ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 18:1-7

ትሕዝቶ

  • ኣንጻር ኢትዮጵያ እተዘርበ መልእኽቲ (1-7)

18  ኣብ ዞባ ኣፍላግ ኢትዮጵያ+ ዘላ ምድሪ እቶም ጅጅ ዚብሉ ኣኽናፍ ሓሸራ፡ ወይለኣ!   ኣብ ማያት ብዚሰፍፋ ጃለቡ ጳጲሮስ ኣቢላ ብባሕሪ ኸምዚ ዚብሉ ልኡኻት ትልእኽ፦ “ኣቱም ፈጣናት ልኡኻት፡ ናብ ነዊሕን ልሙጽ ዝቘርበቱን ህዝቢ፡* ኣብ ኵሉ ናብ ዚፍራህ ህዝቢ፡+ ናብ ብርቱዕን ዚስዕርን፡* ምድሩ እውን ብኣፍላግ ናብ እተባሕጐገት ህዝቢ ኺዱ።”   ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩን ኣብ ምድሪ እትቕመጡን፡ እቲ እትርእይዎ ኣብ ኣኽራን ከም እተላዕለ ሰንደቕ ዕላማ ኪኸውን እዩ፣ ከም ዚንፋሕ መለኸት ዝበለ ደሃይ ከኣ ክትሰምዑ ኢኹም።   የሆዋስ ከምዚ ኢሉኒ፦ “ከም ውሪግሪግ ዚብል ሙቐት ምስ ብርሃን ጸሓይ፡ ከም ደበና ኣውሊ ኣብ ሙቐት ቀውዒ፡ ከይተረበሽኩ ኽጸንሕ፡ ነታ ቐዋሚት ቦታይ ክጥምታ* እየ።   ከመይሲ፡ ቅድሚ ቐውዒ፡ ምዕምባብ ምስ ተወድአ፡ እቲ ዕምባባ ድማ ዚበስል ወይኒ ምስ ኰነ፡ እቲ ጨናፍር ብገዘሞታት ኪቝረጽ፡ መጠንጠን ሓረግ ከኣ ኪጽልጸልን ኪውገድን እዩ።   ኵሎም ንኣሞራታት ኣኽራንን ንእንስሳታት ምድርን ኪዀኑ እዮም። ኣሞራታት ኣባታቶም ኪሓግዩ፡ ኵሎም እንስሳታት ምድሪ ድማ ኣባታቶም ኪቕውዑ እዮም።   በቲ ግዜ እቲ፡ ካብ ነዊሕን ልሙጽ ዝቘርበቱን ህዝቢ፡* ኣብ ኵሉ ኻብ ዚፍራህ ህዝቢ፡ ካብ ብርቱዕን ዚስዕርን፡* ምድሩ እውን ብኣፍላግ ካብ እተባሕጐጐት ህዝቢ፡ ህያብ ናብ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ናብታ ስም የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዘለዋ ቦታ፡ ናብ ከረን ጽዮን+ ኪመጽእ እዩ።”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “እተመዝዘን እተወልወለን ህዝቢ።”
ወይ፡ “ዚረግጽን።”
ወይ፡ “ካብታ ቐዋሚት ቦታይ ክጥምት” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “እተመዝዘን እተወልወለን ህዝቢ።”
ወይ፡ “ዚረግጽን።”