ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 1:1-31

ትሕዝቶ

  • ኣቦን ዓለውቲ ደቁን (1-9)

  • የሆዋ ልባዊ ዘይኰነ ኣምልኾ ይጸልእ (10-17)

  • “ነገር ነቕንዕ” (18-20)

  • ጽዮን ተመሊሳ እምንቲ ኸተማ ዀነት (21-31)

1  ኢሳይያስ*+ ወዲ ኣሞጽ ብዘመን ዑዝያን+ ዮታምን+ ኣሓዝን+ ህዝቅያስን፡+ ነገስታት ይሁዳ፡+ ብዛዕባ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ራእይ፦   ኣቱም ሰማያት፡ ስምዑ፣ ኣቲ ምድሪ፡ ጽን በሊ፣+ የሆዋስ እዚ ተዛሪቡ ኣሎ፦ “ደቂ ኣዕብየን ተኸናኺነን፣+ ንሳቶም ግና ካባይ ዓልዮም።+   ብዕራይ ንዓዳጊኡ፡ ኣድጊ ድማ ንመብልዕ ማል ዋናኡ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ፣ እስራኤል ግና ኣይፈልጠንን፡*+ ህዝበይ ከኣ ብኣእምሮ ኣይመላለስን እዩ።”   እቶም ሓጥኣን ህዝቢ፡+ እቶም ዘርኢ እኩያት፡ ብልሹዋት ደቂ ዝዀኑ ስሕተት ዝኸበዶም ህዝቢ፡ ወይለኦም! ንየሆዋ ሓዲጎምዎ፣+ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ንዒቖምዎ፣ ዝባኖም መሊሶምሉ።   ንዕልወትኩም ምስ ወሰኽኩምሉስ፡ ዚቕጽል ኣበይ ክትውቅዑ ኢኹም፧+ ብዘሎ እቲ ርእሲ ሕሙም እዩ፣ ብዘሎ እቲ ልቢ ድማ ድኹም እዩ።+   ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳብ ርእሲ፡ ገለ ጥዑይ የብሉን። ኣቝሳልን ስምብራትን ሓድሽ መቝሰልትን ጥራይ እምበር፡ ኣይተሓከመን፡* ወይ ኣይተዘነነን፡ ወይ ብዘይቲ ኣይለስለሰን።+   ምድርኹም ባዲማ። ከተማታትኩም ብሓዊ ነዲደን። ጓኖት ንምድርኹም ኣብ ቅድሜኹም ይውሕጥዋ ኣለዉ።+ ጓኖት ከም ዝገልበጥዋ ባድም ኰይና እያ።+   ጓል ጽዮን ከም ዳስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ከም ጎጆ ኣብ ግራት ኣጕርሲ፡ ከም እተኸብበት ከተማ ዀይና ተሪፋ ኣላ።+   የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ሒደት ዚድሕኑ እንተ ዘይሓድገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና፡ ንጎሞራ እውን ምመሰልና ኔርና።+ 10  ኣቱም መለኽቲ* ሶዶም፡ ቃል የሆዋ ስምዑ።+ ኣቱም ህዝቢ ጎሞራ፡ ንሕጊ* ኣምላኽ ጽን በሉ።+ 11  “እቲ ብዙሕ መስዋእትኹም እንታይ ይጠቕመኒ፧”+ ይብል የሆዋ። “ዚሓርር መስዋእቲ ደዓውልኩምን+ ስብሒ ስቡሓትኩምን+ ፍጊዕ ኢሉኒ፣ ብደም+ ዝራብዓትን+ ገንሸላትን* ድቤላታትን+ ከኣ ደስ ኣይብለንን እዩ። 12  ኣብ ቅድመይ ክትርኣዩ ምስ እትመጹ፡+ ኣጸዳተይ ክትረግጹስ፡+ እዚ ኽትገብሩ ዝደለየኩም መን እዩ፧ 13  ከንቱ መስዋእቲ እኽሊ ደጊም ኣይተምጽኡ። ዕጣንኩም ኣባይ ፍንፉን እዩ።+ ሰርቂ ኣዋርሕን+ ሰናብትን+ ጻውዒት ኣኼባታትን፡+ —ንስሒር+ ምስ ፍሉይ ኣኼባ ኽዕገሶ ኣይክእልን እየ። 14  ንሰርቂ ኣዋርሕኩምን ንበዓላትኩምን ጸሊአዮ እየ።* ጾር ኰይኑኒ ኣሎ፣ ብምጻሩ ደኺመ ኣለኹ። 15  ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ፡ ኣዒንተይ ካባኻትኩም ክሓብእ እየ።+ ብዙሕ እኳ እንተ ጸለኹም፡+ ኣይሰምዓኩምን እየ፣+ ኣእዳውኩም ብደም መሊአን እየን።