ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ነህምያ 7:1-73

ትሕዝቶ

  • ኣፍ ደገታትን ሓለውቱን (1-4)

  • ዝርዝር ስማት እቶም እተመልሱ ምሩኻት (5-69)

    • ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ (46-56)

    • ደቂ ገላዉ ሰሎሞን (57-60)

  • ነቲ ዕዮ ዚኸውን ወፈያታት (70-73)

7  እቲ መካበብያ ዳግም ምስ ተሃንጸ፡+ መዓጹ ኣቘምኩሉ።+ ሓለውቲ ኣፍ ደገን+ ዘመርትን+ ሌዋውያንን+ ድማ ተሸሙ።  ንሓወይ ሓናኒን+ ንሓናንያ እቲ ሓለቓ ዕርድን፡+—ንሱስ ካብ ብዙሓት ካልኦት ብዝያዳ እሙንን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚፈርህን ነበረ እሞ፡+—ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ሓላፍነት ሃብክዎም።  ከምዚ ኸኣ በልክዎም፦ “ጸሓይ ክሳዕ ዚመውቕ፡ ኣፍ ደገታት የሩሳሌም ኣይከፈት፣ ደው ኢሎም ኪሕልዉ ኸለዉ ድማ ነቲ መዓጹ ይዕጸውዎን ይሰግጥዎን። ንነበርቲ የሩሳሌም ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ መምዱብ መሐለዊኡን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቀቅድሚ ቤቱን ኪሕልዉ መድብዎም።”  እታ ኸተማ ድማ ገፋሕን ዓባይን ነበረት፣ ኣብ ውሽጣ ኸኣ ሒደት ህዝቢ ነበሩ፣+ ኣባይቲ እውን ዳግም ኣይተሃንጻን ነበራ።  ግናኸ፡ ነቶም ልዑላንን ነቶም መኳንንትን ነቶም ህዝብን በብወለዶ ንምምዝጋብ ክእክቦም፡ ኣምላኽ ኣብ ልበይ ኣንበረለይ።+ መጽሓፍ ምዝገባ ወለዶ እቶም ቀዳሞት ዝደየቡ ድማ ረኸብኩ፣ ኣብኣ እውን ከምዚ ዚብል ተጻሒፉ ረኸብኩ፦  እቶም ነቡካድነጻር+ ንጉስ ባቢሎን ማሪኽዎም ዝነበረ+ እሞ ናብ የሩሳሌምን ናብ ይሁዳን፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ እተመልሱ+ ኻብ ምርኮ ዝደየቡ ምሩኻት ህዝቢ እቲ ኣውራጃ እዚኣቶም እዮም፣  ንሳቶም ምስ ዘሩባቤልን+ እያሱን+ ነህምያን ዓዛርያን ራዓምያን ናሓማኒን ማርዶካይን ቢልሻንን ሚስጰረትን ቢግዋይን ነሑምን ባዓናን ዝመጹ እዮም። ቍጽሪ እቶም እስራኤላውያን ሰብኡት ነዚኣቶም የጠቓልል፦+  ደቂ ጳርዖሽ 2,172፣  ደቂ ሸፋጥያ 372፣ 10  ደቂ ኣራሕ+ 652፣ 11  ደቂ ጳሓት-ሞኣብ+ ካብ ደቂ እያሱን ዮኣብን+ 2,818፣ 12  ደቂ ዔላም+ 1,254፣ 13  ደቂ ዛቱ 845፣ 14  ደቂ ዛካይ 760፣ 15  ደቂ ቢኑኢ 648፣ 16  ደቂ ቤባይ 628፣ 17  