ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 21:1-17

ትሕዝቶ

  • ኣንጻር በረኻ ባሕሪ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-10)

    • ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዄንካ ምሕላው (8)

    • “ባቢሎን ወዲቓ!” (9)

  • ኣንጻር ዱማን ጐልጐል ምድረ በዳን እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (11-17)

    • “ኣታ ሓላዊ፡ ብዛዕባ ለይቲ እንታይ ትብል፧” (11)

21  ኣንጻር በረኻ ባሕሪ* እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦+ ከምቲ ኣብ ደቡብ ዚነፍስ ህቦብላ ንፋስ ዝበለ፡ ካብ በረኻ፡ ካብ ዜፍርህ ምድሪ ይመጽእ ኣሎ።+   ዜሰቅቕ ራእይ ተነግረኒ፦ ጠላሚ ይጠልም ኣሎ፣ መጥፍኢ የጥፍእ ኣሎ። ኣቲ ዔላም፡ ደይቢ! ኣቲ ሜዶን፡+ ክበቢ! ንዅሉ እቲ ዘምጽኣቶ እህህታ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።+   ስለዚ፡ ብርቱዕ ቃንዛ ኣሎኒ።*+ ከምቲ እትወልድ ሰበይቲ እትዀኖ፡ ምንፍርፋር ሒዙኒ ኣሎ። ካብ ጭንቂ እተላዕለ ኽሰምዕ ኣይከኣልኩን፣ ካብ ርባጸ እተላዕለ ኽርኢ ኣይከኣልኩን።   ልበይ ተመሊሑ፣ ብራዕዲ ፈጥፈጥ ኢለ። እቲ ዝናፍቖ ጽልግልግታ፡ ራዕራዕ የብለኒ ኣሎ።   መኣዲ ይዳሎ፡ መናብር ይሰራዕ! ይበላዕን ይሰተን!+ ኣቱም መሳፍንቲ፡ ተንስኡ ዋልታ ቕብኡ!   የሆዋስ ከምዚ እዩ ዝበለኒ፦ “ኪድ እሞ ሓላዊ ኣቑም፣ ንሱ እውን ነቲ ዝረኣዮ ይንገር።”   ንሱ ኸኣ ሰረገላ ጽምዲ ኣፍራስ፡ ሰረገላ ኣእዱግ፡ ሰረገላ ኣግማል ረኣየ። ምስ ብዙሕ ኣቓልቦ ድማ፡ ተጠንቂቑ ሓለወ።   ድሕሪኡ፡ ከም ኣንበሳ ኸምዚ ኢሉ ተዳህየ፦ “ኦ የሆዋ፡ ወትሩ ብመዓልቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ደው ኢለ ኣለኹ፣ ለይቲ ለይቲ እውን ኣብ መሐለውየይ ቈይመ ኣለኹ።+   ሰባት ኣብ ሰረገላ ጽምዲ ኣፍራስ ተወጢሖም+ እነዉ ይመጹ ኣለዉ!” ድሕርዚ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፦ “ወዲቓ! ባቢሎን ወዲቓ!+ ንዅሉ ቕሩጽ ምስልታታ ኣብ ምድሪ ሰባቢርዎ።”+ 10  ኣታ እተኼድካ ህዝበይ፡ ኣታ ፍረ* ዓውደይ፡+ ካብ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል ዝሰማዕክዎ ነጊረካ ኣለኹ። 11  ኣንጻር ዱማ* እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦ “ኣታ ሓላዊ፡ ብዛዕባ ለይቲ እንታይ ትብል፧ ኣታ ሓላዊ፡ ብዛዕባ ለይቲ እንታይ ትብል፧” ኢሉ ኻብ ሰዒር ይድሃየኒ ኣሎ።+ 12  እቲ ሓላዊ ኸኣ፡ “ንግሆ ይመጽእ ኣሎ፡ ለይቲ እውን። ትሓትቱ እንተ ዄንኩም፡ ሕተቱ። መሊስኩም ምጹ!” በለ። 13  ኣንጻር ጐልጐል ምድረ በዳ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦ ኣቱም ቃፍላይ ዴዳን፡+ ኣብ ዱር ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ኽትሓድሩ ኢኹም። 14  ኣቱም ነበርቲ ምድሪ ቴማ፡+ ንጽሙኣት ንምቕባል ማይ ኣምጽኡ፣ ንዚሃድም ድማ እንጌራ ኣምጽኡ። 15  ንሳቶምሲ ኻብ ኣስያፍ፡ ካብ እተመልሐ ሰይፊ፡ ካብ እተገተረ ቐስቲ፡ ካብ ሕሰም ውግእ ዝሃደሙ እዮም። 16  የሆዋስ ከምዚ ኢሉኒ እዩ፦ “ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዓመት፡ ከም ዓመታት ዕሱብ፡* ኵሉ ኽብሪ ቄዳር+ ኬብቅዕ እዩ። 17  የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ እቶም ዚተርፉ ቐስተኛታት ጀጋኑ ቄዳር ሒደት ኪዀኑ እዮም።”

እግረ ጽሑፍ

ንዞባ ጥንታዊት ባቢሎንያ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ቃ.ቃ.፡ “ሕቘይ (ምሕኵልተይ) ቃንዛ መሊእዎ ኣሎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ወዲ።”
ትርጉሙ፡ “ስቕታ።”
ወይ፡ “ዕሱብ ከም ዚገብሮ ጌርካ ብጥንቃቐ ኪቝጸር ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዓመት፣” ማለት፡ ብልክዕ ኣብ ዓመት።