ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ምሳሌ 14:1-35

ትሕዝቶ

  • ልቢ ንምረቱ ይፈልጦ (10)

  • ቅንዕቲ እትመስል መገዲ፡ ሞት ከተምጽእ ትኽእል (12)

  • ገርሂ፡ ኵሉ ቓል ይኣምን (15)

  • ፈተውቲ ሃብታም ብዙሓት እዮም (20)

  • ህዱእ ልቢ ንሰብነት ህይወት ይህብ (30)

14  ናይ ብሓቂ ጥበበኛ ሰበይቲ ቤታ ትሃንጽ፣+ ዓሻ ግና ብገዛእ ኣእዳዋ ተፍርሶ።   ብቕንዕናኡ ዚመላለስ፡ ንየሆዋ ይፈርሆ፣ መገድታቱ ቔናን ዝዀነ ግና፡ ይንዕቆ።   በትሪ ትዕቢት ኣብ ኣፍ ዓያሹ እዩ፣ ከናፍር ጥበበኛታት ግና የዕቍቦም።   ከብቲ ኣብ ዘይብሉ፡ መብልዕ ማል ይጸሪ፣ ሓይሊ ብዕራይ ግና ብዙሕ እኽሊ የፍሪ።   እሙን ምስክር ኣይሕሱን፣ ሓሳዊ ምስክር ግና ሓሶት ጥራይ የውስእ።+   መላገጺ ንጥበብ ይደልያ እሞ ኣይረኽባን። ብዓል ኣእምሮ ግና ብቐሊሉ ፍልጠት ይረክብ።+   ካብ ዓሻ ርሓቕ፣ ኣብ ከናፍሩስ ፍልጠት ኣይትረክብን ኢኻ።+   ጐራሕ ብጥበብ ነታ ዚኸደላ መገዲ ይርድኣ፣ ዓያሹ ግና ብዕሽነቶም ይታለሉ።*+   ዓያሹ ብበደል* ይዋዘዩ፣+ ኣብ መንጎ ቕኑዓት ግና ንምትዕራቕ ፍቓደኛነት* ኣሎ። 10  ልቢ ንምረቱ* ይፈልጦ፣ ካልእ ከኣ ኣብ ሓጐሱ ኣይካፈልን። 11  ቤት እኩያት ትጠፍእ፣+ ድንኳን ቅኑዓት ግና ትዕምብብ። 12  ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፣+ ኣብ መወዳእታ ግና ናብ ሞት ትመርሕ።+ 13  እናሰሓቕካ እኳ ልቢ ይሳቐ፣ ሓጐስ ድማ ብጓሂ ኺውዳእ ይኽእል። 14  ፋሉል ዝልቡ፡ ፍረ መገድታቱ ይዓጽድ፣+ ሕያዋይ ሰብ ግና ዓስቢ ተግባራቱ ይዓጽድ።+ 15  ገርሂ፡* ኵሉ ቓል ይኣምን፣ ጐራሕ ግና ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን።+ 16  ጥበበኛ ጥንቁቕ ብምዃኑ፡ ካብ እከይ ይርሕቕ፣ ዓሻ ግና ዘይግድሶን* እምብዛ ብርእሱ ዚተኣማመንን እዩ። 17  ቀልጢፉ ዚቝጣዕ ዕሽነት ይገብር፣+ ዜመዛዝን ሰብ ግና ይጽላእ። 18  ገርህታት* ዕሽነት ይወርሱ፣ ንጐራሓት ግና ፍልጠት ዘውዶም እዩ።+ 19  ክፉኣት ኣብ ቅድሚ ሕያዎት ይሰግዱ፣ እኩያት ድማ ኣብ ኣፍ ደገታት ጻድቃን ይሰግዱ። 20  ድኻ ብብጾቱ እኳ ይጽላእ፣+ ፈተውቲ ሃብታም ግና ብዙሓት እዮም።+ 21  ንብጻዩ ዚንዕቕ ይሓጥእ፣ ንትሑት ዚርሕርሓሉ ግና ሕጉስ እዩ።+ 22  እቶም ክፍኣት ዚሓስቡስ ኣይጋገዩንዶ፧ ጽቡቕ ዚሕልኑ ግና ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ይረኽቡ።+ 23  ኣብ ኵሉ ዓይነት ከቢድ ዕዮ ጥቕሚ ኣሎ፣ ዘረባ ጥራይ ግና ናብ ስእነት ይመርሕ።+ 24  ሃብቲ ንጥበበኛታት ዘውዶም እዩ፣ ዕሽነት ዓያሹ ግና ዕሽነት ጥራይ እዩ።+ 25  ሓቀኛ ምስክር ህይወት ሰባት* የድሕን፣ መታለሊ ግና ሓሶት ጥራይ የውስእ። 26  ኣብ ፍርሃት የሆዋ ጽኑዕ እምንቶ ኣሎ፣+ ንደቁ ኸኣ መዕቈቢ ይዀኖም።+ 27  ፍርሃት የሆዋ፡ ምንጪ ህይወት እዩ፣ ካብ መፈንጠራታት ሞት ድማ የርሕቕ። 28  ብዝሒ ህዝቢ ግርማ ንጉስ እዩ፣+ ተገዛእቲ ዘይብሉ ገዛኢ ግና ይጠፍእ። 29  ንቝጥዓ ደንጓዪ ብዙሕ ምስትውዓል ኣለዎ፣+ ዓቕሊ ዘይብሉ ግና ዕሽነት የርኢ።+ 30  ህዱእ ልቢ ንሰብነት ህይወት* ይህብ፣ ቅንኢ ግና ንኣዕጽምቲ ቝንቍነ እዩ።+ 31  ንትሑት ዚዕምጾ ንገባሪኡ ይጸርፎ፣+ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ግና የኽብሮ።+ 32  እኩይ ብእከዩ ይወድቕ፣ ጻድቕ ግና ኣብ ንጽህናኡ መዕቈቢ ይረክብ።+ 33  ጥበብ ኣብ ልቢ ብዓል ኣእምሮ ብጸጥታ ትዓርፍ፣+ ኣብ መንጎ ዓያሹ ግና ገዛእ ርእሳ ተፍልጥ። 34  ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ፣+ ሓጢኣት ግና ንህዝቢ ውርደት እዩ። 35  ንጉስ ልቦና ብዘለዎ ጊልያ ባህ ይብሎ፣+ ነድሩ ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዜሕፍር ዝግብሮም እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “የታልሉ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንበደል ብዛዕባ ምኽሓስ (ምእራም)።”
ወይ፡ “ጽቡቕ ፍቓድ።”
ወይ፡ “ንምረት ነፍሱ።”
ወይ፡ “ዘይለበመ።”
ወይ፡ “ነዳርን።”
ወይ፡ “ዘይለበሙ።”
ወይ፡ “ነፍሳት።”
ወይ፡ “ጥዕና።”