ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ምሳሌ 27:1-27

ትሕዝቶ

  • ናይ ፈታዊ መግናሕቲ ጠቓሚ እዩ (5, 6)

  • ወደየ፡ ንልበይ ኣሐጕሶ (11)

  • ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ (17)

  • ንመጓሰኻ ፍለጠን (23)

  • ሃብቲ ንዘለኣለም ኣይነብርን (24)

27  መዓልቲ እትወልዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ብጽባሕ ኣይትመካሕ።+   ኣፍካ ዘይኰነትሲ፡ ካልእ* ይንኣድካ፣ ከናፍርካ ዘይኰናስ፡ ካልኦት ይንኣዱኻ።*+   እምኒ ኸቢድ እዩ፡ ሑጻ ኸኣ ረዚን እዩ፣ ዓሻ ዜሕርቐካ ሕርቃን ግና ካብ ክልቲኡ ይኸብድ።+   ጭካነ ነድርን ውሒዝ ቍጥዓን ኣሎ፣ ኣብ ቅድሚ ቕንኢ ግና መን ደው ኪብል ይኽእል፧+   ካብ ሕቡእ ፍቕርስ፡ ግሉጽ መግናሕቲ ይሓይሽ።+   ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ፣+ ናይ ጸላኢ ምስዓም ግና ብዙሕ* እዩ።   ሸውሃቱ ዝጸገበ ኣብ ጎጎኡ ዘሎ መዓር ይኣቢ፣* ንዝጠመየ ግና መሪር እኳ ጥዑም ይጥዕሞ።*   ካብ ቤቱ ዚዅብልል ሰብ፡ ከምታ ኻብ ሰፈራ እትዅብልል* ዑፍ እዩ።   ዘይትን ዕጣንን ንልቢ የሐጕሶ፣ ካብ ሓቀኛ ምኽሪ* ዚምንጩ ጥዑም ምሕዝነት ከኣ ከምኡ እዩ።+ 10  ንፈታዊኻ ወይ ንፈታው ኣቦኻ ኣይትሕደጎ፣ ብመዓልቲ መዓትካ ድማ ናብ ቤት ሓውካ ኣይትእቶ፣ ኣብ ርሑቕ ካብ ዘሎ ሓው፡ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጐረቤት ይሓይሽ።+ 11  ወደየ፡ ነቲ ዜባጭወለይ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡+ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይ እውን ኣሐጕሶ።+ 12  ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ፣+ ዘይለበሙ ግና ህሩግ ይብሉ እሞ ብሳዕቤናቱ* ይጕድኡ። 13  ንዘይፈልጦ ንእተዋሕሰ፡ ክዳኑ ውሰደሉ፣ ካብቲ ንጓና ሰበይቲ* ኸምኡ ዝገበረ፡ ትሕጃ ውሰድ።+ 14  ሓደ ሰብ ኣንጊሁ ዓው ኢሉ ንብጻዩ ምስ ዚምርቖ፡ ከም ዝረገሞ እዩ ዚቝጸር። 15  ነግራም* ሰበይቲ ኸምቲ ብመዓልቲ ዝናም ከየቋረጸ ዜልሕዅ ናሕሲ እያ።+ 16  ንዓኣ ኺዓግት ዚኽእልሲ፡ ንንፋስ ኪዓግት፡ ብየማነይቲ ኢዱ ድማ ዘይቲ ኺዓሙዅ ይኽእል እዩ። 17  ከምቲ ሓጺን ንሓጺን ዚስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንፈታዊኡ* ይስሕሎ።+ 18  ንኦም በለስ ዚከናኸን፡ ፍሪኡ ይበልዕ፣+ ንጐይታኡ ዚከናኸን ድማ፡ ይኸብር።+ 19  ከምቲ ማይ ንገጽ ዜንጸባርቖ፡ ልቢ ሓደ ሰብ ከኣ ነቲ ናይቲ ሓደ የንጸባርቖ። 20  መቓብርን ቦታ ጥፍኣትን* ከቶ ኣይጸግቡን፣+ ኣዒንቲ ሰብ እውን ፈጺመን ኣይጸግባን። 21  ከምቲ መምከኺ ቝራዕ ንብሩር፡ እቶን ድማ ንወርቂ ዝዀነ፡+ ከምኡ ኸኣ ሰብ በቲ ዚውሃቦ ውዳሰ ይፍተን።* 22  ንዓሻ ኸም እተጐድአ እኽሊ ኣብ መጕእ ኣእቲኻ ብወዲ መጕእ እንተ ትጐድኦ እኳ፡ ዕሽነቱ ኣይምሓደጎን። 23  ትርኢት መጓሰኻ ኣጸቢቕካ ፍለጥ። ንኣባጊዕካ ተኸናኸነን።*+ 24  ሃብትስ ንዘለኣለም፡ ዘውዲ እውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ።+ 25  ሳዕሪ ይጠፍእ፡ ለቕሚ ይበቍል፣ ኣትክልቲ ኣኽራን ድማ ይእከብ። 26  ገንሸላት* ክዳን ይዀኑኻ፣ ድቤላታት ድማ ዋጋ ግራት ይዀኑኻ። 27  ንምግብኻን ንምግቢ ቤተ ሰብካን ንመነባብሮ ኣግራድካን ዚኣክል ጸባ ጤል ይህሉ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ባዕዲ፣ ዘይትፈልጦ።”
ቃ.ቃ.፡ “ጓና ይንኣድካ።”
ወይ፡ “ናይ ሓሶት፣ ተገዲድካ ዚግበር” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ዝጸገበት ነፍሲ ኣብ ጎጎኡ ዘሎ መዓር ትረግጽ።”
ወይ፡ “ንዝጠመየት ነፍሲ ግና መሪር እኳ ጥዑም ይጥዕማ።”
ወይ፡ “እትሃድም።”
ወይ፡ “ካብ ምኽሪ ነፍሲ።”
ወይ፡ “ብመቕጻዕቲ።”
ወይ፡ “ንጓና።”
ወይ፡ “መኛካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንገጽ ፈታዊኡ።”
ወይ፡ “ሲኦልን ኣባዶንን።”
ወይ፡ “እንታይነቱ ይፍለጥ።”
ወይ፡ “ልብኻ ኣብ ኣባጊዕካ ግበር፣ ንኣባጊዕካ ኣቕልበለን።”
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።