ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ሮሜ 15:1-33

ትሕዝቶ

  • ከምቲ ክርስቶስ ዝገበሮ፡ ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ (1-13)

  • ጳውሎስ፡ ኣገልጋሊ ኣህዛብ (14-21)

  • መደባት ጕዕዞ ጳውሎስ (22-33)

15  ንሕና እቶም ብርቱዓት ዝዀንና፡ ንርእስና ባህ ከነብል ዘይኰነስ፡+ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር ይግብኣና እዩ።+  ነፍሲ ወከፍና ንብጻዩ ኺሃንጾስ፡ ብሰናይ ባህ የብሎ።+  ከመይሲ፡ ከምቲ፡ “ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻ ኣባይ ወዲቑ” ዚብል እተጻሕፈ፡+ ክርስቶስ እኳ ንርእሱ ባህ ኣየበለን።+  ብተጻዋርነትናን+ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡+ እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ።+  እቲ ተጻዋርነትን መጸናንዕን ዚህብ ኣምላኽ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ንክርስቶስ የሱስ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ይሃብኩም፣  እዚ ድማ ሓቢርኩም+ ብሓደ ድምጺ፡* ንኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኸተኽብሩ እዩ።  ስለዚ፡ ምእንቲ ኽብሪ ኣምላኽ፡ ከምቲ ክርስቶስ እተቐበለና፡+ ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ።+  ከመይሲ፡ ክርስቶስ፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ምእንቲ ኼርኢ ኢሉ ኣገልጋሊ እቶም እተገዝሩ ኸም ዝዀነ እብለኩም ኣለኹ፣+ እዚ ኸኣ ነቲ ኣቦታቶም እተተስፈውዎ ተስፋታት ምእንቲ ኼጽንዖ፡+  ኣህዛብ ድማ ንኣምላኽ ስለ ምሕረቱ ምእንቲ ኼመስግንዎ እዩ።+ ከምቲ፡ “ስለዚ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክውድሰካ፡ ንስምካ እውን ውዳሰ ኽዝምር እየ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+ 10  ከም ብሓድሽ እውን፡ “ኣቱም ኣህዛብ፡ ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ” ይብል።+ 11  መሊሱ ኸኣ፡ “ኵልኹም ኣህዛብ፡ ንየሆዋ* ወድስዎ፣ ኵሎም ህዝብታት እውን ይወድስዎ” ይብል።+ 12  ከም ብሓድሽ ድማ ኢሳይያስ፡ “እቲ ሱር እሴይ፡+ እቲ ንኣህዛብ ኪገዝእ ዚትንስእ ከኣ ኪመጽእ እዩ፣+ ኣህዛብ ኣብኡ ተስፋ ኺገብሩ እዮም”+ ይብል። 13  ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተስፋኹም ምእንቲ ኽትዓዝዝሲ፡ እቲ ተስፋ ዚህብ ኣምላኽ በቲ ኣብኡ ዘሎኩም እምነት ኣቢሉ ብዅሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእኩም።+ 14  ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባኻትኩምሲ ሰናይ* ከም ዝመልኣኩም፡ ብዅሉ ፍልጠት ድማ ከም እተመላእኩም፡ ንሓድሕድኩም እውን ክትማዓዓዱ* ኸም እትኽእሉ፡ ኣነ ባዕለይ እኣምን እየ። 15  ግናኸ፡ ከም ብሓድሽ ምእንቲ ኸዘኻኽረኩም፡ ብዛዕባ ገለ ነገራት ኣዝየ ደፊረ ጽሒፈልኩም ኣለኹ፣ ከምኡ ዝገበርኩ ድማ፡ ካብ ኣምላኽ ጸጋ ስለ እተዋህበኒ እየ፣ 16  እዚ ኸኣ ንኣህዛብ ኣገልጋሊ ክርስቶስ የሱስ* ምእንቲ ክኸውን እዩ ተዋሂቡኒ።+ እዞም ኣህዛብ እዚኦም ቅቡል መስዋእቲ፡ ማለት ብመንፈስ ቅዱስ እተቐደሱ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣብቲ ቕዱስ ዕዮ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተጸሚደ ኣለኹ።