ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ምሳሌ 11:1-31

ትሕዝቶ

  • ጥበብ ምስ ትሑታት እያ (2)

  • ከሓዲ ንኻልኦት የጥፍእ (9)

  • ‘ብብዙሓት ኣማኸርቲ ኣሳልጦ ይርከብ’ (14)

  • ለጋስ ሰብ ጽቡቕ ይረክብ (25)

  • ብሃብቱ ዚእመን ይወድቕ፣ (28)

11  ዘይቅኑዕ* ሚዛን ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ፣ ልክዕ መምዘኒ* ግና ባህ የብሎ።+   ድፍረት ምስ መጸ፡ ውርደት ይስዕብ፣+ ጥበብ ግና ምስ ትሑታት እያ።+   ንቕኑዓት ንጽህናኦም ይመርሖም፣+ ንጠለምቲ ግና ጠዋያት ምዃኖም የጥፍኦም።+   ብመዓልቲ ነድሪ ሃብቲ* ኣይጠቅምን፣+ ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ።+   መንቅብ ንዘይብሉ ጽድቁ መገዱ የቕንዓሉ፣ እኩይ ግና ብሰንኪ እከዩ ይወድቕ።+   ንቕኑዓት ጽድቆም የናግፎም፣+ ጠለምቲ ግና ብትምኒቶም ይተሓዙ።+   እኩይ ምስ ዚመውት፡ ተስፋኡ ይጠፍእ፣ ኣብ ሓይሉ እተመርኰሰ ትጽቢት እውን ይጠፍእ።+   ጻድቕ ካብ ጭንቂ ይናገፍ፣ እኩይ ድማ ኣብ ክንዳኡ ይኸውን።+   ከሓዲ* ንብጻዩ ብኣፉ የጥፍኦ፣ ጻድቃን ግና ብፍልጠት ይናገፉ።+ 10  ሕያውነት* ጻድቃን ንኸተማ የሐጕሳ፣ እኩያት ምስ ጠፍኡ ኸኣ፡ እልልታ ይኸውን።+ 11  ከተማ ሳላ በረኸት ቅኑዓት ልዕል ትብል፣+ ኣፍ እኩያት ግና የፍርሳ።+ 12  ልቢ ዘይብሉ ንብጻዩ ይንዕቆ፣ ናይ ሓቂ ምስትውዓል ዘለዎ ሰብ ግና ስቕ ይብል።+ 13  ሓማዪ እናዞረ ምስጢር ይቐልዕ፣+ እሙን* ግና ምስጢር ይሕሉ።* 14  ጥበባዊ መምርሒ ምስ ዘይህሉ፡ ህዝቢ ይወድቕ፣ ብብዙሓት ኣማኸርቲ ግና ኣሳልጦ* ይርከብ።+ 15  ንዘይፈልጦ ሰብ ኪልቃሕ ዚውሓሶ* ኽፉእ ይረክብ፣+ ከም መግለጺ ስምምዕ ኢድ ዘይጠቅዕ* ግና ደሓን ይረክብ። 16  ሕያወይቲ* ሰበይቲ ኽብሪ ተጥሪ፣+ ጨካናት ግና ሃብቲ ይምንዝዑ። 17  ሕያዋይ ሰብ* ንርእሱ ይጠቅም፣*+ ጨካን ግና ኣብ ርእሱ ጭንቂ* የምጽእ።+ 18  እኩይ ዜታልል ዓስቢ ይረክብ፣+ ጽድቂ ዚዘርእ ግና ናይ ሓቂ ጻማ ይረክብ።+ 19  ንጽድቂ ጸኒዑ ዚቐውም ናብ ህይወት የምርሕ፣+ ደድሕሪ እከይ ዚስዕብ ግና ናብ ሞት የምርሕ። 20  ቄናን ዝልቦም ኣብ የሆዋ ፍንፉናት እዮም፣+ ብመገዶም መንቅብ ዘይብሎም ግና ባህ የብልዎ።+ 21  በዚ ርግጸኛ ኹን፦* እኩይ ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን፣+ ዘርኢ ጻድቃን ግና የምልጡ። 22  ልብምና ዘይትደሊ መልክዐኛ ሰበይትስ፡ ከምቲ ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ ዘሎ ቐለቤት ወርቂ እያ። 23  ትምኒት ጻድቃን ናብ ጽቡቕ ይመርሕ፣+ እቲ እኩያት ተስፋ ዚገብሩሉ ግና፡ ናብ ቍጥዓ ይመርሕ። 24  ገሊኡ ብልግሲ ይህብ* እሞ፡ ዝያዳ ይረክብ፣+ ገሊኡ እቲ ኺውሃብ ዚግባእ ይኸልእ እሞ፡ ይደኪ።+ 25  ለጋስ ሰብ* ጽቡቕ ይረክብ፣*+ እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ።+ 26  ሰባት ነቲ እኽሊ ዚሓብእ ይረግምዎ፣ ነቲ ዚሸጦ ግና ይምርቕዎ። 27  እቲ ብትግሃት ጽቡቕ ኪገብር ዚደሊ፡ ሞገስ ይደሊ፣+ እቲ ኽፉእ ኪገብር ዚደሊ ግና፡ ብርግጽ ከምኡ እዩ ዚወርዶ።+ 28  ብሃብቱ ዚእመን ይወድቕ፣+ ጻድቃን ግና ከም ኣቝጽልቲ ይለምዑ።+ 29  ኣብ ቤተ ሰቡ ጭንቂ* ዜምጽእ፡ ንፋስ ይወርስ፣+ ዓሻ ኸኣ ነቲ ጥበበኛ ዝልቡ ጊልያኡ ይኸውን። 30  ፍረ ጻድቕ ኦም ህይወት እዩ፣+ እቲ ነፍሳት* ዚረብሕ ድማ ጥበበኛ እዩ።+ 31  ጻድቕ ብርግጽ ኣብ ምድሪ ዚፍደ ኻብ ኰነ፡ ንእኩይን ንሓጥእን ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይበጽሖም!+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዜታልል።”
ወይ፡ “ዘይጐደለ ንመምዘኒ ዚኸውን እምኒ።”
ወይ፡ “ጥሪት።”
ወይ፡ “ኣምላኽ ዘይብሉ።”
ወይ፡ “ሰናይ።”
ቃ.ቃ.፡ “እሙን ዝመንፈሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንነገር ይኸድኖ።”
ወይ፡ “ድሕነት።”
ወይ፡ “ንዘይፈልጦ ሰብ ዚውሓሶ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢድ ምጥቃዕ ዚጸልእ።”
ወይ፡ “ባህ እተብል።”
ወይ፡ “ብተኣማንነት ዜፍቅር ሰብ።”
ወይ፡ “ንነፍሱ ጽቡቕ ይገብረላ።”
ወይ፡ “ውርደት።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢድ ንኢድ።”
ቃ.ቃ.፡ “ፋሕ የብል።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ይሰብሕ።”
ወይ፡ “ውርደት።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።