ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ራእይ 8:1-13

ትሕዝቶ

  • እቲ ሻውዓይ ማሕተም ተፈትሐ (1-6)

  • እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ መለኸት ተነፍሓ (7-12)

  • ሰለስተ ሳዕ ወይለኦም ተባህለ (13)

8  ነቲ ሻውዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡+ ኣብ ሰማይ ኣስታት ፍርቂ ሰዓት ዚኣክል ስቕታ ዀነ።  ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ዝበሉ ሸውዓተ መላእኽቲ ድማ ረኣኹ፣+ ሸውዓተ መለኸት እውን ተዋህቦም።  ካልእ መልኣኽ እውን መጸ እሞ፡ ጽንሃህ ወርቂ ሒዙ ኣብ መሰውኢ ደው በለ፣+ ምስ ጸሎት ኵሎም እቶም ቅዱሳት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ+ ምእንቲ ኬቕርቦ፡ ብዙሕ ዕጣን+ ተዋህቦ።  ትኪ እቲ ዕጣን ከኣ ምስ ጸሎት እቶም ቅዱሳት፡ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓረገ።+  እቲ መልኣኽ ድማ ነቲ ጽንሃህ ወሰዶ፣ ካብ ሓዊ እቲ መሰውኢ መሊኡ ኸኣ፡ ናብ ምድሪ ደርበዮ። ነጐዳታትን ድምጽታትን በርቅታትን+ ምንቅጥቃጥ ምድርን እውን ኰነ።  እቶም ሸውዓተ መለኸት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ+ ኸኣ መለኸት ኪነፍሑ ተዳለዉ።  እቲ ቐዳማይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ። ደም እተሓወሶ በረድን ሓውን ኰነ፡ ናብ ምድሪ እውን ተደርበየ፣+ ሲሶ ምድሪ ኸኣ ነደደ፡ ሲሶ ኣእዋም እውን ነደደ፡ ኵሉ ለምለም ኣትክልቲ ድማ ነደደ።+  እቲ ኻልኣይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ። ከም ዓብዪ ኸረን ዝበለ ኸኣ ብሓዊ እናነደደ ናብ ባሕሪ ተደርበየ።+ ሲሶ ባሕሪ ድማ ደም ኰነ፣+  ሲሶ እቶም ኣብ ባሕሪ ዚነብሩ ህያዋን ፍጡራት* ከኣ ሞቱ፡+ ሲሶ መራኽብ እውን ተሰብራ። 10  እቲ ሳልሳይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ። ዓብዪ ኰዀብ ከም መብራህቲ እናነደደ ኻብ ሰማይ ወደቐ፣ ኣብ ሲሶ ኣፍላግን ዓይኒ ማያትን ከኣ ወደቐ።+ 11  ስም እቲ ኰዀብ ድማ መሪር ተኽሊ ይብሃል። ሲሶ ማያት ከኣ መረረ፣ መሪር ብምዃኑ እውን፡ ብሰሪ እቲ ማይ ብዙሓት ሰባት ሞቱ።+ 12  እቲ ራብዓይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ። ሲሶኦም ምእንቲ ኺጽልምትን+ ሲሶ መዓልቲ ምእንቲ ኸይበርህን ለይቲ እውን ከምኡ ምእንቲ ኪኸውንን፡ ሲሶ ጸሓይን+ ሲሶ ወርሕን ሲሶ ኸዋኽብትን ተወቕዐ። 13  ረኣኹ ድማ፡ ሓደ ኣብ ማእከል ሰማይ ዚዝምቢ ንስሪ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ “ብሰሪ እተን ተሪፈን ዘለዋ ደሃይ መለኸት እቶም መለኸቶም ኪነፍሑ እተቐረቡ ሰለስተ መላእኽቲ፡+ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ወይለኦም!”+ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሲ ዘለዎም ፍጡራት።”