ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ምሳሌ 31:1-31

ትሕዝቶ

  • ቃላት ንጉስ ልሙኤል (1-31)

    • ክኢላ ሰበይትስ መን ይረኽባ፧ (10)

    • ትግህትን ጻዕረኛን (17)

    • ለውሃት ኣብ ልሳና ኣሎ (26)

    • ደቃን ሰብኣያን ይውድስዋ (28)

    • ውቃበን ጽባቐን ሓላፊ እዩ (30)

31  ቃላት ንጉስ ልሙኤል፡ ኣዲኡ ዝመሃረቶ ኸቢድ መልእኽቲ፦+   ኣታ ወደይ፡ እንታይ እሞ፡ ኣታ ውሉድ ከርሰይ፡ እንታይ እሞ፡ ኣታ ወዲ መብጽዓይ፡ እንታይ እሞ ኽነግረካ እየ፧+   ሓይልኻ ንኣንስቲ ኣይትሃብ፣+ ንነገስታት ዜጥፍእ መገድታት ድማ ኣይትስዓብ።+   ኦ ልሙኤል፡ ንነገስታት ኣይከውንን እዩ፣ ወይኒ ምስታይሲ ንነገስታት ኣይከውንን እዩ፣ “መስተይ ኣበይ ኣሎ፧” ምባል እውን ንገዛእቲ ኣይከውንን እዩ።+   ሰትዮም ሕጊ ኸይርስዑ፡ መሰላት ትሑታት ድማ ከየቕንኑስ፡ ንዓታቶም ኣይከውንን እዩ።   ኣልኮላዊ መስተ ንዚጠፍኡ፡+ ወይኒ ኸኣ ነቶም ኣብ መሪር ጭንቂ ዘለዉ* ሃብዎም።+   ይስተዩ እሞ ድኽነቶም ይረስዑ፣ ሽግሮም ድማ ደጊም ኣይዘክሩ።   ኣብ ክንዲ ዓባስ ተዛረብ፣ ንመሰላት ኵሎም እቶም ዚጠፍኡ ኸኣ ተጣበቕ።+   ተዛረብ እሞ ብጽድቂ ፍረድ፣ ንመሰላት ትሑትን ድኻን ድማ ተጣበቕ።*+ א [ኣሌፍ] 10  ክኢላ* ሰበይትስ መን ይረኽባ፧+ ዋጋኣ ኻብ ናይ ኣዕናቝ* ኣጸቢቑ ይኸብር። ב [ቤት] 11  ሰብኣያ ኻብ ልቡ ይኣምና፣ ዋላ ሓንቲ ዋጋ ዘለዎ ነገር ከኣ ኣይጐድሎን። ג [ጊሜል] 12  ምሉእ መዓልትታት ህይወታ፡ ክፉእ ዘይኰነስ፡ ጽቡቕ ዓስቢ ተምጽኣሉ። ד [ዳሌጥ] 13  ጸምርን በፍታን ትረክብ፣ ደስ ኢልዋ ብኣእዳዋ ትዓዪ።+ ה [] 14  ከም መራኽብ ነጋዳይ እያ፣+ ምግባ ኻብ ርሑቕ ተምጽእ። ו [ዋው] 15  ገና ለይቲ ኸሎ ድማ ትትንስእ፣ ንቤተ ሰባ ምግቢ ተቕርብ፣ ንኣግራዳ ኸኣ ገግዲአን ትህበን።+ ז [ዛይን] 16  ብዛዕባ ግራት ትሓስብ እሞ ትዕድጎ፣ በቲ ብጻዕራ ዝረኸበቶ፡* ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክል። ח [ሔት] 17  ንብርቱዕ ዕዮ ትዕጠቕ፣*+ ቀላጽማ ድማ ተበርትዕ። ט [ጤት] 18  ንግዳ ዜኽስብ ምዃኑ ትርኢ፣ መብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን። י [ዮድ] 19  ኣእዳዋ መዳወርያ የልዕላ፣ ኣእዳዋ ኸኣ መፍተል ይሕዛ።*+ כ [ካፍ] 20  ኢዳ ንትሑት ትዝርግሕ፣ ኣእዳዋ ድማ ንድኻ ትኸፍት።+ ל [ላሜድ] 21  ቤተ ሰባ ዜምውቕ* ክዳውንቲ እተኸድኑ ስለ ዝዀኑ፡ ብሰንኪ ውርጪ ብዛዕባ ቤተ ሰባ ኣይትጭነቕን። מ [ሜም] 22  ንርእሳ ምንጻፍ ዓራት ትገብር። ክዳና በፍታን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን እዩ። נ [ኑን] 23  ሰብኣያ ኣብ ኣፍ ደገታት ከተማ ፍሉጥ እዩ፣+ ኣብኡ ኣብ መንጎ ዓበይቲ እታ ምድሪ ይቕመጥ። ס [ሳሜኽ] 24  ቀምሽ በፍታ ትገብርን ትሸይጥን፣ ንነጋዶ ኸኣ ዕጣቓት ተቕርበሎም። ע [ዓይን] 25  ብርታዐን ግርማን ትለብስ፣ ንመጻኢ ድማ ብምትእምማን ትጥምቶ።* פ [] 26  ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፣+ ሕጊ ለውሃት* ኣብ ልሳና ኣሎ። צ [ጻዴ] 27  ንጥፈት ቤተ ሰባ ትሕሉ፣ እንጌራ ትህኪት ከኣ ኣይትበልዕን።+ ק [ቆፍ] 28  ደቃ ይትንስኡ እሞ ሕጕስቲ ይብልዋ፣ ሰብኣያ ይትንስእ እሞ ይውድሳ። ר [ሬሽ] 29  ብዙሓት ክኢላታት* ኣንስቲ ኣለዋ፣ ንስኺ ግና ንዅለን ትበልጽየን። ש [ሺን] 30  ውቃበ ሓሶት፡ ጽባቐ ድማ ሓላፊ* እዩ፣+ ንየሆዋ እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትውደስ።+ ת [ታው] 31  ስለቲ እትገብሮ፡ ዓስባ ሃብዋ፣*+ ግብራ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገታት ከተማ ይወድሳ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነቶም ነፍሶም እተመረረት።”
ወይ፡ “ንትሑትን ንድኻን ድማ ተማጐተሎም።”
ወይ፡ “ብልጽቲ፣ ንፍዕቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “መርጀን።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “መርጀን” ርአ።
ወይ፡ “ብእቶታ።” ቃ.ቃ.፡ “ካብ ፍረ ኣእዳዋ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሕቘኣ ብብርታዐ ትዕጠቕ።”
መዳወርያን መፍተልን ንምፍታል ወይ ፈትሊ ንምስራሕ ዜገልግል መሳርሒ እዩ።
ቃ.ቃ.፡ “ድርብ።”
ወይ፡ “ንዚመጽእ መዓልቲ ድማ ትስሕቆ።”
ወይ፡ “ፍቕራዊ ትምህርቲ፣ ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕሪ ዚውሃብ ሕጊ።”
ወይ፡ “ብሉጻት፣ ንፉዓት።”
ወይ፡ “ባዶ፣ ከንቱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሃብዋ።”