ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ሮሜ 14:1-23

ትሕዝቶ

  • ንሓድሕድኩም ኣይትፋረዱ (1-12)

  • ንኻልእ ኣይትዓንቅፉ (13-18)

  • ሰላምን ሓድነትን ኣስፍኑ (19-23)

14  ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ ተቐበልዎ እምበር፡+ እተፈልየ ርእይቶታት* ኣይትፍረዱ።  ኵሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን ኣሎ፣ እቲ ድኹም ግና ኣሕምልቲ ጥራይ እዩ ዚበልዕ።  ኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ፡ እቲ ዘይበልዕ እውን ነቲ ዚበልዕ ኣይፍረዶ።+  ጊልያ ኻልእ እትፈርድሲ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፧+ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይ ዚወድቕ።+ የሆዋ* ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደውሲ ኺብል እዩ።  እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይርእያ፣+ እቲ ሓደ ኸኣ ንዅላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ ይርእየን፣+ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ሓሳቡ ኣጸቢቑ ይእመነሉ።  እቲ ነታ መዓልቲ ዚሕልዋ፡ ንየሆዋ* ኢሉ እዩ ዚሕልዋ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ፡ ንየሆዋ* ኢሉ እዩ ዚበልዕ፣+ እቲ ዘይበልዕ እውን፡ ንየሆዋ* ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፡ ንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ እዩ።+  ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ጥራይ ኢሉ ዚነብር የልቦን፣+ ንርእሱ ጥራይ ኢሉ እውን ዚመውት ሓደ እኳ የልቦን።  ከመይሲ፡ ብህይወት እንተ ነቢርና፡ ንየሆዋ* ኢልና ኢና እንነብር፣+ እንተ ሞይትና ኸኣ፡ ንየሆዋ* ኢልና ኢና እንመውት። እምበኣር፡ ብህይወት እንተ ነቢርና ወይስ እንተ ሞይትና፡ ናይ የሆዋ* ኢና።+  ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን።+ 10  ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና እሞ፡+ ስለምንታይ ንሓውካ እትፈርድ፧+ ወይስ ስለምንታይ ንሓውካ እትንዕቕ፧ 11  ከመይሲ፡ “‘ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡’+ ይብል የሆዋ፡* ‘ኵሉ ብርኪ ኺምብርከኸለይ፡ ኵሉ ልሳን እውን ኣምላኽ ምዃነይ ኪእመን እዩ’” ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ።+ 12  እምበኣርሲ፡ ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።+ 13  እምበኣር፡ ሓደ እኳ ንሓዉ መዐንቀፊ ወይ መሐንኰሊ ኸይገብረሉ ይወስን እምበር፡+ ደጊም ንሓድሕድና ኣይንፋረድ።+ 14  ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንዕኡ ርኹስ ይዀኖ እምበር፡ ብባዕሉ ርኹስ ዝዀነስ ገለ እኳ ኸም ዘየልቦ፡ ብጐይታና የሱስ እፈልጥን እኣምንን እየ።+ 15  ሓውካ ብብልዕኻ ይጕሂ እንተ ኣልዩ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትመላለስ ዘለኻ።+ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ፡ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮ።+ 16  እምበኣር፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ። 17  መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እምበር፡ ብልዕን መስተን ኣይኰነትን።+ 18  እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዚግዝኦስ፡ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል እዩ፡ ንሰብ እውን ባህ የብል እዩ። 19  እምበኣርሲ፡ ደጊም ሰላም ዜስፍንን+ ንሓድሕድና ዚሃንጽን+ ነገር ንስዓብ። 20  ምእንቲ ብልዕስ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣይተፍርስ።+ ኵሉ ንጹህ እዩ፣ ሰብ በሊዑ ምስ ዜዐንቅፍ ግና፡ እዚ ጐዳኢ* እዩ።+ 21  ሓውካ ዚዕንቀፈሉ ገለ እኳ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ዝሓሸ እዩ።+ 22  እታ ዘላትካ እምነት፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትኹንካ። እቲ ብእተቐበሎ ገይሩ ንርእሱ ዘይፈርድ ሰብ ሕጉስ እዩ። 23  እቲ ዚጠራጠር ግና እንተ በሊዑ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዐ፡ ኵኑን እዩ። ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ዅሉ፡ ሓጢኣት እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ውሽጣዊ ጥርጣረታት” ኪኸውን ይኽእል።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “በደል።”