ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ምሳሌ 24:1-34

ትሕዝቶ

  • ብእኩያት ኣይትቕናእ (1)

  • ቤት ብጥበብ ትህነጽ (3)

  • ጻድቕሲ ይወድቕ እሞ ይትንስእ (16)

  • ሕነ ኣይትፍደ (29)

  • ትኽስታ ድኽነት የምጽእ (33, 34)

24  ብእኩያት ኣይትቕናእ፣ ምሳታቶም ክትሓብር እውን ሃንቀው ኣይትበል።+   ልቦምሲ ዓመጻ ይሓስብ፡ ከናፍሮም ድማ ሽግር ይዛረብ።   ቤት* ብጥበብ ትህነጽ፣+ ብምስትውዓል ከኣ ትጸንዕ።   ክፍልታታ ብፍልጠት፡ ብዅሉ ዓይነት ክቡርን ባህ ዜብልን መዛግብቲ ይመልእ።+   ጥበበኛ ሰብ ሓያል እዩ፣+ ሰብ ድማ ብፍልጠት ሓይሉ ይውስኽ።   ብጥበባዊ መምርሒ ተዋጋእ፣+ ብብዙሓት ኣማኸርቲ ኸኣ ዓወት* ይርከብ።+   ዓሻ ንናይ ሓቂ ጥበብ ኪረኽባ ኣይክእልን፣+ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ዚብሎ የብሉን።   እከይ ዚሓስብ፡ ጐይታ ተንኰል ይብሃል።+   ብዕሽነት ዚምሃዝ ተንኰል፡* ሓጢኣት እዩ፣ መላገጺ ድማ ብሰብ ፍንፉን እዩ።+ 10  ብመዓልቲ ጭንቂ ተስፋ እንተ ቘሪጽካ፡ ሓይልኻ ቝሩብ ይኸውን። 11  ነቶም ናብ ሞት ዚውሰዱ ኣናግፎም፣ ነቶም ሰንከልከል እናበሉ ናብ ማሕረዲ ዚኸዱ ኸኣ ኣይትሕደጎም።+ 12  “ብዛዕባ እዚ ግና ኣይፈለጥናን” እንተ ኢልካ፡ እቲ ልቢ* ዚምርምርሲ ኣየስተውዕሎንዶ፧+ እወ፡ እቲ ዚቋመተካ* ኺፈልጥ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እውን ከከም ተግባሩ ኺፈድዮ እዩ።+ 13  ወደየ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ መዓር ብላዕ፣ ኣብ ጎጎኡ ዘሎ መዓር መቐረቱ ጥዑም እዩ። 14  ከምኡ ድማ፡ ጥበብ ንዓኻ ጽቡቕ* ምዃኑ ፍለጥ።+ እንተ ረኺብካያስ፡ ብሩህ መጻኢ ኺህልወካ እዩ፣ ተስፋኻ እውን ኣይኪቝረጽን እዩ።+ 15  ኣብ ጥቓ ቤት ጻድቕ ብኽፍኣት ኣይተድቢ፣ ነታ መዕረፊቱ ኣይተጥፍኣያ። 16  ጻድቕሲ ሸውዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ መሊሱ ይትንስእ፣+ እኩያት ግና ብመዓት ይዕንቀፉ።+ 17  ጸላኢኻ ምስ ዚወድቕ፡ ባህ ኣይበልካ፣ ምስ ዚዕንቀፍ ከኣ፡ ልብኻ ኣይተሓጐስ።+ 18  እንተ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ነዚ ርእዩ ኺጕሂ፡ ካብኡ* ድማ ቍጥዓኡ ኺመልስ እዩ።+ 19  ብገበርቲ ኽፉእ ኣይትሕረቕ፣* ብእኩያት ኣይትቕናእ። 20  ንኽፉእሲ ብሩህ መጻኢ የብሉን፣+ መብራህቲ እኩያት ድማ ይጠፍእ እዩ።+ 21  ወደየ፡ ንየሆዋን ንንጉስን ፍርሃዮም።+ ምስ ዓለውቲ* ኸኣ ኣይትሕበር፣+ 22  መዓቶምሲ ብሃንደበት ይልዓል እዩ።+ ክልቲኦም* ኣብ ልዕሊ እቲኣቶም ዜምጽእዎ ጥፍኣት መን ይፈልጥ፧+ 23  እዚ ቓላት እዚ ናይ ጥበበኛታት እዩ፦ ኣብ ፍርዲ ኣድልዎ ምግባር ጽቡቕ ኣይኰነን።+ 24  እቲ ንእኩይ፡ “ጻድቕ ኢኻ” ዚብሎ፡+ ብህዝብታት ኪርገም፡ ብኣህዛብ እውን ኪዅነን እዩ። 25  እቶም ዚገንሕዎ ግና ጽቡቕ ኪረኽቡ እዮም፣+ ኣብ ልዕሊኦም ጽቡቕ በረኸት ኪወርድ እዩ።+ 26  ብቕንዕና ዚምልስ፡ ከናፍሩ ይስዓም።*+ 27  ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ፡ ኣብ ግራት ከኣ ኵሉ ኣዳሉ፣ ድሕሪኡ፡ ቤትካ* ህነጽ። 28  ብዘይ ምኽንያት ኣንጻር ብጻይካ ኣይትመስክር።+ ብኸናፍርካ ድማ ኣይተታልል።+ 29  “ከምታ ዝገበረኒ ኽገብሮ እየ፣ ከም ግብሩ ኽፈድዮ እየ” ኣይትበል።+ 30  ኣነ ብግራት ሃካይ፡ ብኣታኽልቲ ወይኒ እቲ ልቢ ዘይብሉ ሓለፍኩ።+ 31  ጻህያይ ውሒጥዋ ኸኣ ረኣኹ፣ ምድራ ብኣምዐ ተሸፊኑ፡ መንደቓ ድማ ፈሪሱ ነበረ።+ 32  ነዚ ተዓዚበ ኣብ ልበይ ኣንበርክዎ፣ ንዕኡ ርእየ ኸኣ እዚ ዚስዕብ ተመሃርኩ፦* 33  ቍሩብ ትድቅስ፡ ቍሩብ ትኽስ ትብል፡ ከተዕርፍ ኢልካ ቝሩብ ኣእዳውካ ተጣምር፣ 34  ሽዑ፡ ድኽነትካ ኸም ሽፍታ፡ ስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዓጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቤተ ሰብ።”
ወይ፡ “ኣሳልጦ፣ ድሕነት።”
ወይ፡ “ተንኰል ዓሻ።”
ወይ፡ “ውሽጣዊ ድራኸ።”
ወይ፡ “ንነፍስኻ ዚቋመታ።”
ወይ፡ “ንነፍስኻ ጥዑም።”
ማለት፡ ካብቲ ጸላኢ።
ወይ፡ “ኣይትናደድ።”
ወይ፡ “ደለይቲ ለውጢ።”
ማለት፡ የሆዋን ንጉስን።
ወይ፡ “ብቕኑዕ ምምላስ፡ ከም ምስዓም እዩ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ቤተ ሰብካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ተገሰጽኩ።”