ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ምሳሌ 26:1-28

ትሕዝቶ

  • ሃካይ ከመይ ምዃኑ (13-16)

  • ካብ ባእሲ እንዳ እማትካ ርሓቕ (17)

  • ካብ ዜታልል ጸወታ ርሓቕ (18, 19)

  • ዕንጨይቲ ኣብ ዘይብሉ፡ ሓዊ ይጠፍእ (20, 21)

  • ቃላት ሓማዪ ኸም ጥዑም ኵላሶ እዩ (22)

26  ከም ውርጪ ኣብ ሓጋይ፡ ዝናም ከኣ ኣብ ቀውዒ፡ ከምኡ እውን ክብሪ ንዓሻ ዚግብኦ ኣይኰነን።+   ከምቲ ዑፍ ክትሃድም፡ ለዃዂቶ ድማ ክትነፍር ምኽንያት ዘለዋ፣ ከምኡ ኸኣ መርገም ብዘይ ናይ ሓቂ ምኽንያት ኣይበጽሕን እዩ።*   ሓለንጊ ንፈረስ፡ ልጓም ንኣድጊ፡+ ሻቦጥ ድማ ንዝባን ዓያሹ እዩ።+   ንርእስኻ ኣብቲ ናቱ ደረጃ ኸይትገብርሲ፡* ንዓሻ ኸም ዕሽነቱ ኣይትመልሰሉ።   ጥበበኛ ዝዀነ ኸይመስሎስ፡ ንዓሻ ኸም ዕሽነቱ መልሰሉ።+   እቲ ነገሩ ንዓሻ ብሕድሪ ዚህብሲ፡ ባዕሉ ኣእጋሩ ኸም ዜቝርን ገዛእ ርእሱ ኸም ዚጐድእን* ሰብ እዩ።   ምስላ ኣብ ኣፍ ዓያሹስ፡ ከምተን ለዅሳሳት* ኣእጋር ሓንካስ እዩ።+   ንዓሻ ኽብሪ ምሃብሲ፡ እምኒ ኣብ ወንጭፍ ከም ምእሳር እዩ።+   ምስላ ኣብ ኣፍ ዓያሹስ፡ ከምቲ ኣብ ኢድ ሰኽራም ዘሎ ኣሻዅ ተኽሊ እዩ። 10  ዓሻ ወይ ሓላፍ መገዲ ዚቘጽርሲ፡ ብወዝቢ* ኸም ዜቝስል ቀስተኛ እዩ። 11  ከምቲ ኸልቢ ናብ ትፋኡ ዚምለስ፡ ዓሻ ንዕሽነቱ ይደግሞ።+ 12  ጥበበኛ ዝዀነ ዚመስሎ ሰብ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧+ ካብኡስ ንዓሻ ዝያዳ ተስፋ ኣለዎ። 13  ሃካይ፡ “ኣብ መገዲ ዘይባጽሐ ኣንበሳ ኣሎ፣ ኣብ ኣደባባይ ኣንበሳ ኣሎ!” ይብል።+ 14  ከምቲ ማዕጾ ኣብ መፍሰል* ዚዘውር፡ ሃካይ ከኣ ኣብ ዓራቱ ይዘውር።+ 15  ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ፣ ግናኸ፡ ናብ ኣፉ ምምላስ ይደክም።+ 16  ሃካይሲ ብልቦና ኻብ ዚምልሱ ሸውዓተ ሰባት፡ ንሱ ዚጠብብ ይመስሎ። 17  ብዘይባእሱ ዚንድር* ሓላፍ መገዲ፡ ከምቲ ኣእዛን ከልቢ ዚሕዝ እዩ።+ 18  ከምቲ ጽሉል ሃልሃል ዚብል ተወርዋርን ፍላጻን ሞትን* ዚውርውር፡ 19  ንብጻዩ ኣታሊልዎስ፡ “ክጻወተካ እየ!” ዚብሎ እውን ከምኡ እዩ።+ 20  ዕንጨይቲ ኣብ ዘይብሉ፡ ሓዊ ይጠፍእ፣ ሓማዪ ኣብ ዘይብሉ፡ ባእሲ የቋርጽ።+ 21  ከምቲ ፈሓም ንጓህሪ፡ ዕንጨይቲ ድማ ንሓዊ ዚኸውን፡ ነግራም ሰብኣይ ባእሲ ይውልዕ።+ 22  ቃላት ሓማዪ ኸም ጥዑም ኵላሶ* እዩ፣ ምስ ተዋሕጠ ኽሳብ ከብዲ ይወርድ።+ 23  ካብ እኩይ ልቢ ዚወጽእ ቃላት ፍትወትሲ፡* ኣብ ገልዒ ኸም እተለበጠ ብሩር እዩ።+ 24  ንኻልኦት ዚጸልእ፡ ነዚ ብኸናፍሩ ይሓብኦ፣ ኣብ ውሽጡ ግና ምትላል የንብር። 25  ኣብ ልቡ ሸውዓተ ፍንፉን ነገር ኣለዎ እሞ፡* ዘረባኡ ጥዑም እኳ እንተ ዀነ፡ ኣይትእመኖ። 26  ጽልኡ ብተንኰል እኳ እንተ ተሓብአ፡ እከዩስ ኣብ ጉባኤ ኪቕላዕ እዩ። 27  ጕድጓድ ዚዅዕት፡ ኣብኣ ይወድቕ፣ እምኒ ዜንከባልል ከኣ፡ ንሳ ትምለሶ።+ 28  ሓሳዊት ልሳን ነቶም ዝደቘሰቶም ትጸልኦም፣ ሸሓጢት ኣፍ ድማ ጥፍኣት ተምጽእ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ከምኡ ኸኣ ዘይግባእ መርገም ኣይበጽሕን እዩ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንርእስኻ ማዕሪኡ ኸይትገብርሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዓመጻ ኸም ዚሰትን።”
ወይ፡ “ጠልጠል ዚብላ።”
ወይ፡ “ንዅሉ።”
ወይ፡ “ወንድወንዶ።”
ወይ፡ “ኣብ ዘይባእሱ ዚኣቱ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ቀታሊ ፍላጻን።”
ወይ፡ “ብህርፋን ከም ዚውሓጥ ነገር።”
ቃ.ቃ.፡ “ርሱን ከናፍር ምስ እኩይ ልቢ።”
ወይ፡ “ልቡ ብጥራስ ፍንፉን እዩ እሞ።”