ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 12:1-6

ትሕዝቶ

  • መዝሙር ምስጋና (1-6)

    • ‘ያህ የሆዋ ብርታዐይ እዩ’ (2)

12  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብርግጽ ከምዚ ኽትብል ኢኻ፦ “ኦ የሆዋ፡ ተቘጢዕካኒ እኳ እንተ ነበርካ፡ ቍጥዓኻ በብቝሩብ ዝሒሉ፡ ንስኻ እውን ኣጸናኒዕካኒ ኢኻ እሞ፡ አመስግነካ።+   እንሆ፡ ኣምላኽ ድሕነተይ እዩ።+ ያህ* የሆዋ ብርታዐይን ሓይለይን እዩ፡ ድሕነተይ ድማ ኰይኑ እዩ እሞ፡+ ክእመን፡* ኣይክርዕድን እውን እየ።”+   ካብ ዓይኒ ማያት ድሕነት+ ብታሕጓስ ማይ ክትቀድሑ ኢኹም።   በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ከምዚ ኽትብሉ ኢኹም፦ “ንየሆዋ ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ፣ ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣፍልጡ!+ ስሙ ልዑል ከም ዝዀነ ንገሩ።+   ዓበይቲ ነገራት ገይሩ እዩ እሞ፡+ ንየሆዋ ውዳሰ ዘምሩሉ።*+ እዚ ኣብ ኵላ ምድሪ ይፈለጥ።   እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ማእከልኪ ዓብዪ እዩ እሞ፡ ኣቲ ነባሪት* ጽዮን፡ ጨድሪ፡ እልል በሊ።”

እግረ ጽሑፍ

“ያህ” ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ወይ፡ “ክውከል።”
ወይ፡ “ኣዚሙሉ።”
እዛ ብኣንስተይቲ መልክዕ ተረቚሓ ዘላ፡ ነቶም ነበርቲ ብሓፈሻ ተመልክት።