ደቂ ዓዝጋድ 2,322፣ 18  ደቂ ኣዶኒቃም 667፣ 19  ደቂ ቢግዋይ 2,067፣ 20  ደቂ ዓዲን 655፣ 21  ደቂ ኣጤር ካብ ህዝቅያስ 98፣ 22  ደቂ ሓሹም 328፣ 23  ደቂ ቤጻይ 324፣ 24  ደቂ ሓሪፍ 112፣ 25  ደቂ ጊብዖን+ 95፣ 26  ሰብ ቤት-ልሄምን ነጦፋን 188፣ 27  ሰብ ዓናቶት+ 128፣ 28  ሰብ ቤት-ዓዝማዌት 42፣ 29  ሰብ ቂርያት-የዓሪምን+ ከፊራን ብኤሮትን+ 743፣ 30  ሰብ ራማን ጌባዕን+ 621፣ 31  ሰብ ሚኽማሽ+ 122፣ 32  ሰብ ቤት-ኤልን+ ዓይን+ 123፣ 33  ሰብ እታ ኻልአይቲ ኔቦ 52፣ 34  ደቂ እቲ ኻልኣይ ዔላም 1,254፣ 35  ደቂ ሓሪም 320፣ 36  ደቂ ያሪኮ 345፣ 37  ደቂ ሎድን ሓዲድን ኦኖን+ 721፣ 38  ደቂ ሰናኣ 3,930። 39  ካህናት፦+ ደቂ የዳዕያ ኻብ ቤት እያሱ 973፣ 40  ደቂ ኢመር 1,052፣ 41  ደቂ ጳሽሑር+ 1,247፣ 42  ደቂ ሓሪም+ 1,017። 43  ሌዋውያን፦+ ደቂ እያሱ ኻብ ቃድሚኤል+ ካብ ደቂ ሆዴዋ 74። 44  ዘመርቲ፦+ ደቂ ኣሳፍ+ 148። 45  ሓለውቲ ኣፍ ደገ፦+ ደቂ ሻሉም፡ ደቂ ኣጤር፡ ደቂ ጣልሞን፡ ደቂ ዓቁብ፡+ ደቂ ሓጢጣ፡ ደቂ ሾባይ፡ 138። 46  ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ፦*+ ደቂ ጺሓ፡ ደቂ ሓሱፋ፡ ደቂ ጣባዖት፡ 47  ደቂ ቄሮስ፡ ደቂ ሲዓ፡ ደቂ ፋዶን፡ 48  ደቂ ለባና፡ ደቂ ሓጋባ፡ ደቂ ሻልማይ፡ 49  ደቂ ሓናን፡ ደቂ ጊደል፡ ደቂ ጋሓር፡ 50  ደቂ ረኣያ፡ ደቂ ረጺን፡ ደቂ ነቆዳ፡ 51  ደቂ ጋዛም፡ ደቂ ዑዛ፡ ደቂ ጳሴሓ፡ 52  ደቂ ቤሳይ፡ ደቂ መዑኒም፡ ደቂ ነፊሸሲም፡ 53   ደቂ ባቅቡቅ፡ ደቂ ሓቁፋ፡ ደቂ ሓርሑር፡ 54  ደቂ ባጽሊት፡ ደቂ መሒዳ፡ ደቂ ሓርሻ፡ 55  ደቂ ባርቆስ፡ ደቂ ሲሰራ፡ ደቂ ታማሕ፡ 56  ደቂ ነጺኣሕ፡ ደቂ ሓጢፋ። 57   ደቂ ገላዉ ሰሎሞን፦+ ደቂ ሶጣይ፡ ደቂ ሶፈረት፡ ደቂ ጰሪዳ፡ 58  ደቂ ያዓላ፡ ደቂ ዳርቆን፡ ደቂ ጊደል፡ 59  ደቂ ሸፋጥያ፡ ደቂ ሓጢል፡ ደቂ ጶከረት-ሃጸባይም፡ ደቂ ኣሞን። 60  ኵሎም ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን*+ ደቂ ገላዉ ሰሎሞንን 392 ነበሩ። 61  ካብ ቴል-ሜላሕን ቴል-ሓርሻን ከሩብን ኣዶንን ኢመርን ዝደየቡ፡ ግናኸ፡ እስራኤላውያን እንተ ዀይኖም፡ ማይ ቤቶምን ዘርኦምን ኬረጋግጹ ዘይከኣሉ ድማ እዚኣቶም እዮም፦+ 62  ደቂ ደላያ፡ ደቂ ጦብያ፡ ደቂ ነቆዳ፡ 642። 