ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 13:1-22

ትሕዝቶ

  • ኣንጻር ባቢሎን እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-22)

    • መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ! (6)

    • ሜዶናውያን ንባቢሎን ኪግልብጥዋ እዮም (17)

    • ሰብ ኣብ ባቢሎን ከቶ ኣይኪነብርን እዩ (20)

13  ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ብራእይ ዝረኣዮ ኣንጻር ባቢሎን+ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦   “ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ከረን መላጥ ኣኻውሕ ኣልዕሉ።+ ብኣፍ ደገታት ልዑላን ኪኣትዉስ፡ተደሃይዎም፡ ኢድኩም ኣወዛውዙ።   ነቶም ዝሸምክዎም* ኣዚዘዮም ኣለኹ።+ ቍጥዓይ ንምግላጽ ንጀጋኖይ፡ብዅርዓት ንዚፍስሁ ጸዊዐዮም ኣለኹ።   ስምዑ! ህዝቢ ኣብ ኣኽራን ኣሎ፣ናይ ብዙሕ ህዝቢ ደሃይ ኣሎ! ስምዑ! ናይ መንግስትታትንናይ እኩባት ኣህዛብን ያዕያዕታ!+ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነቲ ሰራዊት ንውግእ ይእክቦ ኣሎ።+   የሆዋን ኣጽዋር ቍጥዓኡን፡ንዅላ ምድሪ ኼጥፍኡስ፡+ካብ ርሑቕ ሃገር፡+ካብ ወሰን ሰማያት ይመጹ ኣለዉ።   መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ እሞ፡ ዋይዋይ በሉ! ከም ጥፍኣት ኰይና ኻብቲ ዅሉ ዚኽእል ክትመጽእ እያ።+   ስለዚ፡ ኵለን ኣእዳው ኪለምሳ እየን፣ልቢ ዅሉ ሰብ ድማ ብፍርሂ ኺመክኽ እዩ።+   ሰባት ሰምቢዶም እዮም።+ ቅልውላው ከም ዝሓዛ ሰበይቲ፡ብምንፍርፋርን ብቕልውላውን ተታሒዞም እዮም። ሰኪሖም ንሓድሕዶም ይጠማመቱ ኣለዉ፣ገጾም ብጓሂ ጓህሪ መሲሉ ኣሎ።   እንሃ፡ መዓልቲ የሆዋነታ ምድሪ መሰክሒ ኽትገብራ፡+ንሓጥኣን እታ ምድሪ ድማ ካብኣ ኸተጥፍኦም፡ብነድርን ብዚነድድ ቍጥዓን ትመጽእ ኣላ። 10  ከዋኽብቲ ሰማያትን ናታቶም ጭፍራታት ከዋኽብትንሲ፡*+ብርሃኖም ኣይኬብርሁን እዮም፣ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኽትጽልምት፡ወርሒ ኸኣ ብርሃና ኣይከተብርህን እያ። 11  ንዓለም ስለ ኽፍኣታ፡+ንእኩያት ድማ ስለ ስሕተቶም ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ። ንዅርዓት ተዳፈርቲ መወዳእታ ኽገብረሉ፡ንትዕቢት ጨቈንቲ ኸኣ ከዋርዶ እየ።+ 12  ንመዋቲ ሰብ ካብ ጽሩይ ወርቂ ንላዕሊ ብርቂ፡+ንሰብ ድማ ካብ ወርቂ ኦፊር+ ንላዕሊ ብርቂ ኽገብሮ እየ። 13  ስለዚ፡ ንሰማያት ከንቀጥቅጦ እየ፣ምድሪ ኸኣ ብነድሪ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ብመዓልቲ እቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ፡ ካብ ቦታኣ ኽትናወጽ እያ።+ 14  ከም እተሃድነት ሰስሓን ኣካቢ ኸም ዘይብለን መጓሰን፡ነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቡ ኺምለስ፡ነፍሲ ወከፍ ነናብ ምድሩ ኺሃድም እዩ።+ 15  እተረኽበ ዘበለ ኺውጋእ፡እተታሕዘ ዘበለ ድማ ብሰይፊ ኺወድቕ እዩ።+ 16  ደቆም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኪሕምሸሹ፡+ኣባይቶም ኪዝመት፡ኣንስቶም ከኣ ኪዕመጻ እየን። 17  እንሆ፡ ኣንጻሮም ንሜዶናውያን፡+ነቶም ንብሩር ከም ዘይረብሕ ዚቘጽሩ፡ብወርቂ ድማ ደስ ዘይብሎም ከተንስእ እየ። 18  ቀስትታቶም ንኣጕባዝ ኪሕምሽሽ እዩ፣+ንሳቶም ከኣ ንፍረ ኸርሲ ኣይኪድንግጹን፡ንውሉዳት ድማ ኣይኪምሕሩን እዮም። 19  ባቢሎን፡ እታ ኻብ መንግስትታት ዝኸበረት፡*+እታ ጽባቐን ትምክሕትን ከለዳውያን፡+ከምቲ ኣምላኽ ንሶዶምን ንጎሞራን ምስ ገልበጠን ዝዀናኦ ኽትከውን እያ።+ 20  ሰብ ኣብኣ ከቶ ኣይኪነብርን፡ንውሉድ ወለዶ ኸኣ መንበሪት ኣይክትከውንን እያ።+ ዓረብ ኣብኣ ድንኳኑ ኣይኪተክልን እዩ፣ጓሶት ድማ መጓሰኦም ኣይኬዕርፉላን እዮም። 21  ኣራዊት ምድረ በዳ ኣብኣ በጥ ኪብሉ እዮም፣ኣባይቶም ብጕንጓታት ኪመልእ እዩ። ሰገናት ኣብኣ ኺነብራ እየን፣+ኣጣል በረኻ ኸኣ ኣብኡ ኺሰራሰራ እየን።* 22  ዚንቅዉ እንስሳታት ኣብ ግምብታታ፡ወኻሩ* ድማ ኣብቲ ምሹእ ኣብያተ መንግስታ ኺንቅዉ እዮም። ግዜኣ ቐሪቡ እዩ፣ መዓልትታታ ኸኣ ኣይኪናዋሕን እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንቕዱሳተይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ናታቶም ከሲላት።” ምናልባት ንኦርዮንን ኣብ ዙርያኡ ንዘሎ ጭፍራ ኸዋኽብትን የመልክት።
ወይ፡ “ጌጽ መንግስትታት።”
ወይ፡ “ድቤላ ዚመስሉ ኣጋንንቲ ኸኣ ኣብኡ ኺሰራሰሩ እዮም” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ጋውሕታታት።”