ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 11:1-16

ትሕዝቶ

  • ጽድቂ ዝመልኦ ግዝኣት እቲ ውልዶ እሴይ (1-10)

    • ተዅላን ገንሸልን ብሓባር ይዀኑ (6)

    • ምድሪ ብፍልጠት የሆዋ ኽትመልእ እያ (9)

  • ተረፍ ኪምለሱ እዮም (11-16)

11  ካብ ጕርማጽ እሴይ፡+ ውልዶ ኺበቍል፡+ ካብ ሱሩ ዝወጸ ብቋል+ ድማ ፍረ ኼፍሪ እዩ።   ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ መንፈስ የሆዋ፡+ መንፈስ ጥበብን+ ኣእምሮን፡ መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡+ መንፈስ ፍልጠትን ፍርሃት የሆዋን ኪዓርፍ እዩ።   ብፍርሃት የሆዋ ድማ ደስ ኪብሎ እዩ።+ ኣዒንቱ ብዚርእያኦ ኣይኪፈርድን፡ ኣእዛኑ ብዚሰምዓኦ እውን ኣይኪገንሕን እዩ።+   ንትሑታት ብፍትሒ* ኺፈርድ፡ ምእንቲ ዓቃላት* ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺገንሕ እዩ። ንምድሪ ብሻቦጥ ኣፉ ኺወቕዓ፡+ ንእኩይ ድማ ብትንፋስ* ከናፍሩ ኪቐትሎ እዩ።+   ጽድቂ ዕጣቕ መዓጥቖኡ፡ ተኣማንነት እውን ዕጣቕ ሕቘኡ ኪኸውን እዩ።+   ተዅላ ምስ ገንሸል* ኪኸውን፡+ ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ በጥ ኪብል፡ ምራኽን ሽደን ኣንበሳን ስቡሕ እንስሳን ድማ ብሓባር ኪዀኑ እዮም፣*+ ንእሽቶ ወዲ እውን ኪመርሖም እዩ።   ላምን ድብን ብሓደ ኺበልዓ፡ ውላዳተን ከኣ ብሓደ በጥ ኪብሉ እዮም። ኣንበሳ ኸም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ።+   ዚጠቡ ሕጻን ኣብ ልዕሊ ሰፈር መንደላይ ተመን ኪጻወት፡ ጡብ ሕዳግ ድማ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እንዳ መርዛም ተመን ኪገብር እዩ።   ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብርግጽ ብፍልጠት የሆዋ ኽትመልእ እያ እሞ፡+ ኣብ ኵሉ እቲ ቕዱስ ከረነይ፡+ ኣይኪጐድኡን+ ወይ ኣይኬጥፍኡን እዮም። 10  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ሱር እሴይ፡+ ሰንደቕ ዕላማ ህዝብታት ኰይኑ ኪቐውም እዩ።+ ኣህዛብ መምርሒ ደልዮም ናብኡ ኼብሉ እዮም፣*+ መዕረፊኡ ድማ ክቡር ኪኸውን እዩ። 11  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ነቶም ካብ ኣሶርን+ ካብ ግብጽን+ ካብ ጳጥሮስን+ ካብ ኩሽን+ ካብ ዔላምን+ ካብ ሲንኣርን* ካብ ሓማትን ካብ ደሴታት ባሕርን+ ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ምእንቲ ኼጥርዮምሲ፡ ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ኢዱ ኺዝርግሕ እዩ። 12  ንኣህዛብ ሰንደቕ ዕላማ ኬተንስኣሎም፡ ነቶም ካብ እስራኤል እተበተኑ ኸኣ ኪእክቦም፡+ ነቶም ካብ ይሁዳ ፋሕ ዝበሉ እውን ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኺእክቦም እዩ።+ 13  ቅንኢ ኤፍሬም ኪርሕቕ እዩ፣+ እቶም ንይሁዳ ዚጸልእዎ እውን ኪጠፍኡ እዮም። ኤፍሬም ንይሁዳ ኣይኪቐንኣሉን፡ ይሁዳ ድማ ንኤፍሬም ኣይኪጸልኦን እዩ።+ 14  ናብ ቍልቍለት* ፍልስጥኤማውያን ናብ ምዕራብ ኪንቈቱ፡ ብሓባር ከኣ ንደቂ ምብራቕ ኪዘምትዎም እዮም። ኢዶም* ኣብ ልዕሊ ኤዶምን+ ሞኣብን+ ኪዝርግሑ፡ ዓሞናውያን ድማ ተገዛእቶም ኪዀኑ እዮም።+ 15  የሆዋ ንወሽመጥ* ባሕሪ ግብጺ ኺመቕሎ፡*+ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈለግ* ኸኣ ኢዱ ኼወዛውዝ እዩ።+ ብዜሕርር ትንፋሱ* ንዕኡ ኣብ ሸውዓተ ወሓይዙ ኺወቕዖ፡* ምስ ሳእንኻ ኸም ዚስገር እውን ኪገብሮ እዩ። 16  ከምቲ ንእስራኤል በታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ዝዀነሎም፡ ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ+ ድማ ካብ ኣሶር ዚወጽእ ጐደና+ ኺህሉ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብጽድቂ።”
ወይ፡ “ትሑታት።”
ወይ፡ “ብመንፈስ።”
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ወይ፡ “ምራኽን ሽደን ኣንበሳን ብሓባር ኪበልዑ እዮም” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣህዛብ ንዕኡ ኺደልይዎ እዮም።”
ማለት፡ ባቢሎንያ።
ቃ.ቃ.፡ “መንኵብ።”
ወይ፡ “ስልጣኖም።”
ቃ.ቃ.፡ “ልሳን።”
ወይ፡ “ኼንቅጾ” ኪኸውን ይኽእል።
ማለት፡ ኤፍራጥስ።
ወይ፡ “መንፈሱ።”
ወይ፡ “ንዕኡ ናብ ሸውዓተ ወሓይዝ ኪወቕዖ” ኪኸውን ይኽእል።