ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 20:1-6

ትሕዝቶ

  • ምልክት እቲ ኣብ ልዕሊ ግብጽን ኢትዮጵያን ዚወርድ ነገር (1-6)

20  በታ ሳርጎን ንጉስ ኣሶር ንታርታን* ናብ ኣሽዶድ ዝለኣኸላ ዓመት፡ ንሱ ንኣሽዶድ+ ተዋጊኡ ሓዛ።+  በቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ብኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ገይሩ፡ “ኪድ እሞ ማቕ ካብ ሕቘኻ ኣልግስ፣ ኣሳእንካ ድማ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእ” ኢሉ ተዛረበ። ንሱ ኸኣ ከምኡ ገበረ እሞ፡ ጥራይ ዝባኑን ጥራይ እግሩን ተመላለሰ።  የሆዋ ድማ ከምዚ በለ፦ “ከምቲ ጊልያይ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ግብጽን+ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን+ ንዚወርድ ምልክትን+ ትእምርትን ኪኸውን ኢሉ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ዝባኑን ጥራይ እግሩን እተመላለሰ፡  ከምኡ ድማ ንጉስ ኣሶር ንምሩኻት ግብጽን+ ንሕዩራት ኢትዮጵያን፡ ንንኣሽቱን ንኣረገውትን፡ ጥራይ ዝባኖምን ጥራይ እግሮምን ጥራይ መዓኰሮምን ገይሩ፡ ዕርቃን* ግብጺ ቐሊዑ ኺወስዶም እዩ።  ብኢትዮጵያ እታ ተስፋኦምን ብግብጺ እታ ሓበኖምን* ኪሽበሩን ኪሓፍሩን እዮም።  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ነበርቲ እዚ ገማግም ባሕሪ እዚ፡ ‘እታ ረድኤት ደሊና ኻብ ንጉስ ኣሶር ክንናገፍ ዝሃደምናላ ተስፋና እንታይ ከም ዝዀነት ርኣዩ! ሕጂ ደኣ ኸመይ ጌርና ኸነምልጥ ኢና፧’ ኪብሉ እዮም።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንኣዛዚ።”
ወይ፡ “ሕፍረት።”
ወይ፡ “በታ ብጽባቐኣ ዜድንቕዋ ግብጽን።”