ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ምሳሌ 2:1-22

ትሕዝቶ

  • ዋጋ ጥበብ (1-22)

    • ንጥበብ ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ድለያ (4)

    • ምምዝዛን ከተዕቝበካ እያ (11)

    • ምንዝርና ጥፍኣት የምጽእ (16-19)

2  ወደየ፡ ቃለይ እንተ ተቐቢልካ፡ ትእዛዛተይ ከኣ እንተ ዓቚርካ፣+   ከምኡ ንምግባር ድማ፡ እዝንኻ ናብ ጥበብ ከም ዜቕልብ፡+ ልብኻ ኸኣ ናብ ምስትውዓል ከም ዚዝምብል እንተ ጌርካ፣+   ብዘይካዚ፡ ንኣእምሮ እንተ ጸዊዕካያ፡+ ንምስትውዓል ድማ እንተ ተዳሂኻያ፡+   ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሊኻያ፡+ ከም ንሕቡእ መዛግብቲ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ ኢልካያ፣+   ሽዑ፡ ፍርሃት የሆዋ ኺርድኣካ እዩ፣+ ፍልጠት ኣምላኽ እውን ክትረክብ ኢኻ።+   የሆዋስ ጥበብ ይህብ፣+ ካብ ኣፉ ኸኣ ፍልጠትን ምስትውዓልን ይወጽእ።   ንቕኑዓት ድማ ግብራዊ ጥበብ ይዓቝረሎም፣ ነቶም ብንጽህና ዚመላለሱ፡ ዋልታ እዩ።+   ንመገድታት ፍትሒ ይቋመተን፡ ንጐደና እሙናቱ ኸኣ ይሕልዋ እዩ።+   ሽዑ፡ ጽድቅን ፍትሕን ቅንዕናን፡ አረ መገዲ ዅሉ ሰናይ ዘበለ ኽትርዳእ ኢኻ።+ 10  ጥበብ ናብ ልብኻ ምስ ኣተወት፡+ ፍልጠት ድማ ንነፍስኻ* ባህ ምስ ኣበለታ፡+ 11  ምምዝዛን ክትሕልወካ፡+ ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ፣ 12  ካብ ሕማቕ መገዲ፡ ካብቶም ቄናን ነገር ዚዛረቡ ኸተድሕነካ እያ፣+ 13  ካብቶም ብመገድታት ጸልማት ኪመላለሱስ፡ ንቕኑዕ ጐደናታት ዚሓድጉ፡+ 14  ካብቶም ብኽፉእ ግብሪ ዚሕጐሱ፡ ብቔናን ክፍኣት እውን ባህ ዚብሎም፡ 15  ካብቶም ጐደናታቶም ቄናን፡ ብዘሎ መገዶም ድማ ጠዋይ ዝዀኑ ኸተድሕነካ እያ። 16  ካብ ፋሉል* ሰበይቲ፡ ካብ ልዙብ* ቃላት እታ እትምንዝር* ሰበይቲ ኸተድሕነካ እያ፣+ 17  ንሳ ንናይ ንእስነት ፈታዊኣ* ዝሓደገት፡+ ኪዳን ኣምላኻ እውን ዝረስዐት እያ። 18  ቤታስ ናብ ሞት የውርድ፣ መገድታታ ድማ ናብቶም ብሞት እተሰነፉ ይመርሕ።+ 19  ካብቶም ናብኣ ዚኣትዉ ሓደ እኳ ኣይምለስን፣ ንመገድታት ህይወት እውን መሊሶም ኣይረኽብዋን እዮም።+ 20  ስለዚ፡ ጐደና ሕያዎት ስዓብ፣ ኣብ መገድታት ጻድቃን እውን ጽናሕ፣+ 21  ከመይሲ፡ ቅኑዓት ጥራይ እዮም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ፣ መንቅብ ዘይብሎም* ከኣ እዮም ኣብኣ ዚተርፉ።+ 22  እኩያት ግና ካብ ምድሪ ኺምንቈሱ፡+ ጠለምቲ ድማ ካብኣ ኺምሓዉ እዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ባዕዲ፣ ዘይትፈልጣ።” ብስነ ምግባር ካብ ኣምላኽ ንዝረሓቐት ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “መስሓቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ጓና።” ብስነ ምግባር ካብ ኣምላኽ ንዝረሓቐት ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ሰብኣያ።”
ወይ፡ “ንጽህናኦም ዚሕልዉ።”