+ 17  እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ዚምልከት ነገራት፡ ብክርስቶስ የሱስ ዝፍስሃሉ ኣሎኒ። 18  ብዘይካ እቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኺእዘዙ ኢሉ ክርስቶስ ብኣይ ኣቢሉ ዝገበሮስ፡ ካልእ ክዛረብ ኣይደፍርን እየ፣ ነዚ ኸኣ ብቓለይን ብግብረይን፡ 19  ብሓይሊ ትእምርትታትን ተኣምራትን፡+ ብሓይሊ መንፈስ ኣምላኽ እዩ ገይርዎ። ስለዚ፡ ካብ የሩሳሌም ክሳብ ኢሊሪኮን፡ ነቲ ብስራት ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ሰቢኸዮ እየ።+ 20  በዚ ኸምዚ፡ ኣብ መሰረት ካልእ ምእንቲ ኸይሃንጽሲ፡ ኣብቲ ስም ክርስቶስ እተፈልጠሉ ዘበለ ኸየበስር እጽዕት ኣለኹ፣ 21  እዚ ድማ ከምቲ፡ “እቶም ብዛዕባኡ ዘይተነግሮም ኪርእይዎ፡ እቶም ዘይሰምዑ እውን ኪርድኡ እዮም” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+ 22  ስለዚ እውን እየ ናባኻትኩም ካብ ምምጻእ ብዙሕ ሳዕ እተኸልከልኩ። 23  ሕጂ ግና ኣብዚ ዞባታት እዚ ዘይተተንከየ ኽሊ የብለይን፣ ናባኻትኩም ክመጽእ ካብ ዝናፍቕ ከኣ ብዙሕ* ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። 24  ስለዚ፡ ናብ ስጳኛ ክኸይድ ከለኹ፡ ክርእየኩም፡ ምሳኻትኩም ምስ ቀነኹ ድማ ከተፋንዉኒ ተስፋ እገብር። 25  ሕጂ ግና ነቶም ቅዱሳት ከገልግል፡ ናብ የሩሳሌም ክኸይድ እየ።+ 26  እቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉስ፡ ነቶም ኣብ መንጎ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ቕዱሳት ዚርከቡ ድኻታት፡ ካብቲ ዘለዎም ብምውጻእ ኬማቕልዎም ፈትዮም ኣለዉ።+ 27  ኣህዛብ ካብቲ መንፈሳዊ በረኸቶም ካብ ተማቐሉስ፡ ንሳቶም እውን ንዓታቶም ብስጋዊ በረኸቶም ኬገልግልዎም ዕዳ ኣለዎም እሞ፡ ከምኡ ኺገብሩ ፈትዮም ኣለዉ፣ እወ፡ ሰብ ዕዳኦም እዮም።+ 28  እምበኣር፡ እዚ ምስ ወዳእኩ፡ ነዚ ውጽኢት* እዚ እውን ምስ ኣረከብክዎም፡ ብኣኻትኩም ኣቢለ ናብ ስጳኛ ክኸይድ እየ። 29  ናባኻትኩም ክመጽእ ከለኹ ኸኣ፡ ብምሉእ በረኸት ክርስቶስ ከም ዝመጸኩም፡ እፈልጥ እየ። 30  ኣሕዋተየ፡ ምሳይ ኴንኩም ምእንታይ ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ክትጋደሉ፡+ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን በታ ኻብ መንፈስ ዝዀነት ፍቕርን እምሕጸነኩም ኣለኹ፣ 31  እዚ ኸኣ ካብቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ዘይኣምኑ ምእንቲ ኽናገፍ፡+ እቲ ናብቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ቕዱሳት ዘቕርቦ ኣገልግሎተይ እውን ብኣታቶም ቅቡል ምእንቲ ኪኸውን፡+ 32  ብፍቓድ ኣምላኽ ድማ ተሓጒሰ ምእንቲ ኽመጸኩምን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽዓርፍን እዩ። 33  እቲ ሰላም ዚህብ ኣምላኽ ምስ ኵላትኩም ይኹን።+ ኣሜን።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣፍ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ሕያውነት።”
ወይ፡ “ክትማሃሃሩ።”
ወይ፡ “ናይ ክርስቶስ የሱስ ኣገልጋሊ ህዝቢ።”
ወይ፡ “ገለ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ፍረ።”