ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ምሳሌ 3:1-35

ትሕዝቶ

  • ጥበበኛ ኹን፡ ብየሆዋ ኸኣ ተኣመን (1-12)

    • ንየሆዋ ብጥሪትካ ኣኽብሮ (9)

  • ጥበብ ሓጐስ ተምጽእ (13-18)

  • ጥበብ ደሓን ተምጽእ (19-26)

  • ምስ ካልእ ኪህልወካ ዚግባእ ግቡእ ኣካይዳ (27-35)

    • ዚከኣለካ እንተ ዀይኑ፡ ንሰብ ሰናይ ግበር (27)

3  ወደየ፡ ንትምህርተይ* ኣይትረስዓዮ፣ ልብኻ ኸኣ ንትእዛዛተይ ይሓልዎ፣   ከመይሲ፡ ብዙሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውስኸልካ እዩ።+   ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን* ካባኻ ኣይፈለ።+ ኣብ ክሳድካ እሰሮ፣ ኣብ ጽላት ልብኻ ጽሓፎ፣+   ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።+   ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፣*+ ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣይትጸጋዕ።+   ኣብ ኵሉ መገድታትካ ንዕኡ ኣስተብህለሉ፣+ ንሱ ኸኣ ንመገድታትካ ኬቕንዖ እዩ።+   ጥበበኛ ዝዀንካ ኣይምሰልካ።+ ንየሆዋ ፍርሃዮ፡ ካብ ክፉእ ድማ ርሓቕ።   እዚ ንሰብነትካ* ፈውሲ፡ ንኣዕጽምትኻ እውን ሕዳሰ ኪኸውን እዩ።   ንየሆዋ ብጥሪትካን+ ብበዅሪ* ፍርያትካን* ኣኽብሮ፣+ 10  ሽዑ፡ ማዕከናትካ ቕጽጽ ኢሉ ኺመልእ፡+ መዋህለል ወይንኻ* ድማ ብጕዕሽ ወይኒ ኺጅርብብ እዩ። 11  ወደየ፡ ተግሳጽ የሆዋ ኣይትንዓቕ፣+ መግናሕቱ ኸኣ ኣይትፈንፍን።+ 12  ከምቲ ኣቦ ነቲ ደስ ዜብሎ ወዱ ዚገንሖስ፡+ የሆዋ ንዜፍቅሮ እዩ ዚገንሖ።+ 13  ጥበብ ዚረክብ፡ ምስትውዓል እውን ዜጥሪ ሰብ ሕጉስ እዩ፣+ 14  ንዓኣ ምጥራይሲ ብሩር ካብ ምጥራይ፡ ንዓኣ ምኽሳብ ከኣ ወርቂ ኻብ ምኽሳብ ይበልጽ።+ 15  ካብ ኣዕናቝ* ትኸብር፣ እትምነዮ ዅሉ ድማ ኣይወዳደራን። 16  ኣብ የማነይታ ነዊሕ ዕድመ፡ ኣብ ጸጋመይታ ኸኣ ሃብትን ክብርን ኣሎ። 17  ጐደናታታ ባህ ዜብል፡ ኵሉ መገድታታ እውን ሰላማዊ እዩ።+ 18  ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፣ ኣጽኒዖም ዚሕዝዋ ድማ ሕጉሳት ኪብሃሉ እዮም።+ 19  የሆዋ ንምድሪ ብጥበብ ሰረታ።+ ንሰማያት ከኣ ብምስትውዓል ኣቘሞ።+ 20  ብፍልጠቱ መዓሙቝ ማይ ተመቕለ፣ እተደባነወ ሰማያት ድማ ካፋ ኣንጠብጠበ።+ 21  ወደየ፡ ነዚኣተን* ካብ ኣዒንትኻ ኣይተርሕቀን። ንግብራዊ ጥበብን ንምምዝዛንን ሓልወን። 22  ንሳተን ህይወት ኪህባኻ፡* ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ኪዀናኻ እየን። 23  ሽዑ፡ ብደሓን መገድኻ ኽትከይድ ኢኻ፣ እግርኻ እውን ከቶ ኣይክትዕንቀፍን እያ።+ 24  በጥ ምስ በልካ፡ ኣይክትፈርህን ኢኻ፣+ በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካ እውን ጥዑም ኪኸውን እዩ።+ 25  ሃንደበታዊ ሽበራ ዀነ፡+ ኣብ ልዕሊ እኩያት ዚወርድ ህቦብላ ኣይኬፍርሃካን እዩ።+ 26  የሆዋስ ምንጪ እምንቶኻ ኪኸውን፡+ እግርኻ ኸይትተሓዝ ድማ ኪሕልወካ እዩ።+ 27  ክትሕግዝ ዓቕሚ እንተ ኣልዩካ፡*+ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ።+ 28  ንብጻይካ ሕጂ ኽትህቦ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ “ኪድ እሞ ጸኒሕካ ተመለስ! ጽባሕ ክህበካ እየ” ኣይትበሎ። 29  ብጻይካ ኣሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ፡ ውዲት ኣይትእለመሉ።+ 30  ክፉእ ምስ ዘይገበረካ ሰብ፡+ ብዘይ ምኽንያት ኣይትብኣስ።+ 31  ብዓማጺ ሰብ ኣይትቕናእ፣+ ካብ መገድታቱ እውን ሓንቲ እኳ ኣይትምረጽ። 32  የሆዋስ ንጠዋይ ይፍንፍኖ እዩ፣+ ናይ ቀረባ ዕርክነቱ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።+ 33  መርገም የሆዋ ኣብ ቤት እኩይ እዩ፣+ ንቤት ጻድቃን ግና ይባርኻ።+ 34  ንሱስ ንዜላግጹ የላግጸሎም፣+ ንዓቃላት* ግና ሞገስ የርእዮም።+ 35  ጥበበኛታት ክብሪ ኺወርሱ እዮም፣ ዓያሹ ግና ውርደት ኬሞግሱ እዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንሕገይ።”
ወይ፡ “ሓቅን።”
ወይ፡ “ተወከል።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሕምብርትኻ።”
ወይ፡ “ብብሉጽ።”
ወይ፡ “እቶትካን።”
ወይ፡ “መጽመቝ ወይንኻ።”
ቃ.ቃ.፡ “መርጀን።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “መርጀን” ርአ።
ነተን ኣብ ዝሓለፋ ፍቕድታት እተጠቕሳ ባህርያት ኣምላኽ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ንሳተን ንነፍስኻ ህይወት ኪህባኣ።”
ወይ፡ “ኢድካ ኽትሕግዝ ዓቕሚ እንተ ኣልዩዋ።”
ወይ፡ “ንትሑታት።”