ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ሮሜ 9:1-33

ትሕዝቶ

  • ጳውሎስ በቶም ብስጋ እስራኤላውያን እተሰምዖ ጓሂ (1-5)

  • ናይ ሓቂ ዘርኢ ኣብርሃም (6-13)

  • ኣምላኽ ዚገብሮ ሕርያ ኣብ ሕቶ ዚኣቱ ኣይኰነን (14-26)

    • ኣቕሑ ቝጥዓን ኣቕሑ ምሕረትን (22, 23)

  • ተረፍ ጥራይ ይድሕን (27-29)

  • እስራኤል ተዓንቀፈ (30-33)

9  ብክርስቶስ ሓቂ እዛረብ ኣለኹ፣ ኣይሕሱን እየ ዘለኹ፣ ከመይሲ፡ ሕልናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ ኣሎ።  ኣብ ልበይ ብዙሕ ጓህን ዘየቋርጽ ስቓይን ኣሎ።  ከመይሲ፡ ኣነ ንባዕለይ ምእንቲ ኣሕዋተይ፡ ማለት ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣዝማደይ፡ ከም ርጉም ኰይነ ኻብ ክርስቶስ ክፍለ ምደለኹ፣  ንሳቶም እስራኤላውያን እዮም። ውሉድነትን+ ክብርን ኪዳናትን+ ምቕባል ሕግን+ ቅዱስ ኣገልግሎትን+ ተስፋታትን+ ናታቶም እዩ።  ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፣+ ክርስቶስ እውን ብስጋ ኻባታቶም እዩ።+ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዝዀነ ኣምላኽ ንዘለኣለም ይወደስ። ኣሜን።  ግናኸ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ዀይኑ ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ኵሎም እቶም ካብ እስራኤል ዘበሉ፡ እስራኤላውያን ማለት ኣይኰኑን።+  ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀኑ እውን፡ ኵላቶም ውሉዳት ኣይኰኑን፣+ የግዳስ፡ “ብይስሃቅ እዩ ዘርእኻ ዚጽዋዕ” እዩ ተባሂሉ።+  ማለት፡ እቶም በቲ ተስፋ ውሉዳት ዝዀኑ ደኣ እዮም ከም ዘርኢ ዚቝጸሩ እምበር፡+ እቶም ብስጋ ውሉዳት ዝዀኑስ ውሉዳት ኣምላኽ ኣይኰኑን።+  እቲ ቓል ተስፋስ ከምዚ እዩ ዚብል፦ “ከምዛ ግዜ እዚኣ ኽመጽእ እየ፣ ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ።”+ 10  ሽዑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ርብቃ እውን ካብ ሓደ፡ ማለት ካብ ኣቦና ይስሃቅ፡ ማናቱ ምስ ጠነሰት፡+ 11  ንሕርያ ዚምልከት ዕላማ ኣምላኽ፡ ካብቲ ጸዋዒ እምበር፡ ካብ ግብሪ ምእንቲ ኸይከውን፡ ከይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይስ ክፉእ እውን ከይገበሩ ኸለዉ፡ 12  “እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ” ተባሂሉ እዩ ተነጊርዋ።+ 13  ከምቲ፡ “ንያእቆብ ኣፍቂረዮ፡ ንኤሳው ግና ጸሊአዮ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+ 14  እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ ኣሎ፧ ያእ ኣይፋልን!+ 15  ንሙሴስ፡ “ንዝምሕሮ ኽምሕሮ፡ ንዝርሕርሓሉ እውን ክርሕርሓሉ እየ” ኢልዎ እዩ።+ 16  እምበኣርሲ፡ ኣብቲ ዚምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ኣብ ድሌት ወይ ጻዕሪ ሰብ* ኣይኰነን ዚምርኰስ።