ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 24:1-23

ትሕዝቶ

  • የሆዋ ነታ ምድሪ ጥራያ ይገብራ (1-23)

    • የሆዋ ኣብ ጽዮን ነጊሱ (23)

24  እንሆ፡ የሆዋ ነታ ምድሪ* ጥራያ ይገብራን የባድማን ኣሎ።+ ይግልብጣን*+ ንነበርታ ፋሕ የብሎምን ኣሎ።+   ንዅሉ ሕደ ኪኸውን እዩ፦ ንህዝቢ ዀነ ንኻህን፡ ንጊልያ ዀነ ንጐይታኡ፡ ንገረድ ኰነ ንእመቤታ፡ ንዓዳጊ ዀነ ንሸያጢ፡ ንኣለቃሒ ዀነ ንተለቃሒ፡ ንኣዋዲ ዀነ ንተኣዋዲ ሕደ ኪኸውን እዩ።+   እታ ምድሪ ጠሪሳ ጥራያ ኽትከውን እያ፣ የሆዋ እዚ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ጠሪሳ ኽትዝመት እያ።+   እታ ምድሪ ትሓዝንን*+ ትማስንን ኣላ። እታ ፍርያም ምድሪ ትነቅጽን ትጽምሉን ኣላ። ምርኡያት ህዝቢ እታ ምድሪ ይነቕጹ ኣለዉ።   ሕግታት ዕሽሽ ኢሎም፡+ ስርዓታት ለዊጦም፡+ ነቲ ነባሪ* ኺዳን ከኣ ኣፍሪሶም እዮም እሞ፡+ እታ ምድሪ ብነበርታ ተበኪላ ኣላ።+   ስለዚ፡ መርገም ነታ ምድሪ ውሒጥዋ ኣሎ፣+ እቶም ነበርታ ድማ በደልቲ እዮም። ስለዚ፡ ነበርቲ እታ ምድሪ ነክዮም፡ ኣዝዮም ሒደት ሰባት ከኣ ተሪፎም ኣለዉ።+   ጕዕሽ ወይኒ ይሓዝን፡* ተኽሊ ወይኒ ይነቅጽ ኣሎ፣+ ኵሎም እቶም ሕጉስ ዝልቦም ድማ እህህ ይብሉ ኣለዉ።+   ሓጐስ ከበሮ ኣቋሪጹ፡ ጫውጫውታ ፈንጠዝቲ ተወዲኡ፡ ዜሐጕስ ደሃይ መሰንቆ* ኣቋሪጹ ኣሎ።+   ብዘይ ደርፊ፡ ወይኒ ይሰትዩ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኸኣ ንዚሰትይዎ ይመርሮም። 10  እታ እተጠንጠነት ከተማ ፈሪሳ፣+ ሓደ እኳ ኸይኣቱስ፡ ኵሉ ቤት ተዓጽዩ እዩ። 11  ብዛዕባ ወይኒ ኣብ ጐደናታት ይጭድሩ ኣለዉ። ኵሉ ታሕጓስ ጠፊኡ ኣሎ፣ ሓጐስ እታ ምድሪ ርሒቑ ኣሎ።+ 12  እታ ኸተማ ዓንያ ተሪፋ፣ እቲ ኣፍ ደገ ተሰባቢሩስ ኵምራ ዑናታት ኰይኑ ኣሎ።+ 13  ኣብታ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታትሲ፡ ከምቲ ኦም ኣውልዕ ምስ ተወቕዐ፡+ ከምቲ ምእካብ ፍረ ወይኒ ምስ ተወድአ ዚህሉ ቐሪም ኪኸውን እዩ።+ 14  ድምጾም ኬልዕሉ፡ እልል እውን ኪብሉ እዮም። ካብ ባሕሪ* ብዛዕባ ግርማ የሆዋ ኺእውጁ እዮም።+ 15  ስለዚ፡ ንየሆዋ ኣብ ዞባ ብርሃን* ኬኽብርዎ እዮም፣+ ኣብ ደሴታት ባሕሪ ንስም የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኬኽብርዎ እዮም።+ 16  “ክብሪ* ነቲ ጻድቕ!”+ ዚብል መዝሙራት ካብ ወሰናት ምድሪ ንሰምዕ ኣለና። ኣነ ግና፡ “ማህሚነ፡ ማህሚነ! ወይለይ! እቶም ጠለምቲ ይጠልሙ ኣለዉ፣ እቶም ጠለምቲ ብጥልመት ይጠልሙ ኣለዉ” እብል ኣለኹ።+ 17  ኣታ ነባሪ እታ ምድሪ፡ ሽበራን ጐዳጕድን መጻወድያታትን ይጽበየካ ኣሎ።+ 18  ካብ ደሃይ ሽበራ ዚሃድም፡ ናብ ጕድጓድ ኪወድቕ፡ ካብ ጕድጓድ ዚወጽእ ድማ፡ ብመጻወድያ ኺትሓዝ እዩ።+ ከመይሲ፡ መሳዅቲ ላዕሊ ኪኽፈት፡ መሰረታት እታ ምድሪ እውን ኬንቀጥቅጥ እዩ። 19  እታ ምድሪ ተገማሚዓ፡ እታ ምድሪ ተናዊጻ፡ እታ ምድሪ ኣመና ፈጥፈጥ ትብል ኣላ።+ 20  እታ ምድሪ ኸም ስኹር ሰንከልከል ትብል፡ ከም ጎጆ ብንፋስ ድማ ሰሰው ትብል ኣላ። ኣበሳኣ ኸቢድዋ ኣሎ፣+ ክትወድቕ፡ መሊሳ እውን ኣይክትትንስእን እያ። 21  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ቘላሕታኡ ናብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ናይ ላዕሊ ሰራዊት ኪገብር፡ ኣብ ምድሪ ናብ ዘለዉ ነገስታት ምድሪ እውን ኪገብር እዩ። 22  ከምቲ እሱራት ኣብ ጕድጓድ ዚእከቡ፡ ብሓባር ኪእከቡ፡ ኣብ ቤት ማሕቡስ ከኣ ኪዕጸዉ እዮም፣ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ቈላሕታ ኺግበረሎም እዩ። 23  የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ከረን ጽዮንን+ ኣብ የሩሳሌምን ነጊሱ፡+ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝቡ* ድማ ከቢሩ እዩ እሞ፡+ ምልእቲ ወርሒ ኽትሓፍር፡ እትበርህ ጸሓይ ድማ ክትሓንኽ እያ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “የሆዋ ንምድሪ።”
ወይ፡ “ገጻ ይጕምጽጾን።”
ወይ፡ “ትደርቕን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ናይ ጥንቲ።”
ወይ፡ “ይደርቕ፣ ይነጽፍ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ክራር።”
ወይ፡ “ምዕራብ።”
ወይ፡ “ኣብ ምብራቕ።”
ወይ፡ “ጽባቐ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ዓበይቱ።”