ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ራእይ 15:1-8

ትሕዝቶ

  • ሸውዓተ መዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ (1-8)

    • መዝሙር ሙሴን እቲ ገንሸልን (3, 4)

15  ኣብ ሰማይ ድማ ካልእ ዓብይን ዜገርምን ትእምርቲ፡ ሸውዓተ መዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ ረኣኹ።+ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ብእኡ ኺፍጸም እዩ እሞ፡ እዚ እቲ ዳሕረዋይ እዩ።+  ምስ ሓዊ እተሓወሰ ኸም መረጼን ዚመስል ባሕሪ ኸኣ ረኣኹ፣+ እቶም ነቲ ኣራዊትን ነቲ ምስሉን+ ነቲ ቝጽሪ ስሙን+ ዝሰዓሩ፡+ መሰንቆታት* ኣምላኽ ሒዞም፡ ኣብ ጥቓ እቲ ባሕሪ መረጼን ደው ኢሎም ረኣኹ።  መዝሙር ሙሴ+ እቲ ባርያ ኣምላኽን መዝሙር እቲ ገንሸልን*+ ከምዚ እናበሉ ዘመሩ፦ “ኣታ ዅሉ እትኽእል+ የሆዋ* ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ።+ ኣታ ንጉስ ዘለኣለም፡+ መገድታትካ ቕኑዕን ሓቅን እዩ።+  ኦ የሆዋ፡* ንስኻ በይንኻ እሙን ኢኻ እሞ፡ ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን እዩ፧+ ቅኑዕ ትእዛዛትካ ተጋሂዱ እዩ እሞ፡ ኵሎም ኣህዛብ ኪመጹን ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱን እዮም።”+  ድሕርዚ ድማ ረኣኹ፡ እታ መቕደስ ድንኳን ምስክር+ ከኣ ኣብ ሰማይ ተኸፍተት፣+  እቶም ሸውዓተ መዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፡+ ጽሩይ ብሩህ በፍታ ተኸዲኖም፡ ዕጣቕ ወርቂ ድማ ኣብ ኣፍ ልቦም ተዓጢቖም ካብታ መቕደስ ወጹ።  ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ከኣ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፡ ቍጥዓ እቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር ኣምላኽ ዝመልአ ሸውዓተ ጭሔሎ ወርቂ ሃቦም።+  እታ መቕደስ ድማ ካብ ክብርን ሓይልን ኣምላኽ እተላዕለ ብትኪ መልአት፣+ እቲ ናይቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ሸውዓተ መዓት+ ክሳዕ ዚውዳእ ከኣ፡ ሓደ እኳ ናብታ መቕደስ ኪኣቱ ኣይከኣለን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ክራራት።”
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።