ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ነህምያ 2:1-20

ትሕዝቶ

  • ነህምያ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ተፈቕደሉ (1-10)

  • ነህምያ ንመካበብያ እታ ኸተማ መርመሮ (11-20)

2  ኣብ ወርሒ ኒሳን፡* ኣብ መበል 20 ዓመት+ ንጉስ ኣርታሕሻስታ፡+ ኣብ ቅድሚኡ ወይኒ ቐረበ፣ ኣነ ድማ ከምቲ ልሙድ ነቲ ወይኒ ወሲደ፡ ንንጉስ ሃብክዎ።+ ግናኸ፡ ቅድሚ ሽዑ ኣብ ቅድሚኡ ጕሁይ ኰይነ ተራእየ ኣይፈልጥን ነበርኩ።  ስለዚ፡ እቲ ንጉስ፡ “ዘይሓመምካ ኽነስኻስ፡ ስለምንታይ እዩ ኣብ ገጽካ ጓሂ ዘሎ፧ እዚ ጓሂ ልቢ ደኣ እምበር፡ ካልእ ነገር ኪኸውን ኣይክእልን እዩ” በለኒ። ሽዑ፡ ኣዝየ ፈራህኩ።  ንንጉስ ከኣ፡ “ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር! እታ ኣቦታተይ እተቐብሩላ ኸተማ ዓንያ ኸላ፡ ኣፍ ደገታታ እውን ብሓዊ ተበሊዑ ኸሎስ፡ ከመይ ኢሉ ኣብ ገጸይ ጓሂ ዘይህሉ፧” በልክዎ።+  ንጉስ ድማ፡ “እንታይ እሞ ትደሊ፧” በለኒ። ሽዑ፡ ኣነ ናብ ኣምላኽ ሰማያት ጸለኹ።+  ንንጉስ ከኣ፡ “ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡ ጊልያኻ ኸኣ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ረኺቡስ፡ ነታ ኣቦታተይ እተቐብሩላ ኸተማ ዳግም ክሰርሓ ናብ ይሁዳ ኽትሰድደኒ” በልክዎ።+  ንጉስ ድማ ሰበይቲ ንጉስ* ኣብ ጥቓኡ ኾፍ ኢላ ኸላ፡ “ጕዕዞኻ ኽንደይ ኪወስድ እዩ፧ መዓስከ ኽትምለስ ኢኻ፧” በለኒ። ስለዚ፡ ንንጉስ ኪሰድደኒ ባህ ኣበሎ፣+ ኣነ ኸኣ ምዱብ ግዜ ነገርክዎ።+  ንንጉስ ድማ፡ “ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡ እቶም ሹማምንቲ ስግር እቲ ፈለግ፡* ናብ ይሁዳ ኽሳዕ ዝበጽሕ ብሰላም ምእንቲ ኼሕልፉኒ፡ ንዓታቶም ደብዳበታት ይወሃበኒ፣+  ኣሳፍ እቲ ሓላው መናፈሻ ንጉስ* ንኣፍ ደገታት ዕርዲ+ እታ ቤትን* ንመካበብያ እታ ኸተማን+ ነታ ኣነ ዝኸዳ ቤትን ዜድሊ ኣዕጫው ዚኸውን ኣእዋም ክህበኒ፡ ንዕኡ እውን ደብዳበ ይወሃበኒ” በልክዎ። እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ ስለ ዝነበረት ከኣ፡+ ንጉስ ሃበኒ።+  ናብ ሹማምንቲ ስግር እቲ ፈለግ ድማ መጻእኩ፣ እተን ደብዳበታት ንጉስ ከኣ ሃብክዎም። ንጉስ ድማ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ፈረሰኛታትን ምሳይ ሰዲዱ ነበረ። 10  ሳንባላጥ+ እቲ ሖሮናውን ጦብያ+ እቲ ዓሞናዊ+ ብዓል ስልጣንን* ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንህዝቢ እስራኤል ጽቡቕ ዚገብረሎም ሰብ ብምምጻኡ ኣዝዮም ጐሃዩ። 