ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ማቴዎስ 8:1-34

ትሕዝቶ

  • ሓደ ድዉይ ሓወየ (1-4)

  • እምነት ሓደ ሓለቓ ሚእቲ (5-13)

  • የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ብዙሓት ኣሕወየ (14-17)

  • ንየሱስ ዚስዕቦ፡ ኪገብሮ ዚግባእ ነገር (18-22)

  • የሱስ፡ ማዕበል ኣህድአ (23-27)

  • የሱስ ንኣጋንንቲ ናብ ሓሰማታት ሰደደ (28-34)

8  ካብ ከረን ምስ ወረደ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ።  እንሆ ድማ፡ ሓደ ድዉይ መጺኡ፡ “ጐይታይ፡ እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ሰገደሉ።*+  ንሱ ኸኣ፡ “እደሊ እየ። ንጻህ” እናበለ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ።+ ብኡብኡ ድማ፡ ካብ ደዌኡ ነጽሀ።+  የሱስ ድማ፡ “ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፣+ ግናኸ ኺድ፡ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፣+ ንዓታቶም ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ነቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ” በሎ።+  ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጺኡ ለመኖ፣+  “ጐይታይ፡ ጊልያይ ለሚሱ ኣብ ቤተይ ደቂሱ ኣሎ፣ ብርቱዕ ቃንዛ እውን ኣለዎ” ድማ በሎ።  ንሱ ኸኣ፡ “ምስ መጻእኩ፡ ከሕውዮ እየ” በሎ።  እቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ፡ ኣነ ብቑዕ ኣይኰንኩን፣ ሓንቲ ቓል ጥራይ በል እምበር፡ ጊልያይ ኪሓዊ እዩ።  ከመይሲ፡ ኣነ እውን ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዝመሓደር ሰብ እየ፡ ኣብ ትሕተይ ድማ ወተሃደራት ኣለዉኒ እሞ፡ ነዚ፡ ‘ኪድ!’ እብሎ፡ ይኸይድ፣ ንኻልእ ከኣ፡ ‘ንዓ!’ እብሎ፡ ይመጽእ፣ ንባርያይ እውን፡ ‘እዚ ግበር!’ እብሎ፡ ንሱ ኸኣ ይገብር።” 10  የሱስ እዚ ምስ ሰምዐ ተገሪሙ፡ ነቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ኸምዚ በሎም፦ “ከምዚኣ ዝበለት ዓባይ እምነት ዘላቶስ፡ ሓደ እኳ ኣብ እስራኤል ኣይረኸብኩን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።+ 11  ግናኸ፡ ብዙሓት ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ኪመጹ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም፡+ እብለኩም ኣለኹ። 12  ደቂ መንግስቲ ግና፡ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ድማ ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን እዮም።”+ 13  ድሕሪኡ፡ የሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ “ኪድ። ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ” በሎ።+ እቲ ጊልያ ድማ፡ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ።+ 14  ድሕሪኡ፡ የሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፡ ሓማት ጴጥሮስ+ ረስኒ ስለ ዝነበራ፡ ደቂሳ ረኣያ።+ 15  ስለዚ፡ ኢዳ ተንከያ+ እሞ፡ ረስና ሓደጋ፣ ተንሲኣ እውን ኣገልገለቶ። 16  ምስ መሰየ ግና፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ሰባት ኣምጽኡሉ። ንሱ ድማ፡ ነቶም መናፍስቲ ብሓንቲ ቓል ኣውጽኦም፡ ንዅሎም እቶም ዝሓመሙ ኸኣ ኣሕወዮም። 17  እዚ ድማ፡ እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ “ንሱ ንሕማምና ወሲድዎ፣ ንስቓይና ኸኣ ጾይርዎ”+ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። 18  የሱስ፡ ህዝቢ ኸቢብዎ ምስ ረኣየ፡ ናብ ስግር ብዛዕባ ምስጋር ትእዛዝ ሃበ።+ 19  ሓደ ጸሓፊ መጺኡ፡ “መምህር፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ኽስዕበካ እየ” በሎ።+ 20  የሱስ ግና፡ “ንወኻሩ ጕድጓድ፡ ንኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ሰፈር ኣለወን፣ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን” በሎ።+ 21  ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ንኣቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ” በሎ።+ 22  የሱስ ግና፡ “ብቐጻሊ ደኣ ስዓበኒ፡ ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበርዎም” በሎ።+ 23  ናብ ጃልባ ምስ ደየበ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሰዓብዎ።+ 24  እንሆ ድማ፡ እቲ ባሕሪ ኣመና ስለ እተናወጸ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ይመልኣ ነበረ፣ ንሱ ግና፡ ደቂሱ ነበረ።+ 25  ንሳቶም መጺኦም ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና!” እናበሉ ኣተንስእዎ። 26  ንሱ ግና፡ “ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ስለምንታይ እትፈርሁ፧”*+ በሎም። ሽዑ፡ ተንሲኡ፡ ንንፋሳትን ንባሕርን ገንሖም፣ ዓብዪ ህድኣት እውን ኰነ።+ 27  እቶም ሰባት ከኣ፡ “እዝስ እንታዋይ ኰን እዩ፧ ንፋሳትን ባሕርን እኳ ይእዘዝዎ” ኢሎም ኣስተንከሩ። 28  ናብ ስግር፡ ናብ ዞባ ጋዳሬኖስ ምስ በጽሐ፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ክልተ ሰባት ካብ መቓብር እናወጹ ተጓነፍዎ።+ ንሳቶም ኣዝዮም ሕሱማት ስለ ዝነበሩ፡ በታ መገዲ እቲኣ ደፊሩ ዚሓልፍ ኣይነበረን። 29  እንሆ ድማ፡ “ኣታ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፧+ ቅድሚ እቲ ምዱብ ግዜ+ ኸተሳቕየናዶ መጺእካ፧”+ እናበሉ ጨደሩ። 30  ካባታቶም ርሕቕ ኢሉ፡ መጓሰ ብዙሓት ሓሰማታት ይበልዕ ነበረ።+ 31  እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ “እንተ ኣውጺእካና፡ ናብቲ መጓሰ ሓሰማታት ስደደና” እናበሉ ለመንዎ።+ 32  ንሱ ኸኣ፡ “ኪዱ!” በሎም። ወጺኦም ድማ፡ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ መጓሰ ኻብቲ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ ኣብቲ ማያት እውን ሞተ። 33  እቶም ጓሶት ግና ሃዲሞም ናብ ከተማ ኣተዉ፣ ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ዅሉ፡ እንተላይ ብዛዕባ እቶም ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት ከኣ ኣውረዩ። 34  እንሆ ድማ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ምስ የሱስ ክትራኸብ ወጸት፣ ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ካብ ዞባኦም ኬልግስ ለመንዎ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኢድ ነስኣሉ።”
ወይ፡ “እትጃጅዉ፧”