ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 15:1-9

ትሕዝቶ

  • ኣንጻር ሞኣብ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-9)

15  ኣንጻር ሞኣብ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦+ ብሓንቲ ለይቲ ስለ ዝዓነወት፡ ኣብ ሞኣብ ዘላ ዓር+ ስቕ ክትብል እያ። ብሓንቲ ለይቲ ስለ ዝዓነወት፡ ኣብ ሞኣብ ዘላ ቂር+ ስቕ ክትብል እያ።   ኪበክስ ናብታ ቤትን* ናብ ዲቦንን፡+ ናብ በረኽቲ ደዪቡ። ሞኣብ ኣብ ልዕሊ ኔቦን+ ኣብ ልዕሊ ሜድባን+ ዋይዋይ ትብል ኣላ። ኵሉ ርእሲ ተላጽዩ እተመልጠ፡+ ኵሉ ጭሕሚ ድማ ቍሩጽ እዩ።+   ኣብ ጐደናታት ማቕ ተዓጢቖም ኣለዉ። ኣብ ናሕስታቶምን ኣብ ኣደባባያቶምን ኵላቶም ዋይዋይ ይብሉ ኣለዉ፣ እናበኸዩ ይወርዱ ኣለዉ።+   ሔስቦንን ኤልዓለን+ የእውያ ኣለዋ፣ ድምጸን ክሳብ ያሃጽ+ ይስማዕ ኣሎ። ስለዚ፡ ዕጡቓት ሞኣብ ይጭርሑ ኣለዉ። ንሱ የንቀጥቅጥ ኣሎ።*   ልበይ ንሞኣብ የእውየላ ኣሎ። ህዱማታ ኽሳብ ጾዓርን+ ኤግላት-ሸሊሽያን+ ሃዲሞም ኣለዉ። ኣብ ዓቐበት ሉሒት ኪድይቡ ኸለዉ ይበኽዩ፡ ናብ ሖሮናይም ኣብ ዚወስድ መገዲ እውን በቲ መዓት የእውዩ ኣለዉ።+   ማያት ኒምሪምሲ ነጺፉ፡ ሳዕሪ ኸኣ ነቒጹ፣ ሳዕሪ ተወዲኡ፡ ሓምላይ ዘበለ እውን ኣይተረፈን።   ስለዚ፡ ነቲ ኻብ መኽዘኖምን ካብ ሃብቶምን ዝተረፈ ይወስድዎ፡ ስንጭሮ* ኣእዋም ዓራባ ድማ ይሳገሩ ኣለዉ።   እቲ ኣውያትሲ ኣብ ብዘሎ ሃገር ሞኣብ የቃልሕ ኣሎ።+ እቲ ዋይዋይታ ኽሳብ ኤግላይም ይበጽሕ፡ እቲ ዋይዋይታ ኽሳብ ብኤር-ኤሊም ይበጽሕ ኣሎ።   ማያት ዲሞንሲ ደም መሊኡ ኣሎ፣ ንዲሞን ከኣ ገና ተወሳኺ ነገር ኣሎኒ፦ ነቶም ዘምለጡ ናይ ሞኣብ፡ ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝተረፉ ኣንበሳ ኽሰድድ እየ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ናብታ ቤተ መቕደስን።”
ወይ፡ “ነፍሱ ተንቀጥቅጥ ኣላ።”
ወይ፡ “ርባ።”