ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 16:1-14

ትሕዝቶ

  • ኣንጻር ሞኣብ እተዘርበ መልእኽቲ ይቕጽል (1-14)

16  ናብ ገዛኢ እታ ምድሪ፡ ካብ ሴላዕ ብበረኻ ኣቢልኩም፡ ናብ ከረን ጓል ጽዮን፡ ድዑል ስደዱ።   ካብ ሰፈራ ኸም ዝሃደመት ዑፍ፡+ ኣዋልድ ሞኣብ ኣብ መሳገሪታት ኣርኖን ከምኡ ኪዀና እየን።+   “ምኽሪ ሃቡ፡ ውሳነ ፈጽሙ። ቀትሪ ኸሎ፡ ንጽላሎትኪ ኸም ለይቲ ግበርዮ። ንእተበተኑ ሕብእዮም፡ ንህዱማት ኣሕሊፍኪ ኣይትሃቢ።   ኣቲ ሞኣብ፡ እቶም ብቱናተይ ኣባኺ ይንበሩ። ካብ ቅድሚ እቲ መጥፍኢ፡ መሕብኢ ዅንዮም።+ እቲ ጨቋኒ ናብ መወዳእታኡ ኺበጽሕ፡ እቲ ጥፍኣት እውን ኪውዳእ እዩ፣ እቶም ዚረግጹ ድማ፡ ካብ ምድሪ ኺጠፍኡ እዮም።   ሽዑ፡ ዝፋን ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕሪ ኺጸንዕ እዩ። እቲ ኣብኡ ኣብ ድንኳን ዳዊት ዚቕመጥ፡ እሙን ኪኸውን እዩ፣+ ብቕንዕና ኺፈርድ፡ ብፍጥነት ከኣ ጽድቂ ኺፍጽም እዩ።”+   ብዛዕባ ትምክሕቲ ሞኣብ፡—ንሱስ ኣዝዩ ዕቡይ እዩ፡+ ብዛዕባ ትዕቢቱን ትምክሕቱን ነድሩን ሰሚዕና፣+ እቲ ባዶ ዘረባኡ ግና ከንቱ ኪኸውን እዩ።   ስለዚ፡ ሞኣብ ንሞኣብ ዋይዋይ ኪብለሉ እዩ፣ ኵላቶም ዋይዋይ ኪብሉ እዮም።+ እቶም እተወቕዑ ድማ፡ ብዛዕባ ጎጎ ዘቢብ ቂር-ሓረሰት ኪቝዝሙ እዮም።+   ከመይሲ፡ ዛላታት ሔስቦን+ ኰነ፡ ተኽሊ ወይኒ ሲብማ+ ነቒጹ፣ ገዛእቲ ኣህዛብ ነቲ ብሩህ ቀይሕ ጨናፍራ* ረጊጾምዎ፣ ክሳብ ያዕዜር በጺሖም፣+ ክሳብ በረኻ ተዘርጊሖም። ጨናፍራ ኣስፋሕፊሑ፡ ክሳብ ባሕሪ ድማ በጺሑ።   ስለዚ፡ ከምቲ ንያዕዜር ዝበኸኹላ፡ ንተኽሊ ወይኒ ሲብማ ኽበኽየላ እየ። ኦ ሔስቦንን ኤልዓለን፡+ ጭድርታ ፍረ ሓጋይክንን ቀውዕኽንን ኣብቂዑ እዩ እሞ፡* ብንብዓተይ ከጠስጥሰክን እየ። 10  ሓጐስን ባህታን ካብ ግራት ፍረታት ተወሲዱ እዩ፣ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ደርፊ ሓጐስ ወይ እልልታ የልቦን።+ ንጭድርታ ኸም ዜቋርጽ ገይረዮ እየ እሞ፡+ ረጋጺ ኣብ መጽመቝ ወይኒ ደጊም ኣይኪረግጽን እዩ። 11  ስለዚ፡ ኣምዑተይ ብሞኣብ፡+ ውሽጠይ ድማ ብቂር-ሓረሰት፡+ ከም ትሪምሪምታ መሰንቆ* ይናወጽ ኣሎ። 12  ሞኣብ ኣብ በሪኽ እኳ ንርእሱ እንተ ኣድከማ፡ ኣብ መቕደሱ እውን እንተ ጸለየ፡ ሓንቲ እኳ ኣይኪዓምምን እዩ።+ 13  የሆዋ ብዛዕባ ሞኣብ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ። 14  ሕጂ ኸኣ የሆዋ፡ “ክብሪ ሞኣብ፡ ከም ዓመታት ዕሱብ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት* ምስ ብዙሕ ህውከት ኪዋረድ እዩ፣ እቶም ዚተርፉ እውን ኣዝዮም ሒደትን ዘይረብሑን ኪዀኑ እዮም” ይብል።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነቲ ቐይሕ ወይኒ ዝጾረ ጨናፍራ።”
ወይ፡ “ጭድርታ ውግእ ኣብ ፍረ ሓጋይክንን ኣብ ቀውዕኽንን ወሪዱ እዩ እሞ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ክራር።”
ወይ፡ “ከምቲ ዕሱብ ዚገብሮ ተጠንቂቕካ ምስ ተቘጽረ፣” ማለት፡ ብልክዕ ኣብ ሰለስተ ዓመት።