ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ሮሜ 10:1-21

ትሕዝቶ

  • ጽድቂ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚርከብ (1-15)

    • ብኣፍ ተኣሚኑ (10)

    • ስም የሆዋ ዚጽውዕ ይድሕን (13)

    • ጽቡቓት ኣእጋር ሰበኽቲ (15)

  • ነቲ ብስራት ኣይተቐበልዎን (16-21)

10  ኣሕዋተየ፡ ሃረርታ ልበይን ምእንታኦም ናብ ኣምላኽ ዘቕርቦ ምህለላይንሲ፡ ንሳቶም ኪድሕኑ እዩ።+  ኣብ ልክዕ ፍልጠት እተመስረተ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡+ ኣነ እምስክረሎም እየ።  ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦም፡+ ጽድቂ ርእሶም እውን ኪስርቱ ብምድላዮም፡+ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝእዋን።+  ዚኣምን ዘበለ ጽድቂ ምእንቲ ኺረክብሲ፡+ ክርስቶስ መወዳእታ ሕጊ እዩ።+  ከመይሲ፡ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ብሕጊ ዚርከብ ጽድቂ፡ “እቲ ዚገብሮ ሰብ፡ ብእኡ ብህይወት ኪነብር እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።+  እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ ግና ከምዚ ይብል፦ “ብልብኻ ኸምዚ ኣይትበል፦+ ‘መን ናብ ሰማይ ኪድይብ እዩ፧’+ ማለት ንክርስቶስ ኬውርዶ፣  ወይስ፡ ‘መን ናብ መዓሙቝ ኪወርድ እዩ፧’+ ማለት ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኬምጽኦ።”  ግናኸ እንታይ እዩ ዚብል፧ “እቲ ቓል ቀረባኻ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን እዩ”፣+ ማለት እቲ እንሰብኮ “ቓል” እምነት።  ብኣፍካ እቲ ቓል፡ ማለት የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነጊርካ፡+ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እውን ብልብኻ እንተ ኣሚንካ፡ ክትድሕን ኢኻ። 10  ከመይሲ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑ+ እውን ይድሕን እዩ። 11  እቲ ቕዱስ ጽሑፍሲ፡ “ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይኪሓፍርን እዩ” ይብል እዩ።+ 12  ምኽንያቱ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ ሃብታም* ዝዀነ ሓደ ጐይታ እዩ ዘሎ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ግሪኻውን ፍልልይ የልቦን።+ 13  ማለት፡ “ስም የሆዋ* ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።”+ 14  ግናኸ፡ ነቲ ብእኡ ዘይኣመኑ፡ ከመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ ኸመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ እዮም፧ ብዘይ ሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ እዮም፧ 15  ከምቲ፡ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቓት እየን!” ዚብል እተጻሕፈ፡+ ከይተላእኩኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰብኩ እዮም፧+ 16  ግናኸ፡ ኢሳይያስ፡ “የሆዋ፡* በቲ ኻባና እተሰምዐ* መን ኣሚኑ፧” ይብል እዩ እሞ፡+ ኵላቶም ኣይኰኑን ነቲ ብስራት እተኣዘዙ። 17  እምበኣር፡ እምነት ካብ ምስማዕ እያ።+ ምስማዕ እውን ብቓል ክርስቶስ እዩ። 18  ኣነ ግና ክሓትት፦ ኣይሰምዑን ድዮም፧ እኳ ደኣስ፡ “ደሃዮም ናብ ኵላ ምድሪ፡ መልእኽቶም ድማ ክሳብ ወሰናት ዓለም ወጺኡ።”+ 19  ኣነ ግና ክሓትት፦ እስራኤልከ ኣይፈለጠን ድዩ፧+ ቅድም ሙሴ፡ “ኣነ ህዝቢ ብዘይኰነ ከቕንኣኩም፡ ብዓሻ ህዝቢ እውን ከቘጥዓኩም እየ” ይብል እዩ።+ 20  ኢሳይያስ እውን ደፊሩ፡ “ነቶም ዘይደለዩኒ ተረኺበሎም፣+ ነቶም ዘይሓተቱለይ እውን ተጋሂደሎም” ይብል እዩ።+ 21  ብዛዕባ እስራኤል ግና፡ “ናብ ዘይእዙዝን ተሪርን ህዝቢ ምሉእ መዓልቲ ኣእዳወይ ዘርጊሐሉ” እዩ ዚብል።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ለጋስ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ብዘረባና።”