+ 16  ተሓጸቡ፡ ንጽሁ፣+ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፣ ምግባር ክፉእ ሕደጉ።+ 17  ምግባር ጽቡቕ ተምሃሩ፡ ፍትሒ ድለዩ፣+ ንጨቋኒ ኣርምዎ፣ ንመሰላት ዘኽታም* ተጣበቑ፣ ንመበለት ተማጐቱላ።”+ 18  “እምበኣር፡ ንዑ እሞ ኣብ መንጎና ነገር ነቕንዕ” ይብል የሆዋ።+ “ሓጢኣትኩም ከም ቀይሕ ዝሕብሩ እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ውርጪ ጻዕዳ ኪኸውን እዩ፣+ ከም ድሙቕ ቀይሕ ክዳን እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ጸምሪ ኪኸውን እዩ። 19  ፍቓደኛታት እንተ ዄንኩምን እንተ ሰሚዕኩምን፡ ጽቡቕ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም።+ 20  እንተ ኣቢኹምን እንተ ዓሊኹምን ግና፡ ኣፍ የሆዋ ተዛሪባ እያ እሞ፡ ብሰይፊ ኽትውሓጡ ኢኹም።”+ 21  እታ እምንቲ ኸተማስ+ ከመይ ኰን ኣመንዝራ ዀነት!+ ፍትሒ ዝመልኣ ነበረት፣+ ጽድቂ ድማ ኣብኣ ትሓድር ነበረት፣+ ሕጂ ግና፡ ቀተልቲ ነፍሲ።+ 22  ብሩርኪ ሓተላ ብረት ኰይኑ፣+ ስዋኺ* ብማይ ተጀሊሑ። 23  መሳፍንትኺ ነቓጻትን መሻርኽቲ ሰረቕትን እዮም።+ ነፍሲ ወከፎም ጉቦ ይፈትዉ፡ ደድሕሪ ህያባት ድማ ይጐይዩ።+ ንዘኽታም* ፍትሒ ኣየውጽኡሉን፣ ጕዳይ መበለት ድማ ናባታቶም ከቶ ኣይበጽሕን።+ 24  ስለዚ፡ እቲ ናይ ሓቂ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ናይ እስራኤል ሓያል ከምዚ ይብል፦ “ወይለኦም! ንተጻረርተይ ከወግዶም እየ፣ ኣብ ልዕሊ ጸላእተይ ከኣ ሕነ ኽፈዲ እየ።+ 25  ንኢደይ ድማ ኣንጻርኪ ኽመልሳ፡ ንሓተላ ብረትኪ ኸኣ ከም ብሳሙና ኸጽርዮ፡ ንዅሉ ርስሓትኪ እውን ከወግዶ እየ።+ 26  ንፈራዶኺ መሊሰ ኸም ናይ ቀደም፡ ንኣማኸርትኺ ድማ ከም ናይ መጀመርታ ኽገብሮም እየ።+ ድሕርዚ፡ ከተማ ጽድቂ፡ እምንቲ ኸተማ ኽትብሃሊ ኢኺ።+ 27  ጽዮን ብፍትሒ፡ እቲ ዚምለስ ህዝባ ኸኣ ብጽድቂ እተበጀወ ኪኸውን እዩ።+ 28  ዓለውትን ሓጥኣንን ብሓደ ኺስበሩ፡+ እቶም ንየሆዋ ዚሓድግዎ ድማ ኪውድኡ እዮም።+ 29  በቲ እተመነኹምዎ ገዘፍቲ ኣእዋምሲ ኺሓፍሩ እዮም፣+ በቲ ዝመረጽኩምዎ ስፍራ ኣታኽልቲ* እውን ክትዋረዱ ኢኹም።+ 30  ከመይሲ፡ ኣቝጽልቱ ኸም ዝጸምለወ ዓብዪ ኦም፡+ ማይ ከም ዘይብሉ ስፍራ ኣታኽልቲ ኽትኰኑ ኢኹም። 31  ሓያል ሰብ ከም ልሕጺ፡* ዕዮኡ ድማ ከም ቍልዒ ሓዊ ኪኸውን እዩ፣ ክልቲኡ ብሓደ ኺነድድ እዩ፣ ዜጥፍኦ ድማ ሓደ እኳ የልቦን።”

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “ድሕነት የሆዋ።”
ወይ፡ “ንጐይታኡ ኣይፈልጦን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣይተጠወቐን።”
ወይ፡ “ገዛእቲ።”
ወይ፡ “ንትምህርቲ።”
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ወይ፡ “ነፍሰይ ጸሊኣቶ እያ።”
ወይ፡ “ኣቦ ዘይብሉ።”
ወይ፡ “ስዋ ስርናይኪ።”
ወይ፡ “ኣቦ ንዘይብሉ።”
ምስ ኣምልኾ ጣኦት ንእተተሓሓዘ ኣእዋምን ስፍራ ኣታኽልትን ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ብቐሊሉ ዚነድድ ከም ገመድ ዝበለ ጽሕጎ።