63  ካብ ካህናት ከኣ፦ ደቂ ሓባያ፡ ደቂ ሃቆጽ፡+ ደቂ እቲ ኻብ ኣዋልድ ባርዚላይ+ እቲ ጊልዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደን ብስሞም እተሰምየን ባርዚላይ። 64  እዚኣቶም ወለዶኦም ንምርግጋጽ መዛግብቶም ደለዩ፣ ግናኸ፡ ኪረኽቡ ኣይከኣሉን፣ ካብ ክህነት ድማ ተኸልከሉ።*+ 65  እቲ ሹም*+ ከኣ፡ ብኡሪምን ቱሚምን ኪሓትት ዚኽእል ካህን ክሳዕ ዚትንስእ+ ካብቲ ቕዱስ ቅዱሳን ከይበልዑ ኣዘዞም።+ 66  ድምር ቍጽሪ ብዘሎ እቲ ጉባኤ 42,360 ነበረ፣+ 67  እዚ ድማ ብዘይ እቶም 7,337 ዝዀኑ ተባዕትዮ ባሮትን ኣንስትዮ ባሮትን እዩ፣+ 245 ተባዕትዮ ዘመርትን ኣንስትዮ ዘመርትን ከኣ ነበርዎም።+ 68  ኣፍራሶም 736፡ ኣባቕሎም 245፡ 69  ኣግማሎም 435፡ ኣእዱጎም 6,720 ነበሩ። 70  ገለ ኻብ ርእስታት ማይ ቤታት ነቲ ዕዮ መባእ ሃቡ።+ እቲ ሹም* ነቲ መዝገብ 1,000 ድራክማ* ወርቅን 50 ጭሔሎን 530 ወለል ዚብል ክዳን ካህናትን ሃበ።+ 71  ገለ ኻብ ርእስታት ማይ ቤታት ድማ ንመዝገብ እቲ ዕዮ 20,000 ድራክማ ወርቅን 2,200 ምና* ብሩርን ሃቡ። 72  እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ኸኣ፡ 20,000 ድራክማ ወርቅን 2,000 ምና ብሩርን 67 ወለል ዚብል ክዳን ካህናትን ሃቡ። 73  እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን+ ገለ ኻብቲ ህዝብን ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን* ኵሎም እቶም ዝተረፉ እስራኤልን* ድማ ኣብ ከተማታቶም ሰፈሩ።+ ሻውዐይቲ ወርሒ ምስ መጸት፡+ እስራኤላውያን ኣብ ከተማታቶም ሰፈሩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነቲኒም።” ቃ.ቃ.፡ “እተዋህቡ።”
ወይ፡ “ነቲኒምን።” ቃ.ቃ.፡ “እተዋህቡን።”
ወይ፡ “ርኹሳት ኰይኖም ድማ ካብ ክህነት ተኸልከሉ።”
ወይ፡ “ቲርሻታ፡” ንሹም ሃገር ዚውሃብ መዓርግ ፋርስ።
ወይ፡ “ቲርሻታ፡” ንሹም ሃገር ዚውሃብ መዓርግ ፋርስ።
ብሓፈሻኡ ምስቲ 8.4 ግ. ዚምዘን ዳሪክ ወርቂ ፋርስ ማዕረ እዩ። እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዚርከብ ድራክማ ኣይኰነን። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ሓደ ምና 570 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ነቲኒምን።” ቃ.ቃ.፡ “እተዋህቡን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ እስራኤልን።”