ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ራእይ 7:1-17

ትሕዝቶ

  • ዜጥፍእ ንፋሳት ዝሓዙ ኣርባዕተ መላእኽቲ (1-3)

  • እቶም 144,000 ሕቱማት (4-8)

  • ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ብዙሓት ህዝቢ (9-17)

7  ድሕርዚ፡ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም፡ ኣብ ምድሪ ወይስ ኣብ ባሕሪ ወይስ ኣብ ኦም ዘበለ ንፋስ ከይነፍስ፡ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ኣጽኒዖም ሒዞምዎም ረኣኹ።  ማሕተም እቲ ህያው ኣምላኽ ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ድማ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪዓርግ ከሎ ረኣኹ፣ ንሱ ኸኣ ነቶም ምድርን ባሕርን ኪጐድኡ እተፈቕደሎም ኣርባዕተ መላእኽቲ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸዊዑ፡  “ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሓትሞምሲ፡+ ምድሪ ወይስ ባሕሪ ወይስ ኣእዋም ኣይትጕድኡ” በሎም።+  ቍጽሪ እቶም ሕቱማት ድማ ሰማዕኩ፣ ካብ ኵሉ ነገድ ደቂ እስራኤል+ 144,000+ ሕቱማት፦  ካብ ነገድ ይሁዳ 12,000 ተሓትሙ፣ ካብ ነገድ ሮቤል 12,000፣ ካብ ነገድ ጋድ 12,000፣  ካብ ነገድ ኣሴር 12,000፣ ካብ ነገድ ንፍታሌም 12,000፣ ካብ ነገድ ምናሴ+ 12,000፣  ካብ ነገድ ስምኦን 12,000፣ ካብ ነገድ ሌዊ 12,000፣ ካብ ነገድ ይሳኮር 12,000፣  ካብ ነገድ ዛብሎን 12,000፣ ካብ ነገድ ዮሴፍ 12,000፣ ካብ ነገድ ብንያም 12,000 ተሓትሙ።  ድሕርዚ ረኣኹ፡ እንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን እተኣከቡ፡+ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ህዝቢ፡ ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም+ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን* ደው ኢሎም ረኣኹ፣ ኣብ ኣእዳዎም ከኣ ጨናፍር ስየ ሒዞም ነበሩ።+ 10  “ድሕነት ካብቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኣምላኽናን+ ካብቲ ገንሸልን እዩ”+ እናበሉ ኸኣ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። 11  ኵሎም እቶም መላእኽቲ ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ሽማግለታትን+ እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን ደው ኢሎም ነበሩ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ብገጾም ተደፊኦም ከኣ ንኣምላኽ ከምዚ እናበሉ ሰገዱ፦ 12  “ኣሜን! ውዳሰን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ሓይልን ብርታዐን ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹን።+ ኣሜን።” 13  ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት ድማ፡ “እዞም ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑስ+ እንታዎት እዮም፧ ካበይከ እዮም መጺኦም፧” በለኒ። 14  ኣነ እውን፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ትፈልጥ” በልክዎ። ንሱ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝወጹ እዮም፣+ ነቲ ወለል ዚብል ክዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕድዮምዎ እዮም።+ 15  ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዮም፣ ኣብታ ቤተ መቕደሱ እውን መዓልትን ለይትን የገልግልዎ* ኣለዉ፣ እቲ ኣብቲ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ+ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ኪዝርግሖ እዩ።+ 16  ደጊም ኣይኪጠምዩን፡ ኣይኪጸምኡን እውን እዮም፣ ጸሓይ ኣይኪወቕዖምን፡ ሃሩር እውን ኣይኬንድዶምን እዩ፣+ 17  ከመይሲ፡ እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል+ ኪጓስዮምን+ ናብ ዓይኒ ማያት ማይ ህይወት ኪመርሖምን እዩ።+ ኣምላኽ እውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዝ እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ወይ፡ “ቅዱስ ኣገልግሎት የቕርቡሉ።”