11  ናብ የሩሳሌም ከኣ መጻእኩ፣ ኣብኣ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ጸናሕኩ። 12  ኣነ ምስቶም ምሳይ ዝነበሩ ሒደት ሰባት፡ ብለይቲ ተንሳእኩ፣ እቲ ንየሩሳሌም ክገብረላ ኣምላኸይ ኣብ ልበይ ዘንበሮ ኸኣ ንሓደ ሰብ እኳ ኣይነገርኩን፣ ብዘይካ እታ ተወጢሐያ ዝነበርኩ እንስሳ ድማ ካልእ እንስሳ ምሳይ ኣይነበረን። 13  ብለይቲ ኸኣ በቲ ኣፍ ደገ ስንጭሮ ወጻእኩ፣+ ብመንጽር ዓይኒ ማይ ገበል ኣቢለ ናብ ኣፍ ደገ ዅምራ ሓምዅሽቲ ሓለፍኩ፣+ ነቲ ዝፈረሰ መካበብያ የሩሳሌምን ነቲ ብሓዊ እተበልዐ ኣፍ ደገታታን እውን መርመርክዎ።+ 14  ናብ ኣፍ ደገ ዓይኒ ማይን+ ናብ ሓጽቢ ንጉስን ድማ ሓለፍኩ፣ እታ ተወጢሐያ ዝነበርኩ እንስሳ እትሓልፈሉ ቦታ ኸኣ ኣይነበረን። 15  ኣነ ግና ብለይቲ በቲ ስንጭሮ* ደየብኩ፣+ ነቲ መካበብያ ድማ መርመርክዎ። ድሕርዚ፡ ተመሊሰ ብኣፍ ደገ ስንጭሮ ኣቶኹ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ተመለስኩ። 16  ንኣይሁድን ንኻህናትን ንልዑላንን ንመኳንንትን ንዝተረፉ ዓየይትን ዋላ ሓንቲ ኣይነገርኩን ነበርኩ እሞ፡ እቶም መኳንንቲ+ ናበይ ከም ዝኸድኩን እንታይ እገብር ከም ዝነበርኩን ኣይፈለጡን ነበሩ። 17  ድሕርዚ፡ “ኣብ ከመይ ዝበለ ሕማቕ ኵነታት ከም ዘለና፡ የሩሳሌም ከመይ ዓንያ ኸም ዘላን ኣፍ ደገታታ ብሓዊ ነዲዱ ኸም ዘሎን ክትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ውርደት እዚ ምእንቲ ኸይቅጽልሲ፡ ንዑ ንመካበብያ የሩሳሌም ዳግም ንህነጾ” በልክዎም። 18  እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ ከም ዝዀነትን+ እቲ ንጉስ እተዛረበኒ ዘረባን ከኣ ነገርክዎም።+ ሽዑ፡ “ንተንስእ እሞ ንህነጽ” በሉ። ስለዚ፡ ንጽቡቕ ስራሕ በርትዑ።*+ 19  ሳንባላጥ እቲ ሖሮናውን ጦብያ+ እቲ ዓሞናዊ+ ብዓል ስልጣንን* ጌሸም እቲ ዓረብን+ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣላገጹልናን+ ነዓቑናን፣ “እንታይ ኢኹም እትገብሩ ዘለኹም፧ ካብ ንጉስ ዲኹም እትዓልዉ ዘለኹም፧” ከኣ በሉና።+ 20  ኣነ ግና፡ “ኣምላኽ ሰማያት ኬቕንዓልና እዩ፣+ ንሕና ገላዉኡ ድማ ተንሲእና ኽንሃንጽ ኢና። ንስኻትኩም ግና ኣብ የሩሳሌም ግደን ግቡእን መዘከርታን* የብልኩምን” ኢለ መለስኩሎም።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ወይ፡ “ንግስቲ።”
ወይ፡ “ስግር ኤፍራጥስ።”
ወይ፡ “ዱር ንጉስ።”
ወይ፡ “ቤተ መቕደስን።”
ቃ.ቃ.፡ “ጊልያን።”
ወይ፡ “ርባ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣእዳዎም ኣበርትዑ።”
ቃ.ቃ.፡ “ጊልያን።”
ወይ፡ “መሰልን።”