ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ናሆም 3:1-19

ትሕዝቶ

  • “እታ ኸተማ ምፍሳስ ደም ወይለኣ!” (1-19)

    • ነነዌ እተፈርደትሉ ምኽንያት (1-7)

    • ነነዌ ኸም ኖ-ኣሞን ክትወድቕ እያ (8-12)

    • ውድቀት ነነዌ ዘይተርፍ እዩ (13-19)

3  እታ ኸተማ ምፍሳስ ደም ወይለኣ! ኵላ ምትላልን ዘመተን ዝመልአት እያ። ግዳይ ከቶ ዘይሰኣና እያ!   ደሃይ ሓለንግን ደርጓዕጓዕ መንኰራዅርን ጋልበት ኣፍራስን ምውንጫፍ ሰረገላን ኣሎ።   እተወጥሐ ፈረሰኛን ማሕማሕ ዚብል ሰይፍን ዜብለጭልጭ ኲናትን ብዙሓት ቅቱላትን ኵምራታት ሬሳን እውን ኣሎ፣ እቲ ሬሳታት ከኣ መወዳእታ የብሉን። ብሬሳታት ድማ ይዕንቀፉ ኣለዉ።   እዚ ብሰሪ እቲ ብዙሕ ምንዝርና እታ ኣመንዝራ እዩ፣ ንሳ ማራኺትን ውቅብትን ኣስማተኛ፡ ንኣህዛብ ብምንዝርናኣ፡ ንዓሌታት ከኣ ብኣስማታ እተፈንጥሮም እያ።   “እንሆ፡ ኣነ ኣንጻርኪ* እየ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡+ “ክዳንኪ ናብ ልዕሊ ገጽኪ ክቐልዖ፡ ንኣህዛብ ዕርቃንኪ፡ ንመንግስትታት ድማ ውርደትኪ ኸርእዮም እየ።   ጽያፍ ናባኺ ኽድርቢ፡ ንዕቕቲ ኸኣ ክገብረኪ እየ፣ ምርኢት ክገብረኪ እየ።+   ዚርእየኪ ዘበለ ኻባኺ ኺሃድም፡+ ‘ነነዌ ባዲማ! መን ኪድንግጸላ እዩ፧’ ድማ ኪብል እዩ። ዜጸናንዑኺኸ ኻበይ ክረክብ እየ፧   ንስኺዶ ኻብታ ኣብ ጥቓ መትረባት ኒል+ ተቐሚጣ ዝነበረት ኖ-ኣሞን*+ ትበልጺ ኢኺ፧ ንዓኣ ማያት ከቢብዋ ነይሩ፣ ሃብታ ኸኣ ባሕራ፡ መካበብያኣ እውን ባሕራ ነይሩ።   ኢትዮጵያ ምንጪ ደረት ኣልቦ ብርታዐኣ ነይራ፣ ግብጺ እውን ከምኡ። ጱጥን+ ሊብያውያንን ሓገዝትኺ ነይሮም።+ 10  ግናኸ፡ ንሳ እውን ተሰዲዳ፣ ናብ ምርኮ ኸይዳ።+ ደቃ ድማ ኣብ ኵሉ ዅርናዕ ጐደና* ተሓምሺሾም። ንኽቡራታ ዕጫ ኣውዲቖምሎም፣ ኵሎም ዓበይታ ኸኣ ብመቝሕ ተኣሲሮም። 11  ንስኺ እውን ክትሰኽሪ፡+ ክትሕብኢ፡ ካብ ጸላኢ እትዕቈብሉ ኽትደልዪ ኢኺ። 12  ኵሉ ዕርድታትኪ፡ በዅሪ ፍረ ኸም ዘለዎ ኣእዋም በለስ እዩ፣ እንተ ተነንዩ፡ ናብ ኣፍ በላዕቱ ይረግፍ። 13  እንሆ፡ ተዋጋእትኺ ኣብ ማእከልኪ ኸም ዘለዋ ኣንስቲ እዮም። ኣፍ ደገታት ምድርኺ ንጸላእትኺ ጋህ ኢሉ ኺርሖ እዩ። ሓዊ ንተገዳማት ኣፍ ደገታትኪ ኺበልዖ እዩ። 14  ንኸበባ ማይ ቅድሒ!+ ዕርድታትኪ ኣጽንዒ። ናብ ጸብሪ እተዊ፡ ጭቃ ርገጺ፣ መስርሕ ሕጡብ ሓዚ። 15  ኣብኡ እኳ ሓዊ ኺበልዓኪ፡ ሰይፊ ኪቘርጸኪ፡+ ከምቲ ኹብኩብታ ዚገብሮ ድማ ኪውሕጠኪ እዩ።+ ከም ኩብኩብታ ብዝሒ! እወ፡ ከም ኣንበጣ ብዝሒ! 16  ንነጋዶኺ ኻብ ከዋኽብቲ ሰማያት ኣብዚሕክዮም። ኩብኩብታ ቘርበቱ ቐንጢጡ ነፊሩ ይኸይድ። 17  ሓለውትኺ ኸም ኣንበጣ፡ ሰበ ስልጣንኪ ኸም ዕስለ ኣንበጣ እዮም። ብመዓልቲ ቝሪ ኣብ ደምበ ይሰፍሩ፣ ጸሓይ ምስ በረቐት ግና፡ ነፊሮም ይኸዱ፣ ኣበይ ከም ዘለዉ ድማ ሓደ እኳ ኣይፈልጥን። 18  ኦ ንጉስ ኣሶር፡ ጓሶትካ ተታኺሶም ኣለዉ። ልዑላንካ ኣብ መንበሪኦም ኣለዉ። ህዝብኻ ኣብ ኣኽራን ፋሕ ኢሎም ኣለዉ፣ ዚእክቦም ከኣ ሓደ እኳ የልቦን።+ 19  ንመዓትካ እፎይታ የብሉን። ቍስልኻ ዘይሓዊ እዩ። ኵሎም እቶም ወረኻ ዚሰምዑ ብኣእዳዎም ኬጣቕዑ እዮም።+ በቲ ቐጻሊ ጭካነኻ ዘይተሳቐየስ መን እዩ፧”+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ኣንጻር ነነዌ።
ማለት፡ ቲብጽ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ርእሲ ዅሉ ጐደና።”