረግጻ እዩ።”   መገዲ ጻድቕ ቅንዕቲ* እያ። ቅኑዕ ስለ ዝዀንካ፡ መገዲ ጻድቕ ከተጣጥሕ ኢኻ።   ኦ የሆዋ፡ መገዲ ፍርድታትካ ኽንስዕብ ከለና፡ ተስፋና ብኣኻ እዩ። ስምካን መዘከርታኻን ንናፍቕ* ኢና።*   ፍርድታትካ ኣብ ምድሪ ምስ ዚኸውን፡ ነበርቲ እታ ምድሪ ብዛዕባ ጽድቂ ይምሃሩ እዮም እሞ፡+ ለይቲ፡ ብዅለንትናይ* እናፍቐካ እየ፣ እወ፡ መንፈሰይ ይደልየካ እዩ።+ 10  እኩይሲ ሞገስ እኳ እንተ ተገብረሉ፡ ጽድቂ ኣይምሃርን።+ ኣብ ሃገር ቅንዕና እኳ እከይ ይገብር፡+ ግርማ የሆዋ እውን ኣይርእን።+ 11  ኦ የሆዋ፡ ኢድካ ተላዒላ ኣላ፣ ንሳቶም ግና ኣይረኣይዋን።+ ንህዝብኻ ዘሎካ ቕንኣት ኪርእዩን ኪሓፍሩን እዮም። እወ፡ ንተጻረርትኻ እተዳለወ ሓዊ ኺበልዖም እዩ። 12  ኦ የሆዋ፡ ኵሉ እቲ ዝገበርናዮ፡ ንስኻ ኢኻ ዓሚምካልና እሞ፡ ሰላም ክትህበና ኢኻ።+ 13  ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ብዘይካኻ ኻልኦት ጐይተት ገዚኦምና እዮም፣+ ንሕና ግና ስምካ ጥራይ ኢና እንረቍሕ።+ 14  ንሳቶምሲ ምዉታት እዮም፣ ህያዋን ኣይኰኑን። ብሞት እተሰነፉ እዮም፣ ኣይኪትንስኡን እዮም።+ ከተጽንቶምን ኵሉ መዘከርታኦም ከተጥፍእንሲ፡ ናባታቶም ቈላሕታኻ ጌርካ ኢኻ። 15  ነቲ ህዝቢ ኣዕቢኻዮ፡ ኦ የሆዋ፡ ነቲ ህዝቢ ኣዕቢኻዮ፣ ርእስኻ ኣኽቢርካ።+ ኵሉ ዶባት እታ ምድሪ ብዙሕ ኣስፊሕካ።+ 16  ኦ የሆዋ፡ ብግዜ ጭንቂ ናባኻ ኣቢሎም፣ ምስ ገሰጽካዮም፡ ጸሎቶም ብሕሹዅሹዅ ኣፍሲሶም።+ 17  ከምቲ ኽትወልድ ዝቐረበት ጥንስቲ ቅልውላው ዚሕዛን ብጻዕሪ እትጭርሕን፡ ኦ የሆዋ፡ ንሕና እውን ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ዄንና። 18  ጠኒስና፡ ቅልውላው ድማ ሒዙና፣ ግናኸ፡ ንፋስ ከም ዝወለድና ዄንና። ናብታ ምድሪ፡ ድሕነት ኣየምጻእናን፣ ኣብታ ምድሪ ኺነብር ከኣ ሓደ እኳ ኣይተወልደን። 19  “ምዉታትካ ብህይወት ኪነብሩ እዮም። ሬሳታተይ* ኪትንስኡ እዮም።+ ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ፡+ ንቕሑ፡ እልል እውን በሉ! ኣውልኻስ ኣውሊ ንግሆ* እዩ፣ ምድሪ ድማ ነቶም ብሞት እተሰነፉ፡ ህያዋን ኪዀኑ ኽትሓድጎም እያ።* 20  ኣቱም ህዝበይ፡ ኪዱ፡ ናብ ውሽጣዊ ኽፍልታትኩም እተዉ፡ ማዕጾኹም እውን ብድሕሬኹም ዕጸዉ።+ ቍጥዓ* ኽሳዕ ዚሓልፍ፡+ ንሓጺር ህሞት ተሓብኡ። 21  እንሆ፡ የሆዋስ ንነበርቲ እታ ምድሪ ብስሕተቶም ተሓተትቲ ኺገብሮም ካብ ቦታኡ ይመጽእ ኣሎ፣ እታ ምድሪ ኸኣ ንዘፍሰሰቶ ደም ክትቀልዖ፡ ንቕቱላታ እውን ደጊም ኣይክትክውሎምን እያ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነቶም ዝንባለኦም ዘይናወጽ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “እተወከሉ።”
“ያህ” ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ወይ፡ “ተወከሉ።”
ወይ፡ “ጥጥሕቲ።”
ወይ፡ “ብነፍስና ንናፍቕ።”
ማለት፡ ኣምላኽን ስሙን ኪዝከር ወይ ኪፍለጥ።
ወይ፡ “ብነፍሰይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሬሳይ።”
ወይ፡ “ኣውሊ ተኽሊ (ልሕቲት)” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ነቶም ብሞት እተሰነፉ ኽትወልዶም እያ።”
ወይ፡ “ኵነኔ።”