ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ራእይ 22:1-21

ትሕዝቶ

  • ፈለግ ማይ ህይወት (1-5)

  • መደምደምታ (6-21)

    • ‘ንዓ! ማይ ህይወት ብናጻ ውሰድ’ (17)

    • “ጐይታና የሱስ፡ ንዓ” (20)

22  ካብ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን*+ ዝፋን ዚውሕዝ ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ፈለግ ማይ ህይወት ከኣ ኣርኣየኒ፣+  ብማእከል እቲ ጐደና ድማ ይውሕዝ ነበረ። ብኽልቲኡ ሸነኽ እቲ ፈለግ ከኣ፡ ኣብ ወወርሒ እናፈረያ፡ ኣብ ዓመት 12 ሳዕ ዚፈርያ ኣእዋም ህይወት ነበራ። ኣቝጽልቲ እተን ኣእዋም ድማ፡ ፈውሲ ኣህዛብ እዩ።+  ደጊም ከኣ መርገም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ። ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን+ ግና ኣብታ ኸተማ ኪኸውን እዩ፣ ባሮቱ እውን ኬገልግልዎ* እዮም፣  ገጹ ኸኣ ኪርእዩ እዮም፣+ ስሙ እውን ኣብ ግምባሮም ኪኸውን እዩ።+  የሆዋ* ኣምላኽ ድማ ኬብርሃሎም እዩ እሞ፡+ ደጊም ለይቲ ኣይኪኸውንን፡+ መብራህቲ ዀነ ብርሃን ጸሓይ ኣይኬድልዮምን እዩ፣ ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ኪነግሱ እዮም።+  ከምዚ ድማ በለኒ፦ “እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ፣+ እወ፡ የሆዋ፡* እቲ ንነብያት ኪንበዩ ድራኸ ዝገበረ ኣምላኽ፡+ እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ ነገር ንባሮቱ ኼርእዮም፡ መልኣኹ ሰዲዱ እዩ።  እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ።+ እቲ ንቓል ትንቢት እዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እዚኣ ዚሕሉ ዘበለ ሕጉስ እዩ።”+  ነዚ ነገር እዚ ዝሰማዕክዎን ዝረኣኽዎን፡ ኣነ ዮሃንስ እየ። ምስ ሰማዕኩን ምስ ረኣኹን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣእጋር እቲ ነዚ ነገር እዚ ዘርኣየኒ መልኣኽ ክሰግድ ፍግም በልኩ።  ንሱ ግና፡ “ከይትገብሮ ተጠንቀቕ! ኣነስ ከማኻን ከምቶም ኣሕዋትካ ነብያትን ከምቶም ንቓል እዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እዚኣ ዚሕልዉን ባርያ እየ። ንኣምላኽ ደኣ ኣምልኮ” በለኒ።+ 10  ከምዚ ድማ በለኒ፦ “እቲ ምዱብ ግዜ ቐሪቡ እዩ እሞ፡ ንቓል ትንቢት እዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እዚኣ ኣይትሕተሞ። 11  እቲ ዓማጺ ብሕጂ እውን ይዓምጽ፣ እቲ ረሳሕ ከኣ ብሕጂ እውን ይርሳሕ፣ እቲ ጻድቕ ድማ ብሕጂ እውን ይጽደቕ፣ እቲ ቕዱስ ከኣ ብሕጂ እውን ይቀደስ። 12  “‘እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ፡ እቲ ዝህቦ ዓስቢ ምሳይ እዩ።+ 13  ኣልፋን ኦሜጋን፡*+ ቀዳማይን ዳሕራይን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። 14  እቶም ናብተን ኣእዋም ህይወት ኪኸዱ ስልጣን ምእንቲ ኺህልዎም ኢሎም፡+ ናብታ ኸተማ ኸኣ ብኣፍ ደገታት ምእንቲ ኺኣትዉ ኢሎም፡+ ነቲ ወለል ዚብል ክዳውንቶም ዚሓጽቡ ሕጉሳት እዮም።+ 15  እቶም ኣኽላባትን* መናፍስታዊ ተግባራት ዚገብሩን ኣመንዝራታትን* ቀተልቲ ነፍስን ኣምለኽቲ ጣኦትን እቶም ሓሶት ዚፈትዉን ዚሕስዉን ዘበሉ ዅሎምን ከኣ ኣብ ወጻኢ እዮም።’+ 16  “‘ኣነ የሱስ፡ ምእንቲ እተን ጉባኤታት ነዚ ነገር እዚ ኺምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ እየ። ኣነ ሱርን ዘርእን ዳዊት፡+ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እየ።’”+ 17  እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፡+ “ንዓ!” ይብሉ ኣለዉ። እቲ ዚሰምዕ እውን፡ “ንዓ!” ይበል። ዝጸምአ ኸኣ ይምጻእ፣+ ዝደለየ እውን ማይ ህይወት ብናጻ ይውሰድ።+ 18  “ቃል ትንቢት እዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እዚኣ ንዚሰምዑ ዘበሉ እምስክረሎም ኣለኹ፦ ሓደ እኳ ናብዚ እንተ ወሲኹ፡+ ኣምላኽ ኣብዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እዚኣ ተጻሒፉ ዘሎ መዓታት ኪውስኸሉ እዩ፣+ 19  ሓደ እኳ ኻብ ቃል እዚ ኣብዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዘሎ ትንቢት እዚ እንተ ኣጕዲሉ፡ ኣምላኽ ካብተን ኣብዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ተጻሒፈን ዘለዋ ኣእዋም ህይወትን+ ቅድስቲ ኸተማን+ ግዲኡ ኼጕድለሉ እዩ። 20  “እቲ ነዚ ነገር እዚ ዚምስክር፡ ‘እወ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ’ ይብል ኣሎ።”+ “ኣሜን! ጐይታና የሱስ፡ ንዓ።” 21  ጸጋ ጐይታና የሱስ ምስ ቅዱሳት ይኹን።

እግረ ጽሑፍ

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ወይ፡ “ቅዱስ ኣገልግሎት ኬቕርቡሉ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “‘ሀ’ን ‘ፐ’ን።” ኣልፋን ኦሜጋን ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ፊደላት ግሪኽኛ እየን።
ማለት፡ እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ጽያፍ ዚገብሩ።
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።