ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ነህምያ 8:1-18

ትሕዝቶ

  • እቲ ሕጊ ነቶም ህዝቢ ተነብበሎምን ተገልጸሎምን (1-12)

  • በዓል ዳስ ተባዕለ (13-18)

8  ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ብሓደ ሰሚሮም ኣብቲ ኣብ መንጽር እቲ ኣፍ ደገ ማይ+ ዘሎ ኣደባባይ ተኣከቡ። ንእዝራ+ እቲ ቐዳሒ* ኸኣ፡ እቲ የሆዋ ንእስራኤል ዝኣዘዞ+ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ+ ኼምጽእ ተዛረብዎ።  ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ+ ድማ፡ ካህን እዝራ ነቲ ሕጊ ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ብምስትውዓል ኪሰምዑ ዚኽእሉን ኣምጽኦ።+  ካብ ወጋሕታ ኽሳዕ ቀትሪ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ መንጽር እቲ ኣፍ ደገ ማይ ዘሎ ኣደባባይ ኰይኑ፡ ንሰብኡትን ንኣንስትን ኬስተውዕሉ ንዚኽእሉ ዅሎምን ዓው ኢሉ ኣንበበሎም።+ እቲ ህዝቢ ድማ ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ጽን ኢሉ ሰምዐ።+  እዝራ እቲ ቐዳሒ* ኸኣ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ተባሂሉ ብዕንጨይቲ ኣብ እተገብረ መድረኽ ደው ኢሉ ነበረ። ኣብ ጐድኑ፡ ኣብ የማኑ ድማ ማቲትያን ሸማዕን ዓናያን ኡርያን ሒልቅያን ማዓስያን፡ ኣብ ጸጋሙ ኸኣ ጰዳያን ሚሻኤልን ማልክያን+ ሓሹምን ሓሽ-ባዳናን ዘካርያስን መሹላምን ደው ኢሎም ነበሩ።  እዝራ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ህዝቢ ዀይኑ ነበረ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ህዝቢ ነታ መጽሓፍ ቀልዓ። ምስ ቀልዓ ኸኣ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ደው በለ።  እዝራ ድማ ንየሆዋ እቲ ዓብዪን ናይ ሓቅን ኣምላኽ ወደሶ፣ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ኣእዳዎም ኣልዒሎም፡ “ኣሜን!* ኣሜን!” ኢሎም መለሱ።+ ብገጾም ናብ ምድሪ ተደፊኦም ድማ፡ ንየሆዋ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።  እያሱን ባኒን ሸረብያን+ ያሚንን ዓቁብን ሻብታይን ሆድያን ማዓስያን ቀሊጣን ዓዛርያን ዮዛባድን+ ሓናንን ጰላያን እቶም ሌዋውያን ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ነቲ ህዝቢ፡ እቲ ሕጊ ይገልጹሉ ነበሩ።+  ካብታ መጽሓፍ፡ ካብ ሕጊ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ዓው ኢሎም የንብቡን ብንጹር ይገልጹን ትርጉሙ የብርሁን ነበሩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ነቶም ህዝቢ፡ ነቲ ዚንበብ ዝነበረ ኣረድእዎም።+  ኵሎም እቶም ህዝቢ ንቓል እቲ ሕጊ ኺሰምዑ ኸለዉ ይበኽዩ ነበሩ እሞ፡ እቲ ሽዑ ሹም* ዝነበረ ነህምያን ካህን እዝራ+ እቲ ቐዳሕን* እቶም ነቲ ህዝቢ ዚምህሩ ዝነበሩ ሌዋውያንን ንዅሎም እቶም ህዝቢ፡ “እዛ መዓልቲ እዚኣ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ተቐዲሳ እያ።