ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ምሳሌ 28:1-28

ትሕዝቶ

  • ጸሎት እቲ ዘይሰምዕ፡ ፍንፉን እዩ (9)

  • ዚናዘዝ ምሕረት ይረክብ (13)

  • ከይበደልካ ብቕልጡፍ ዚርከብ ሃብቲ የልቦን (20)

  • ካብ ሽሕጣንሲ መግናሕቲ ይሓይሽ (23)

  • ለጋስ ገለ እኳ ኣይጐድሎን (27)

28  እኩያት ዚሰጕጎም ዘይብሎም ይሃድሙ፣ ጻድቃን ግና ከም ሽደን ኣንበሳ ድምብርጽ ኣይብሎምን።+   ኣብ ሃገር ኣበሳ* ምስ ዚህሉ፡ መሳፍንቲ ይቀያየሩ፣+ ብሓገዝ ኣስተውዓልን ፈላጥን ሰብ ግና፡ መስፍን* ነዊሕ ይቕጽል።+   ንትሑት ዚዕምጽ ድኻስ፡+ ንዅሉ እንጌራ ኸም ዚዅስትር ዝናም እዩ።   ሕጊ ዚሓድጉ፡ ንእኩይ ይውድስዎ፣ ሕጊ ዚሕልዉ ግና፡ ይቝጥዕዎም።+   እኩያት ሰባትሲ ፍትሒ ኺርድኡ ኣይክእሉን፣ ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ኵሉ ኺርድኡ ይኽእሉ።+   ካብቲ መገድታቱ እተበላሸወ ሃብታምሲ፡ ብንጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሓይሽ።+   ኣእምሮኛ ውሉድ ሕጊ ይሕሉ፣ ብጻይ ህሩፋት ግና ንኣቦኡ የዋርዶ።+   ብወለድን+ ብሓረጣን ሃብቱ ዜብዝሕ፡ ነቲ ንድኻ ሞገስ ዜርእዮ ይእክበሉ።+   ሕጊ ምስማዕ ዚኣቢ፡ ጸሎቱ እኳ ፍንፉን እዩ።+ 10  ንቕኑዓት ናብ እኩይ መገዲ ኺኣትዉ ዜስሕቶም፡ ኣብ ጕድጓዱ ይወድቕ፣+ መንቅብ ዘይብሎም ግና ጽቡቕ ይወርሱ።+ 11  ሃብታም ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ጥበበኛ እዩ፣+ ምስትውዓል ዘለዎ ድኻ ግና እንታይነቱ ይፈልጦ።+ 12  ጻድቃን ምስ ዚዕወቱ፡ ዓብዪ ኽብሪ ይኸውን፣ እኩያት ናብ ስልጣን ልዕል ምስ ዚብሉ ግና፡ ሰባት ይሕብኡ።+ 13  ኣበሳኡ ዚሓብእ፡ ኣይሰልጦን፣+ ዚናዘዘሉን ዚሓድጎን ግና፡ ምሕረት ይረክብ።+ 14  ወትሩ ዚጥንቀቕ* ሰብ ሕጉስ እዩ፣ ልቡ ዜትርር ግና፡ ኣብ መዓት ይወድቕ።+ 15  እኩይ ገዛኢ ኣብ ልዕሊ ረዳኢ ኣልቦ ህዝብስ፡ ሕኒን ከም ዚብል ኣንበሳን ተሃንዲዱ ኸም ዚመጽእ ድብን እዩ።+ 16  ምስትውዓል ዘይብሉ መራሒ ንስልጣኑ ብዘይግቡእ ይጥቀመሉ፣+ ረብሓ ሸፈጥ ዚጸልእ ግና፡ ህይወቱ የንውሕ።+ 17  ህይወት ብምጥፋኡ ዕዳ ደም* ዝኸበዶ ሰብ ክሳዕ መቓብር* ይሃድም።+ ሓደ እኳ ኣይደግፎ። 18  ብዘይ ኣበር ዚመላለስ፡ ይድሕን፣+ መገድታቱ ቔናን ዝዀነ ግና፡ ብሃንደበት ይወድቕ።+ 19  ምድሩ ዚከናኸን፡ እኹል እንጌራ ይረክብ፣ ዘይጠቅም ነገራት ዚስዕብ ግና፡ ድኽነት ይጸግብ።+ 20  እሙን ሰብ ብዙሕ በረኸት ይረክብ፣+ ኪህብትም ዚህወኽ ግና፡ ንጹህ ኰይኑ ኣይቅጽልን።+ 21  ኣድልዎ ጽቡቕ ኣይኰነን፣+ ሰብ ግና ምእንቲ ቝራስ እንጌራ ይብድል። 22  ቀናእ* ሰብሲ ድኽነት ከም ዚረኽቦ ኸይፈለጠ፡ ኪህብትም ሃንቀው ይብል። 23  ካብቲ ብልሳኑ ዚሽሕጥሲ፡ ንሰብ ዚገንሕ፡+ ደሓር ዝያዳ ሞገስ ይረክብ።+ 24  ንኣቦኡን ንኣዲኡን ዚዘምት እሞ፡ “በደል ኣይኰነን” ዚብል፡+ መሻርኽቲ እቲ ንሰብ ዜጥፍእ እዩ።+ 25  ስሱዕ ሰብ* ባእሲ የለዓዕል፣ ኣብ የሆዋ ዚጽጋዕ ግና ጽቡቕ ይረክብ።*+ 26  ብልቡ ዚእመን፡ ዓሻ እዩ፣+ ብጥበብ ዚመላለስ ግና፡ የምልጥ።+ 27  ንድኻ ዚህብ፡ ገለ እኳ ኣይጐድሎን፣+ ኣዒንቱ ዚዕምት ግና፡ ብዙሕ ይርገም። 28  እኩያት ናብ ስልጣን ልዕል ምስ ዚብሉ፡ ሰባት ይሕብኡ፣ ምስ ዚጠፍኡ ግና፡ ጻድቃን ይበዝሑ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዕልወት።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሱ።”
ወይ፡ “ዚፈርህ።”
ወይ፡ “ደም ነፍሲ።”
ወይ፡ “ጕድጓድ።”
ወይ፡ “ስሱዕ።”
ወይ፡ “ዕብይቲ ነፍሲ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ይሰብሕ።”