ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ምሳሌ 10:1-32

ትሕዝቶ

  • ጥበበኛ ወዲ ንኣቦኡ የሐጕሶ (1)

  • ትጉሃት ኣእዳው የሀብትማ (4)

  • ኣብ ብዙሕ ዘረባ፡ ኣበሳ ኣይሰኣንን (19)

  • በረኸት የሆዋ የሀብትም (22)

  • ፍርሃት የሆዋ ህይወት የንውሕ (27)

10  ምስላታት ሰሎሞን።+ ጥበበኛ ወዲ ንኣቦኡ የሐጕሶ፣+ ዓሻ ወዲ ግና መጕሃይ ኣዲኡ እዩ።   ብእከይ እተረኽበ መዛግብቲ ኣይጠቅምን፣ ጽድቂ ግና ካብ ሞት ተናግፍ።+   የሆዋ ንጻድቕ ኪጠሚ ኣይሓድጎን፣*+ ንእኩያት ግና ዚሃርፍዎ ይኸልኦም።   ህኩያት ኣእዳው የድክያ፣+ ትጉሃት ኣእዳው ግና የሀብትማ።+   ልቦና ዘለዎ ወዲ ብሓጋይ እኽሊ ይእክብ፣ ዜሕፍር ወዲ ግና ብቐውዒ በጥ ኢሉ ይድቅስ።+   በረኸት ኣብ ርእሲ ጻድቕ እዩ፣+ ኣፍ እኩያት ግና ዓመጻ ይሓብእ።   መዘከርታ* ጻድቕ ንበረኸት እዩ፣+ ስም እኩያት ግና ይምሽምሽ።+   ጥበበኛ ዝልቡ ትምህርትታት* ይቕበል፣+ ብዕሽነት ዚዛረብ ግና ይርገጽ።+   ብንጽህና ዚመላለስ ብደሓን ይመላለስ፣+ መገድታቱ ቔናን ዚገብር ግና ይፍለጥ።+ 10  ብኽፍኣት ዓይኑ ዚጸቅጥ ጓሂ የምጽእ፣+ ብዕሽነት ዚዛረብ ከኣ ይርገጽ።+ 11  ኣፍ ጻድቕ ምንጪ ህይወት እዩ፣+ ኣፍ እኩያት ግና ዓመጻ ይሓብእ።+ 12  ጽልኢ፡ ባእሲ የለዓዕል፣ ፍቕሪ ግና ንዅሉ ኣበሳ ትኸድኖ።+ 13  ጥበብ ኣብ ከናፍር ኣስተውዓሊ ይርከብ፣+ ሻቦጥ ግና ንዝባን ልቢ ዘይብሉ እዩ።+ 14  ጥበበኛታት ፍልጠት ይዓቝሩ፣+ ኣፍ ዓሻ ግና ጥፍኣት ይዕድም።+ 15  ንሃብታምሲ ሃብቱ* እተዓርደ ኸተማኡ እዩ። ንድኻ ድኽነቱ ጥፍኣቱ እዩ።+ 16  ተግባር ጻድቕ ናብ ህይወት ይመርሕ፣ ፍርያት እኩይ ግና ናብ ሓጢኣት ይመርሕ።+ 17  ተግሳጽ ዚሰምዕ፡ መገዲ ህይወት እዩ፣* መግናሕቲ ዕሽሽ ዚብል ግና፡ የስሕት። 18  ጽልኡ ዚሓብእ፡ ሓሶት ይዛረብ፣+ ክፉእ ወረ* ዚዝርግሕ ድማ፡ ዓሻ እዩ። 19  ኣብ ብዙሕ ዘረባ፡ ኣበሳ ኣይሰኣንን፣+ ከናፍሩ ዚቈጻጸር ግና፡ ኣስተውዓሊ እዩ።+ 20  ልሳን ጻድቕ ከም ብሉጽ ብሩር እዩ፣+ ልቢ እኩይ ግና ዳርጋ ዋጋ የብሉን። 21  ከናፍር ጻድቕ ንብዙሓት ይዕንግላ፣*+ ዓያሹ ግና ሰኣን ልቢ ይሞቱ።+ 22  በረኸት የሆዋ የሀብትም፣+ ስቓይ* እውን ኣይውስኸሉን። 23  ንዓሻስ ዜሕፍር ነገር ምግባር ከም ጸወታ እዩ፣ ጥበብ ግና ንኣስተውዓሊ ሰብ እያ።+ 24  ንእኩይ እቲ ዚፈርሆ ይመጾ፣ ንጻድቃን ግና እተመነይዎ ይውሃቦም።+ 25  ህቦብላ ምስ ዚሓልፍ፡ እኩይ ኣይህሉን፣+ ጻድቕ ግና ንዘለኣለም መሰረት እዩ።+ 26  ከም መጺጽ ንስኒ፡ ከም ትኪ ንኣዒንቲ፡ ሃካይ ንለኣኺኡ* ኸምኡ እዩ። 27  ፍርሃት የሆዋ ህይወት የንውሕ፣+ ዓመታት እኩያት ግና ኪሓጽራ እየን።+ 28  ትጽቢት* ጻድቃን ሓጐስ የምጽእ፣+ ተስፋ እኩያት ግና ኪጠፍእ እዩ።+ 29  መገዲ የሆዋ፡ መንቅብ ንዘይብሉ ዕርዱ እያ፣+ ንገበርቲ እከይ ግና ጥፍኣቶም እያ።+ 30  ጻድቕ ከቶ ኣይወድቕን፣+ እኩያት ግና ኣብ ምድሪ ኣይነብሩን።+ 31  ኣፍ ጻድቕ ጥበብ የፍሪ፣ ቄናን ልሳን ግና ትምንቈስ። 32  ከናፍር ጻድቕ ባህ ዜብል ይፈልጣ፣ ኣፍ እኩያት ግና ቄናን እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንነፍሲ ጻድቕ ክትጠሚ ኣይሓድጋን።”
ወይ፡ “ስም፣ ዝና።”
ቃ.ቃ.፡ “ትእዛዛት።”
ወይ፡ “ጥሪቱ።”
ወይ፡ “ኣብ መገዲ ህይወት እዩ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “በላበለው።”
ወይ፡ “ይመርሓ።”
ወይ፡ “ጓሂ፣ ሽግር።”
ወይ፡ “ንኣስራሒኡ።”
ወይ፡ “ተስፋ።”