+ ኣይትሕዘኑን ኣይትብከዩን” በልዎም። 10  ንሱ ኸኣ፡ “ኪዱ፡ ዝበለጸ* ብልዑ፡ ዝጠዓመ ድማ ስተዩ፡ ነቶም እተዳለወ ዘይብሎም ከኣ ግደታት ምግቢ ስደዱሎም።+ እዚኣስ ንጐይታና እተቐደሰት መዓልቲ እያ፣ ሓጐስ የሆዋ ዕርድኹም* እዩ እሞ፡ ኣይትጕሃዩ” በሎም። 11  እቶም ሌዋውያን ከኣ ንዅሎም እቶም ህዝቢ፡ “እዛ መዓልቲ እዚኣ ቕድስቲ እያ እሞ፡ ስቕ በሉ፣ ኣይትጕሃዩ” ኢሎም የህድእዎም ነበሩ። 12  ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ፡ ነቲ ዘፍለጥዎም ቃላት ተረዲኦምዎ ነበሩ እሞ፡+ ኪበልዑን ኪሰትዩን ግደታት ምግቢ ኺሰድዱን ዓብዪ ሓጐስ ኪሕጐሱን ከዱ።+ 13  ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ርእስታት ማይ ቤታት ኵሎም እቶም ህዝብን ካህናትን ሌዋውያንን፡ ካብ ቃላት እቲ ሕጊ ተወሳኺ ልቦና ኺረኽቡ ኢሎም ናብ እዝራ እቲ ቐዳሒ* ተኣከቡ። 14  ኣብቲ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ዚብዓል በዓል፡ እስራኤላውያን ኣብ ዳሳት ኪቕመጡ ኸም ዘለዎም የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ ድማ ኣብቲ ሕጊ ተጻሒፉ ረኸቡ፣+ 15  ኣብ ኵለን ከተማታቶምን ኣብ ብዘላ የሩሳሌምን ከኣ፡ “ናብ ኣኽራን ኬድኩም፡ ከምቲ እተጻሕፈ፡ ዳሳት ንምስራሕ ዚኸውን ልሙዕ ጨናፍር ካብ ኣእዋም ኣውልዕን ኣእዋም ጽሕድን ኣእዋም ኣደስን ኣእዋም ስየን ልሙዕ ጨናፍር ካልእ ኣእዋምን ኣምጽኡ” ኢሎም ኬስምዑን ኪእውጁን+ ከም ዘለዎም እውን ረኸቡ። 16  እቶም ህዝቢ ኸኣ ወጺኦም፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ለልዕሊ ናሕሱን ኣብ ኣጸዳቶምን ኣብ ኣጸዳት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን+ ኣብ ኣደባባይ ኣፍ ደገ ማይን+ ኣብ ኣደባባይ ኣፍ ደገ ኤፍሬምን+ ንርእሶም ዚኸውን ዳሳት ዚሰርሑሉ ኣምጽኡ። 17  በዚ ኸምዚ፡ ኵሎም እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ጉባኤ፡ ዳሳት ሰሪሖም፡ ኣብ ዳሳት ተቐመጡ። እስራኤላውያንሲ ኻብ ዘመን እያሱ+ ወዲ ነዌ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ከምኡ ኣይገበሩን ነበሩ፣ ስለዚ፡ ኣዝዩ ዓብዪ ሓጐስ ኰነ።+ 18  ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኻብታ መጽሓፍ ሕጊ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይንበብ ነበረ።+ ሸውዓተ መዓልቲ ኸኣ በዓል ኣብዓሉ፣ ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ፡ ከምቲ ስርዓት፡ ፍሉይ ኣኼባ ዀነ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ጸሓፊ።”
ወይ፡ “ጸሓፊ።”
ወይ፡ “ይኹን!”
ወይ፡ “ቲርሻታ፡” ንሹም ሃገር ዚውሃብ መዓርግ ፋርስ።
ወይ፡ “ጸሓፍን።”
ቃ.ቃ.፡ “ዝሰብሐ።”
ወይ፡ “ሓይልኹም።”
ወይ፡ “ጸሓፊ።”