ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ሮሜ 2:1-29

ትሕዝቶ

  • ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ኣይሁድን ግሪኻውያንን (1-16)

    • ሕልና ዚዓይየሉ መገዲ (14, 15)

  • ኣይሁድን ሕግን (17-24)

  • ግዝረት ልቢ (25-29)

2  ስለዚ፡ ኣታ ሰብ፡ መንነትካ ብዘየገድስ፡+ እንተ ፈሪድካ፡ እተመኻንዮ የብልካን፣ ከመይሲ፡ ኣታ እትፈርድ፡ ንስኻ እውን ከምኡ ስለ እትገብር፡ ንኻልእ ክትፈርድ ከለኻ፡ ንርእስኻ ትዅንን ኣለኻ።+  ኣብቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዚገብሩ ዚወርድ ፍርዲ ኣምላኽሲ ምስ ሓቂ ኸም ዚሳነ ንፈልጥ ኢና።  ኣታ ሰብ፡ ኣብቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዚገብሩ ኽትፈርድ ከለኻስ፡ ንስኻ ኻብ ፍርዲ ኣምላኽ እተምልጥዶ ይመስለካ ኣሎ፧  ወይስ ኣምላኽ ብለውሃቱ ናብ ንስሓ ኺመርሓካ ይፍትን ከም ዘሎ ሰኣን ምፍላጥካስ፡+ ሃብቲ ለውሃቱን+ ተጻዋርነቱን+ ዓቕሉንዶ+ ትንዕቕ ኣለኻ፧  ግናኸ፡ ብትርኻን በቲ ዘይንሳሕ ልብኻን፡ ነቲ ብመዓልቲ ቝጥዓን ምግላጽ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽን ዚወርድ ቍጥዓ ኣብ ርእስኻ ትእክብ ኣለኻ።+  ንሱ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ፦+  ነቶም ብተጻዋርነት ሰናይ እናገበሩ ግርማን ክብርን ዘይምሕላፍን+ ዚደልዩ ናይ ዘለኣለም ህይወት፣  ነቶም ነግራማትን ንዓመጻ እናተኣዘዙ ንሓቂ ዘይእዘዙን ግና ቍጥዓን መዓትን።+  እከይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ሰብ፡* ጸበባን ጭንቅን ኪወርዶ እዩ፣ ቅድም ንኣይሁዳዊ፡ ከምኡ ኸኣ ንግሪኻዊ፣ 10  ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ግና፡ ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሃቦ እዩ፣ ቅድም ንኣይሁዳዊ፡+ ከምኡ ኸኣ ንግሪኻዊ።+ 11  ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ የልቦን።+ 12  ኵሎም እቶም ብዘይ ሕጊ ዝሓጥኡስ፡ ብዘይ ሕጊ ኺጠፍኡ እዮም፣+ ኵሎም እቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝሓጥኡ ግና፡ ብሕጊ ኺፍረዱ እዮም።+ 13  ኣብ ቅድሚ ኣምላኽሲ እቶም ገበርቲ ሕጊ ደኣ እዮም ዚጸድቁ* እምበር፡ እቶም ሰማዕቲ ሕግስ ጻድቃን ኣይኰኑን።+ 14  እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ ብባህርዮም ነቲ ሕጊ ኺገብርዎ ኸለዉ፡ ንሳቶም ሕጊ ዘይብሎም ክነሶም፡+ ንርእሶም ሕጊ እዮም። 15  ሕልናኦም ምሳታቶም ኰይኑ እናመስከረሎም፡ ሓሳቦም እውን እናኸሰሶም ወይ እናኣመኻነየሎም፡ እቲ ሕጊ ዚሓትቶ ግብሪ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ። 16  እዚ፡ ከምቲ ኣነ ዘበስሮ ብስራት፡ በታ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ንምስጢራት ሰብ ዚፈርደላ መዓልቲ ኪኸውን እዩ።+ 17  ንስኻ ብስም ኣይሁዳዊ እንተ ዄንካ፡+ ብሕጊ ኸኣ እንተ ተኣሚንካ፡ ብኣምላኽ ድማ እንተ ተመኪሕካ፡ 18  ፍቓዱ ኸኣ እንተ ፈሊጥካ፡ ካብ ሕጊ ስለ እተመሃርካ* እውን እቲ ብሉጽ እንተ ኣለሊኻ፡+ 19  መራሕ ዕዉራትን ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ብርሃንን ምዃንካ ድማ እንተ ኣሚንካ፡ 20  ኣራሚ ዓያሹን መምህር ቈልዑን ምዃንካ ኸኣ እንተ ኣሚንካ፡ ኣብ ሕጊ እውን ቅርጺ ፍልጠትን ሓቅን ተስተውዕል እንተ ዄንካ፡— 21  ግናኸ፡ ኣታ ንኻልእ እትምህር፡ ንርእስኻስ ኣይትምህራንዶ፧+ ኣታ፡ “ኣይትስረቕ”+ ኢልካ እትሰብኽ፡ ትሰርቕዶ፧ 22  ኣታ፡ “ኣይትዘሙ”+ እትብል፡ ትዝሙዶ፧ ኣታ ንጣኦታት እትፍንፍን፡ ካብ ኣብያተ መቕደስ ትሰርቕዶ፧ 23  ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፡ ነቲ ሕጊ ብምጥሓስ ንኣምላኽ ተሕስሮዶ፧ 24  ከምቲ ጽሑፍ ዚብሎስ፡ “ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ይጽረፍ ኣሎ።”+ 25  ግዝረትሲ+ ሕጊ እንተ ሓሊኻ ጥራይ እዩ ዚጠቅም፣+ ጠሓስ ሕጊ እንተ ዄንካ ግና፡ ግዝረትካ ዘይግዝረት እዩ ዚኸውን። 26  እምበኣር፡ ሓደ ዘይግዙር+ ነቲ ብሕጊ ዚድለ ስርዓታት ጽድቂ እንተ ሓልይዎ፡ እቲ ዘይምግዛሩ ኸም ግዝረት ኰይኑዶ ኣይቍጸረሉን እዩ፧+ 27  እቲ ብስጋ ዘይተገዝረ፡ ነቲ ሕጊ ብምፍጻሙ፡ ንዓኻ፡ ጽሑፍ ሕግን ግዝረትን ዘሎካ ኽነስኻ ጠሓስ ሕጊ ንዝዀንካ፡ ኪፈርደካ እዩ። 28  ከመይሲ፡ እቲ ብደጊኡ ኣይሁዳዊ፡ ኣይሁዳዊ ኣይኰነን፣+ እቲ ብደገ ኣብ ስጋ ዚግበር ግዝረት እውን፡ ግዝረት ኣይኰነን።+ 29  እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ግና፡ ኣይሁዳዊ እዩ፣+ ግዝረቱ ኸኣ ግዝረት ልቢ+ ብመንፈስ እዩ እምበር፡ ብጽሑፍ ሕጊ ኣይኰነን።+ ውዳሰኡ እውን ካብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይኰነን።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እከይ ንእትገብር ዘበለት ኵላ ነፍሲ ሰብ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ጸደቐ” ርአ።
ወይ፡ “ካብ ሕጊ ብኣፍ ስለ እተመሃርካ።”