+ 17  እቲ ቕዱስ ጽሑፍሲ ንፈርኦን፡ “ሓይለይ ኣባኻ ምእንቲ ኸርኢ፡ ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣንቢረካ” ይብሎ እዩ።+ 18  እምበኣርሲ፡ ንዝደለዮ ይምሕሮ፡ ንዝደለዮ እውን ኪተርር ይሓድጎ።+ 19  ስለዚ፡ “ስለምንታይ ደኣ ሕጂ እውን ዚነቅፍ፧ ንፍቓዱኸ መን ይቃወሞ፧” ክትብለኒ ኢኻ። 20  ኣታ ሰብ፡ ንኣምላኽ እትመላለሶኸ ንስኻ መን ኢኻ፧+ ቅርጺዶ ንቐራጺኡ፡ “ስለምንታይ ከምዚ ጌርካኒ፧” ይብሎ እዩ፧+ 21  ሰራሕ ካይላዶ ኻብ ሓደ ጸብሪ ገሊኡ ንኽብሪ፡ ገሊኡ እውን ንሓሳር ዚኸውን ኣቕሑ ኺሰርሕ፡ ኣብቲ መሬት ስልጣን የብሉን እዩ፧+ 22  ኣምላኽ ቍጥዓኡ ኼርእን ሓይሉ ኼፍልጥን ደልዩስ፡ ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቕሑ ቝጥዓ ብብዙሕ ዓቕሊ እንተ ጾሮምከ፧ 23  እዚ ኸኣ ነቶም ኣቐዲሙ ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቕሑ ምሕረት፡+ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኼፍልጦም ኢሉ እንተ ዀነኸ፧ 24  ማለት፡ ንዓና ኻብ ኣይሁድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣህዛብ እውን ንዝጸውዓና፡+ እዚ ኼፍልጠና ኢሉ እንተ ዀነኸ፧ 25  ከምቲ ኣብ ሆሴእ፡ “ነቲ ዘይህዝበይ፡+ ‘ህዝበይ’ ክብሎ እየ፣ ነታ ዘይፍቕርቲ እውን፡ ‘ፍቕርቲ’ ኽብላ እየ፣+ 26  ኣብታ፡ ‘ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኰንኩምን’ እተባህለትሎም ቦታ ድማ፡ ኣብኣ፡ ‘ደቂ ህያው ኣምላኽ’ ኪብሃሉ እዮም” ዚብሎ እዩ።+ 27  ኢሳይያስ እውን ብዛዕባ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ይጭድር እዩ፦ “ቍጽሪ ደቂ እስራኤል ከም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነ፡ ተረፍ ጥራይ እዩ ዚድሕን።+ 28  ከመይሲ፡ የሆዋ* ኣብ ምድሪ ኺጸባጸብ እዩ፡ ኪውድኦን ኬሕጽሮን* ከኣ እዩ።”+ 29  ከምኡ ድማ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ፡ “የሆዋ* ጐይታ ሰራዊት ዘርኢ እንተ ዘይሓድገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና፡ ንጎሞራ እውን ምመሰልና ኔርና” ዝበሎ እዩ።+ 30  እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ ኣህዛብ፡ ጽድቂ እኳ እንተ ዘይሰዓቡ፡ ናብቲ ጽድቂ በጺሖም እዮም፣+ እዚ ኸኣ እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ እዩ፣+ 31  እስራኤል ግና ንጽድቂ ሕጊ እኳ እንተ ሰዓበ፡ ናብቲ ሕጊ ኣይበጽሐን። 32  ስለምንታይ፧ ብእምነት ዘይኰነስ፡ ብግብሪ እዮም ስዒቦም። በቲ “እምኒ መዐንቀፊ” ተዓንቂፎም እዮም፣+ 33  ከምቲ፡ “እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ+ መዐንቀፍን ከውሒ መሐንኰልን አንብር ኣለኹ፣ ብእኡ ዚኣምን ግና ኣይኪሓፍርን እዩ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣብቲ ዚደሊ ዀነ ዚጐዪ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ብቕልጡፍ ኪፍጽሞን።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።