ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ቈሎሴ 2:1-23

ትሕዝቶ

  • ቅዱስ ምስጢር ኣምላኽ፡ ክርስቶስ (1-5)

  • ካብ መታለልቲ ተጠንቀቑ (6-15)

  • እቲ ናይ ሓቂ፡ ክርስቶስ እዩ (16-23)

2  ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያ+ ዘለዉን ምእንቲ እቶም ብኣካል ዘይረኣዩንን፡* ከመይ ዝበለ ዓብዪ ገድሊ ኸም ዘሎኒ ኽትፈልጡ ኸኣ እደሊ ኣለኹ።  እዚ ድማ ልቦም ተጸናኒዑ+ ብፍቕሪ ኺሰምሩ እሞ፡+ ካብቲ ምሉእ ብምሉእ እተረጋገጸ ምስትውዓል ዚርከብ ኵሉ ሃብቲ ምእንቲ ኺህልዎም፡ ልክዕ ፍልጠት እቲ ቕዱስ ምስጢር ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ እውን ምእንቲ ኺረኽቡ ኢለ እየ።+  ኣብኡ ኸኣ ብዘሎ መዛግብቲ ጥበብን ፍልጠትን ተሰዊሩ ኣሎ።+  ሓደ እኳ ብዚሓብል ዘረባ ኸየታልለኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘለኹ።  ብኣካል እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየለኹ፡ ብመንፈስ ግና ምሳኻትኩም እየ፣ ስርዓትኩምን+ ጽንዓት እታ ብክርስቶስ ዘላትኩም እምነትን እናረኣኹ እውን እሕጐስ ኣለኹ።+  እምበኣር፡ ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ምስኡ ብሓድነት ተመላለሱ፣  ከምቲ እተመሃርኩምዎ፡ ኣብኡ ሱር ስደዱን ተሃነጹን+ ብእምነት ጽንዑን፡+ ብምስጋና እውን ዕዙዛት ኩኑ።+  ኣብ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ስርዓት ሰብን ኣብ መባእታዊ ነገራት ዓለምን እተመስረተ ፍልስፍናን ከንቱ ጥበራን+ ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡* ተጠንቀቑ።  ከመይሲ፡ ኵሉ ምልኣት መለኮታዊ ባህርይ ብጭቡጥ ኣብ ክርስቶስ እዩ ዚሓድር።+ 10  ንስኻትኩም እውን ብእኡ፡ በቲ ርእሲ ዅሉ መንግስትን ስልጣንን፡ ምልኣት ረኺብኩም ኣለኹም።+ 11  በቲ ምስኡ ዘሎኩም ርክብ ከኣ በታ ብዘይ ኢድ፡ ስጋዊ ሰብነት ብምቕንጣጥ እትግበር ግዝረት፡+ በታ ናይ ክርስቶስ ግዝረት ተገዚርኩም ኢኹም።+ 12  ብጥምቀቱ ምስኡ ተቐቢርኩም ኢኹም፣+ በቲ ምስኡ ዘሎኩም ርክብ እውን በታ ኣብቲ ሓያል ግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ+ ዘላትኩም እምነት ብሓባር ተንሲእኩም ኢኹም።+ 13  ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን ምዉታት እኳ እንተ ነበርኩም፡ ኣምላኽ ምስኡ ህያዋን ገይሩኩም እዩ።+ ንሱ ንዅሉ ኣበሳና ብለውሃት ይቕረ ኢሉልና እዩ፣+ 14  ነቲ ትእዛዛት ዝሓዘን+ ዚቃወመናን+ ብኢድ እተጻሕፈ ሰነድ+ ከኣ ደምሲስዎ እዩ። ንዕኡ ኣብ ጕንዲ ስቅያት* ሸንኪሩ ድማ ኣርሒቕዎ እዩ።+ 15  ንመንግስትታትን ንስልጣናትን ቀንጢጡ፡ ኣብ ዓጀባ ዓወት ብእኡ* እናመርሖም፡ ብግህዶ ኸም እተሳዕሩ ኣርእዩ እዩ።+ 16  እምበኣር፡ ብብልዕን ብመስተን፡+ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡+ ወይ ብሰንበት+ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም። 17  እዝስ ነቲ ዚመጽእ ጽላሎቱ እዩ፣+ እቲ ናይ ሓቂ ግና ክርስቶስ እዩ።+ 18  ናይ ሓሶት ትሕትናን ኣምልኾ መላእኽትን ዚፈቱ ሓደ እኳ ኣብቲ ዝረኣዮ ነገር “መርገጹ ብምግባር”* ሽልማትኩም+ ኣይከልክልኩም። ንሱ ብስጋዊ ኣተሓሳስባኡ ብኸንቱ ይንፋሕ እዩ፣ 19  ኣብቲ ርእሲ እውን ኣይጸንዕን እዩ።+ በቲ ርእሲ እቲ፡ ብዘሎ እቲ ሰብነት ይምገብ፡ ብመላግቦን ጅማትን ከኣ ይገጣጠም እዩ፣ ካብ ኣምላኽ ብእተዋህበ ዕቤት እውን ይዓቢ እዩ።+ 20  ንመባእታዊ ነገራት ዓለም ብዚምልከት ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡+ ስለምንታይ ደኣ ገና ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዝዀንኩም ኴንኩም እናነበርኩም፡ 21  “ኣይትሓዝ፡ ኣይትጥዓም፡ ኣይትተንኪ” ዚብል ትእዛዛት እትግዝኡ፧+ 22  እዚ ኸም ናይ ሰብ ዝበለ ትእዛዛትን ትምህርትታትን እዚ፡ ምስ ተገብረ፡ ኵሉ ይጠፍእ እዩ።+ 23  እዚ ብፍቓድ ርእስኻ ዚግበር ኣምልኾን ናይ ሓሶት ትሕትናን ምሕሳም ሰብነትን+ መልክዕ ጥበብ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ትምኒት ስጋ ንምቅላስ ግና ኣይጠቅምን እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ምእንቲ እቶም ገጸይ ብስጋ ዘይረኣዩን።”
ወይ፡ “ዘሚቱ ኸይወስደኩምሲ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ማለት፡ በቲ ጕንዲ ስቅያት። ወይ፡ ብክርስቶስ ኪኸውን ይኽእል።
ካብ ኣረማዊ ምስጢራዊ ጽምብል እተጠቕሰ።