ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ቲቶስ 2:1-15

ትሕዝቶ

  • ንንኣሽቱን ንዓበይትን ዚኸውን ጥዑይ ትምህርቲ (1-15)

    • ረሲእነት ንሕደግ (12)

    • ንሰናይ ግብሪ ንቕናእ (14)

2  ንስኻ ግና ምስቲ ጥዑይ* ትምህርቲ ዚሰማማዕ ተዛረብ።+  ኣረገውቲ ሰብኡት ወራዙት፡* ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነትን ብፍቕርን ብተጻዋርነትን ጥዑያት ይኹኑ።  ኣረገውቲ ኣንስቲ እውን ከምኡ ብቕድስና ዚነብራ፡ ዘይሓመይቲ፡ ንብዙሕ ወይኒ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ይኹና፣  በዚ ኸምዚ ነተን ንኣሽቱ ኣንስቲ ንሰብኡተን ኬፍቅራ፡ ንውሉዳተን ኬፍቅራ ይምከራአን፣*  ለባማት፡ ንጹሃት፡ ኣብ ቤተን ዚዓይያ፡* ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚግዝኣ+ ኪዀና እውን ይምከራአን።* እዚ ዚግበር ድማ፡ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍ እዩ።  ንኣጕባዝ እውን ከምኡ ለባማት ኪዀኑ ብቐጻሊ ተማሕጸኖም።+  ብዅሉ ነገር ኣርኣያ ሰናይ ግብሪ ኹን። ብዅሉ ርዝነት ንጹህ ዘበለ* ምሃር፣+  ኪንቀፍ ዘይከኣል ጥዑይ* ዘረባ ተዛረብ፣+ እዚ ድማ እቶም ተጻረርቲ ብዛዕባና ዚብልዎ ኣሉታዊ* ነገር ስኢኖም ምእንቲ ኺሓፍሩ እዩ።+  ባሮት ንዋናታቶም ብዅሉ ይገዝእዎም፡+ ባህ የብልዎም፡ ኣይታረኽዎም፡ 10  ኣይስረቕዎም፣+ የግዳስ፡ ብዅሉ ንትምህርቲ እቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ ኺስልሙ፡+ ምሉእ ብምሉእ እሙናት ይኹኑ። 11  ከመይሲ፡ እቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ድሕነት ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ ኣሎ።+ 12  እዚ ኸኣ፡ ረሲእነትን ዓለማዊ ትምኒትን ሓዲግና፡+ ኣብዚ ስርዓት* እዚ ብልብምናን ብጽድቅን ንኣምላኽ ብዘሎና ተወፋይነትን ክንነብር የሰልጥነና።+ 13  ነቲ ዜሐጕስ ተስፋን+ ነቲ ኽቡር ግህደት እቲ ዓብዪ ኣምላኽን እቲ መድሓኒና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን እናተጸበና ድማ ኢና ነዚ እንገብር። 14  ክርስቶስ ካብ ኵሉ ጥሕሰት ሕጊ ናጻ ምእንቲ ኼውጽኣና፡*+ ንርእሱ እውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእ ፍሉይ ጥሪቱ ዝዀነ ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ፡+ ምእንታና ገዛእ ርእሱ ሂቡ እዩ።+ 15  እዚ ብምሉእ ስልጣን ተዛረብን ምዓድን* ግናሕን።+ ሓደ እኳ ኣይንዓቕካ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ጠቓሚ።”
ወይ፡ “ጥንቁቓት፣ ሚዛናዊ ዝልማዶም።”
ወይ፡ “የለብማአን፣ የሰልጥናአን።”
ወይ፡ “ቤተን ዚኣልያ።”
ወይ፡ “የለብማአን፣ የሰልጥናአን።”
ወይ፡ “ብንጽህና” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ጠቓሚ።”
ወይ፡ “ኽፉእ።”
ወይ፡ “መዋእል።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ምእንቲ ኺብጀወና።”
ወይ፡ “ኣተባብዕን።”