ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ምሳሌ 23:1-35

ትሕዝቶ

  • ኬአንግዱኻ ኸለዉ ተጠንቀቕ (2)

  • ሃብቲ ኽትረክብ ኢልካ ኣይትጽዓር (4)

  • ሃብቲ ኻባኻ ነፊሩ ኪኸይድ ይኽእል (5)

  • ካብቶም ብዙሕ ዚሰትዩ ኣይትኹን (20)

  • ኣልኮላዊ መስተ ኸም ተመን ይነክስ (32)

23  ምስ ንጉስ ክትበልዕ ምስ ተቐመጥካ፡ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ተጠንቂቕካ ኣስተብህል፣   ዘይዓግብ ሸውሃት* እንተ ኣልዩካ፡ ንጐረሮኻ ኻራ ግበረሉ።*   ዜታልል ምግቢ እዩ እሞ፡ ነቲ ጥዑም ብልዑ ኣይትህረፎ።   ሃብቲ ኽትረክብ ኢልካ ኣይትድከም።+ ደው በል እሞ ኣእምሮ ግበር።*   ብርግጽ ከም ንስሪ ኣኽናፍ ኣውጺኡ ናብ ሰማይ ኪነፍር እዩ እሞ፡+ ኣዒንትኻ ምስ ኣውደቕካሉ፡ ኣብኡ ኣይህሉን።+   ምግቢ ጠማዕ* ኣይትብላዕ፣ ነቲ ጥዑም ብልዑ ኣይትህረፎ።   ንሱስ ከም ተጸባጻቢ እዩ።* “ብላዕ፡ ስተ” ይብለካ፣ ካብ ልቡ ግና ኣይኰነን።*   ነታ ዝበላዕካያ ዅላሶ ኽትተፍኣ ኢኻ፣ ናእዳኻ ድማ ከተባኽን ኢኻ።   ዓሻስ ቃላት ጥበብ ይንዕቕ እዩ እሞ፡+ ኣብ ኣእዛኑ ኣይትዛረብ።+ 10  ናይ ቀደም ምልክት ዶብ ኣይተግዕዝ፣+ ደረት ግራት ዘኽታማት ኣይትድፋእ። 11  ጠበቓኦምሲ* ብርቱዕ እዩ፣ ንሱ ኺማጐተካ እዩ።+ 12  ልብኻ ናብ ተግሳጽ፡ እዝንኻ ድማ ናብ ቃላት ፍልጠት ኣቕልብ። 13  ንቘልዓ* ኻብ ምግሳጽ ድሕር ኣይትበል።+ ብሻቦጥ እንተ ገሪፍካዮ፡ ኣይመውትን እዩ። 14  ካብ መቓብር* ምእንቲ ኸተድሕኖ፡* ብሻቦጥ ግረፎ። 15  ወደየ፡ ልብኻ ጥበበኛ እንተ ዀይኑ፡ ኣነ እውን ልበይ ይሕጐስ።+ 16  ከናፍርካ ቕኑዕ ምስ ዚዛረባ፡ ውሽጠይ ይሕጐስ።* 17  ምሉእ መዓልቲ ንየሆዋ ፍርሃዮ እምበር፡+ ልብኻ ብሓጥኣን ኣይቕናእ።+ 18  ሽዑስ፡ ብሩህ መጻኢ ኺህልወካ እዩ፣+ ተስፋኻ እውን ኣይኪቝረጽን እዩ። 19  ወደየ፡ ስማዕ እሞ ጥበበኛ ኹን፣ ንልብኻ ኸኣ ብቕኑዕ መገዲ ምርሓዮ። 20  ካብቶም ብዙሕ ወይኒ ዚሰትዩ፡+ ካብቶም ሃርጓፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን፣+ 21  ሰኽራምን ህሩፍንሲ ይደኽዩ እዮም፣+ ትኽስታ ድማ ጨርቀምቀም የብል እዩ። 22  ንዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ፣ ኣዴኻ ስለ ዝኣረገት እውን ኣይትንዓቃ።+ 23  ንሓቂ ዓድጋ* እሞ ኸቶ ኣይትሽጣ፣+ ንጥበብን ንተግሳጽን ንኣእምሮን እውን ከምኡ።+ 24  ኣቦ ጻድቕ ብርግጽ ይሕጐስ፣ ጥበበኛ ወዲ ዝወለደ ኸኣ ብእኡ ባህ ይብሎ። 25  ኣቦኻን ኣዴኻን ባህ ይብሎም፣ ወላዲትካ ድማ ትሕጐስ። 26  ወደየ፡ ልብኻ ሃበኒ፣ ኣዒንትኻ ኸኣ ብመገድታተይ ባህ ይበለን።+ 27  ኣመንዝራስ* ዓሚቝ ጕድጓድ እያ፣ እትምንዝር ሰበይቲ ድማ ጸቢብ ዒላ እያ።+ 28  ከም ከታሪ ተድቢ፣+ ቍጽሪ ጠለምቲ ድማ ተብዝሕ። 29  ወዮ ንመን እዩ፧ ጭንቂ ንመን እዩ፧ ባእሲ ንመን እዩ፧ መረረት ንመን እዩ፧ ብዘይ ምኽንያት ምቝሳል ንመን እዩ፧ ምፍዛዝ ኣዒንቲ ንመን እዩ፧ 30  ነቶም ኣብ ምስታይ ወይኒ ዚድንጕዩ፡+ ነቶም እተሓዋወሰ ወይኒ ዜናድዩ* እዩ። 31  ንወይኒ ምቕያሑ፡ ኣብ ጽዋእ ምውዕዋዑን ሰተት ኢሉ ምውራዱን ኣይትርአ። 32  ኣብ መወዳእታስ ከም ተመን ይነክስ፡ ከም ኣፍዑት ድማ ሕንዙ ጺቕ ይብል። 33  ኣዒንትኻ ገለ ነገር ይርእያ፣ ልብኻ እውን ቄናን ነገር ይዛረብ።+ 34  ኣብ ማእከል ባሕሪ በጥ ከም ዝበለ፡ ኣብ ጫፍ ደቐል መርከብ ከም ዝደቀሰ ትኸውን። 35  “ወቒዖምንስ ኣይተሰምዓንን።* ዘቢጦምንስ ኣይተፈለጠንን። መዓስ ክነቅሕ እየ፧+ መሊሰ ኽሰቲ* እየ” ትብል።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብትምኒት ዝመልአት ነፍሲ።”
ወይ፡ “ርእስኻ ግታእ።”
ወይ፡ “ንኣእምሮኻ ኣብኡ ኣይትጠቐመሉ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ክፉእ ዝዓይኑ።”
ወይ፡ “ንሱስ ከምቲ ኣብ ነፍሱ ዚጸባጸብ እዩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ልቡ ግና ምሳኻ ኣይኰነን።”
ቃ.ቃ.፡ “ተበጃዊኦምሲ።”
ወይ፡ “ንመንእሰይ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንነፍሱ ኻብ መቓብር ምእንቲ ኸተድሕና።”
ቃ.ቃ.፡ “ኰላሊተይ ይሕጐሳ።”
ወይ፡ “ኣጥርያ።”
ቃ.ቃ.፡ “ባዕድስ፣ ዘይትፈልጣስ።” ምሳ 2:16 ርአ።
ወይ፡ “ኺጥዕሙ ዚእከቡ።”
ወይ፡ “ኣየሕመመንን።”
ወይ፡ “መሊሰ ኽደልዮ።”