ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ምሳሌ 1:1-33

ትሕዝቶ

  • ዕላማ ምስላታት (1-7)

  • ሓደጋታት ሕማቕ ዕርክነት (8-19)

  • ናይ ሓቂ ጥበብ ብጋህዲ ትጭድር (20-33)

1  ምስላታት ሰሎሞን፡+ ወዲ ዳዊት፡+ ንጉስ እስራኤል፦+   ጥበብን+ ተግሳጽን ንምፍላጥ፡ ጥበባዊ ቓላት ንምርዳእ፡   ልቦና ዚህብ ተግሳጽን+ ጽድቅን+ ጽቡቕ ፍርድን*+ ቅንዕናን ንምጥራይ፡   ንዘይለበሙ ጕርሒ+ ንምሃብ፡ ንጐበዝ ፍልጠትን ምምዝዛንን+ ንምሃብ እዩ።   ጥበበኛ ሰሚዑ ትምህርቲ ይውስኽ፣+ ብዓል ኣእምሮ ጥበባዊ መምርሒ የጥሪ፣+   እዚ ኸኣ ምስላን ቍንቍኛን፡* ቃላት ጥበበኛታትን ሕንቅሕንቅሊተያቶምን ንምርዳእ ይኸውን።+   ፍርሃት የሆዋ መጀመርታ ፍልጠት እዩ።+ ጥበብን ተግሳጽን ዚንዕቁስ፡ ዓያሹ ጥራይ እዮም።+   ወደየ፡ ተግሳጽ ኣቦኻ ስማዕ፣+ ትምህርቲ* ኣዴኻ ድማ ኣይትሕደግ።+   ንሱስ ንርእስኻ ማራኺ ኣኽሊል፡+ ንኽሳድካ ኸኣ ጽቡቕ ስልማት እዩ።+ 10  ወደየ፡ ሓጥኣን ኪሓብሉኻ እንተ ፈቲኖም፡ ሕራይ ኣይትበሎም።+ 11  ንሳቶም፡ “ምሳና ንዓናይ። ደም ከነፍስስሲ ነድቢ። ንንጹሃት ግዳያት ብዘይ ምኽንያት ተሓቢእና ኽንጻናተዎም ኢና። 12  ከምቲ መቓብር* ዚገብሮ፡ ብህይወቶም ከለዉ፡ ከምቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ ምሉእ ብምሉእ ክንውሕጦም ኢና። 13  ኵሉ ኽቡር መዛግብቶም ንውሰድ፣ ኣባይትና ኸኣ ብምርኮ ኽንመልኦ ኢና። 14  ምሳና ሕበር እሞ፡* ኵላትና ነቲ ዝሰረቕናዮ ብማዕረ ኽንማቐሎ ኢና”* እንተ ኢሎምኻ፡ 15  ወደየ፡ ኣይትስዓቦም። ኣእጋርካ ኻብ መገዶም ሓሉ፣+ 16  ኣእጋሮምሲ እከይ ንምግባር ይጐይያ፡ ደም ንምፍሳስ ከኣ ይቕልጥፋ እየን።+ 17  ዑፍ ኣጸቢቓ እትርእዮ መርበብ ምዝርጋሕሲ ብርግጽ ከንቱ እዩ። 18  ስለዚ፡ እዚኣቶም ደም ንምፍሳስ የድብዩ፣ ህይወት* ንምጥፋእ ከኣ ይሕብኡ። 19  መገድታት እቶም ረብሓ ሸፈጥ ዚደልዩ ኸምኡ እዩ። እዚ ኸኣ ህይወት* እቶም ዜጥርይዎ የጥፍእ።+ 20  ናይ ሓቂ ጥበብ+ ኣብ ጐደና ትጭድር ኣላ።+ ኣብ ኣደባባያት ከኣ ድምጻ ዓው ተብል ኣላ።+ 21  ኣብ ኵርናዕ* ብዙሓት ዚውሕዙሉ ጐደናታት ኰይና ትጽውዕ። ኣብ መእተዊታት ኣፍ ደገታት ከተማ ዀይና ኸምዚ ትብል፦+ 22  “ኣቱም ዘይለበምኩም፡ ክሳዕ መዓስ ኢኹም ዘይልብምና ኽትፈትዉ፧ ኣቱም መላገጽቲ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኹም ብላግጺ ባህ ኪብለኩም፧ ኣቱም ዓያሹ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኹም ፍልጠት ክትጸልኡ፧+ 23  መግናሕተይ ስምዑ።*+ ኣነ ኸኣ መንፈሰይ ከፍስሰልኩም እየ፣ ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ።+ 24  ጸዊዐስ ኣቢኹም፣ ኢደይ ዘርጊሐ ድማ፡ ሓደ እኳ ኣየቕለበን።+ 25  ኵሉ ምኽረይ ዕሽሽ ኢልኩምዎ፡ መግናሕተይ እውን ኣይተቐበልኩምዎን። 26  ኣነ ኸኣ፡ መዓት ምስ ረኸበኩም፡ ክስሕቕ እየ፣ እቲ እትፈርህዎ ምስ መጸ፡ ከላግጸልኩም እየ፣+ 27  እወ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ምስ መጸ፡ መዓትኩም ከም ብርቱዕ ንፋስ ምስ በጽሓኩም፡ ጭንቅን ሽግርን ድማ ምስ ወረደኩም፡ ከምኡ ኽገብር እየ። 28  ሽዑ፡ ኪጽውዑኒ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክምልስን እየ፣ ተሃንጥዮም ኪደልዩኒ እዮም፡ ግናኸ ኣይኪረኽቡንን እዮም፣+ 29  ከመይሲ፡ ፍልጠት ጸሊኦም እዮም፣+ ንየሆዋ ምፍራህ ከኣ ኣይሓረዩን።+ 30  ምኽረይ ኣብዮም፡ መግናሕተይ ድማ ንዒቖም እዮም። 31  ስለዚ፡ ሳዕቤናት መገዶም ኪስከሙ፡*+ ብምኽሮም* ከኣ ኪጸግቡ እዮም። 32  ንዘይለበሙስ ፋሉልነቶም ኪቐትሎም እዩ፣ ንዓያሹ ድማ ሸለልትነቶም ኬጥፍኦም እዩ። 33  እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡+ መዓት ከይፈርሀ ኸኣ ኪሃድእ እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ፍትሕን።”
ወይ፡ “ምሳሌታትን።”
ወይ፡ “ሕጊ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ዕጫኻ ምሳና ኣውድቕ እሞ።”
ወይ፡ “ኵላትና ሓደ ሓባራዊ ኸረጺት (ማሕፉዳ)” ኪህልወና እዩ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ርእሲ።”
ወይ፡ “ክገንሕ ከለኹ ተመለሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ፍረ መገዶም ኪበልዑ።”
ወይ፡ “ውዲቶም፣ ሓሳቦም።”